• ጀምር
  • ዝያዳ ናጽነት ንደቂ-ኣንስትዮ፡ ሎውብና ኣብ ጽርግያ ንደቂ ኣንስትዮ ትሕግዝ
ሎውብና ባዛርባሺ ብመንገዲ 'Veilig Onderweg' ዝበሃል ትካላ ትምህርቲ ክልሰ-ሓሳብ ትራፊክ ትህብ። ሎውብና ብድሕሪ ላፕቶፓ ኮፍ ኢላ ኣላ።
ምንጪ፡ RefugeeHelp / Aline Bleeker

ዝያዳ ናጽነት ንደቂ-ኣንስትዮ፡ ሎውብና ኣብ ጽርግያ ንደቂ ኣንስትዮ ትሕግዝ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/5/2024 2:35 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ንመሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ንጽንብል። ሎውብና ባዛርባሺ እውን ፍቓድ መዘወሪ መኪና ንኽረኽባ ብምሕጋዝ ንመሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ውፍይቲ እያ። "ፍቓድ መዘወሪ መኪናይ ምስ ጨበጥኩ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ኣዝዩ ብዙሕ ናጽነት ረኺበ። ንኻልኦት ደቂ-ኣንስትዮ እውን ከምኡ እየ ዝምነየለን።"

ካብ ራዕዲ ምዝዋር መኪና ክሳብ መምህር ምዝዋር መኪና

ሎውብና ካብ ሶርያ እያ መጺኣ፣ ካብ 2014 ጀሚራ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር ኣላ። ኣብ ሶርያ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣይነበራን። "ኣብ ጎድኒ ናይ ጽዕነት መካይን ክዝውር እየ ኢለ ሓሊመ ኣይፈልጥን" ትብል ፍሽኽ እናበለት። "ከም ተሳፋሪት መጠን ኣብ ጎድኒ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓርሞሽሽ ነገር ብመኪና ምጒዓዝ ኩሉ ግዜ ዘፍርሕ ኮይኑ እየ ዝረኽቦ ነይረ።"

ኣብ ኔዘርላንድ ግን ነቲ ዝነበራ ናይ ምዝዋር ራዕዲ ብምስጋር ፍቓድ መዘወሪ መኪና ጨቢጣ። እዚ ድማ ንህይወታ ቀየሮ። "ንደቀይ ብመኪና ናብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ናይ ስፖርት ትምህርቲ፣ ከምኡ እውን ናብ ወለደይ ክወስዶም ክኢለ። ከም ዕዳጋ ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ነገራት ከይተረፉ ኣዝዮም ቀለልቲ ኮይኖምለይ።" ሕጂ ድማ ሎውብና ንኻልኦት ደቂ-ኣንስትዮ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ንክረኽባ ክትሕግዘን እትኽእለሉ ናይ ባዕላ ትካል ኣለዋ።

ሒደት ቋንቋ ኔዘርላንድ ንዝዛረባ ደቂ-ኣንስትዮ ውሑድ ሓገዝ

"ክልሰ-ሓሳብ ክመሃር እንከለኹ፣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ብኻልእ ቋንቋ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ኣብያተ-ትምህርቲ ወይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሒደት እዮም ነይሮም" ትብል ሎውብና። "ብዛዕባ እዚ ንኻልኦት ክሕግዝ ከም ዝኽእል ድማ ርእየ።"

ስለዚ ድማ ኣብ 2021 'Veilig Onderweg' ዝበሃል ናይ ክልሰ-ሓሳብ ቤት-ትምህርቲ ጀመረት። ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ሕግታት ትራፊክ ብቋንቋ ዓረብ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ትምህርቲ ብኢንተርነት ትህብ። ኣብ መጀመርታ እቲ ትምህርቲ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን እዩ ነይሩ። "እንተኾነ ግን ደቂ-ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ካልኦት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝርከባሉ ጉጅለታት ዝሓሸ ከምዝስምዐን ኣስተብሂለ።"

ደቂ-ኣንስትዮ ክምዕብላሉ ዝኽእላ ውሑስ ሃዋሁው

ብመሰረት ሎውብና፣ ደቂ-ኣንስትዮ ሓደ ሓደ ግዜ ሕቶታተን ዓንጃል ከይከውን ብምፍራሕ ኣይሓታን ነይረን። "ደቂ-ኣንስትዮ ክመሃራን ክምዕብላን ምእንቲ ምቹእነት ከምዝስምዐን ዝገብር ውሑስን ደጋፍን ሃዋህው ከምዝህሉው እየ ዘረጋግጽ።" ዝያዳ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ጽርግያ ንኽሳተፋ ንምሕጋዝ እውን ንኻልኦት ኣብያተ-ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን ውድባትን ተመኩሮኣ ተካፍል እያ።

እቲ ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ ሓደስቲ ንዝኾና ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዓለመ እዩ፡ "መብዛሕትአን ተማሃሮ መንእሰያት እየን። ናብ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዳ፣ ስራሕ ዘለወንን ብስራሕ ዝተጸምዳን እየን። ስለዚ ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ኣብ እዋን ምሸት እየ ዝህብ። "ግን ድማ ካብ 45 ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ-ኣንስትዮ እውን ይምዝገባ እየን። "መብዛሕትኡ ግዜ ንኽመሃራ ዕድሚአን ዝሓለፈን ከይኮና ይፈርሓ እየን። ኣነ ድማ የተባብዐንን ተስፋ ይህበንን"።

ክልሰ-ሓሳብ ንምምሃር ጠቐምቲ ብልሓታት

ሎውብና ክልሰ-ሓሳብ ንምምሃር ጠቐምቲ ኣገባባት እያ ትጥቀም። "ንኣብነት ኩሉ ግዜ ናይ € 100 ባጤራ ወረቐት ምሳይ ይሕዝ እየ። ነታ ቀጠልያ ባጤራ ወረቐት ነተን ተማሃሮ የርእየን፣ ኣብ ጽርግያ ቀጠልያ መስመር ምስ ዝህሉው 100 ክትዝውር ትኽእል ማለት ምዃኑ ድማ ይዝክራ።"

ዋላ እኳ ብቋንቋ ዓረብ እንተኾነት እትምህር፣ ሎውብና ንተማሃሮኣ ነቲ ፈተና ብቋንቋ ኔዘርላንድ ንኽወስዳ እያ እትመኽረን። "ነቶም ኣምራት ኩሉ ግዜ ብቋንቋ ኔዘርላንድ እውን ይጠቕሶም እየ።" ኣስዒባ ድማ "ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተናኻ ብቋንቋ ዓረብ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፣ ግን ብሰንኪ ወጻኢታት ናይ ኣተርጓሚ ካብቲ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ዝግበር ፈተና ንላዕሊ ብከባቢ 6 ዕጽፊ ዝኸበረ እዩ። እዚ ማለት ድማ ​​ብዋጋ ናይ 1 ብኻልእ ቋንቋ ዝግበር ፈተና፣ ብቋንቋ ኔዘርላንድ 6 ግዜ ፈተናታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ"።

ካብ ቤት-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ንላዕሊ

ብመሰረት ሎውብና 'Veilig Onderweg' ደቂ-ኣንስትዮ ነንሓድሕደን ዘነቃቕሓሉን ዝራኸባሉን ማሕበረሰብ ኮይኑ ኣሎ። "ብተወሳኺ እቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ባህ ዝብል እዩ። ናይ መኪና ክልሰ-ሓሳብ ጥራይ ምዃን ሓሊፉ ንብዙሕ ነገራት ዝምልከት እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ርእሰ-ተኣማንነተን ንኸዕብያ እውን ይሕግዘን እየ።"

ኣብ መጻኢ ሎውብና ኣፍልጦኣን ተመኩሮኣን ብቋንቋ ኔዘርላንድ እውን ንኸተካፍል ተስፋ ኣለዋ። "ሽዑኡ ኣብ ኔዘርላንድ ንኹለን ደቂ-ኣንስትዮ ክሕግዘን ይኽእል እየ።"

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ መሳጢ ድዩ?