ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • Home
  • መዓልቲ ንጉስ: በዓል ብኣራንሾኒ
ኔዘርላንዳውያን ኣራንሾኒ ዝሕብሩ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ብመትረባት ኔዘርላንድ ብጀላቡ ይጎዓዙ።
ምንጪ፡ Paula Abrahao / Flickr

መዓልቲ ንጉስ: በዓል ብኣራንሾኒ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 15/4/2024 12:00 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ዕለት 27 ሚያዝያ ንዕለተ-ልደት ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ተብዕል እያ። እዚ ሃገራዊ በዓል ድማ መዓልቲ ንጉስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሽዕኡ መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ስራሕ ነጻ እዮም። ኔዘርላንድ ንመዓልቲ ንጉስ ብኸመይ ከም እተብዕሎ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ተራ ንጉስ ኣብ ኔዘርላንድ

ኔዘርላንድ ኣብ መዓልቲ ንጉስ ንዕለተ-ልደት ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ተብዕል እያ። ስለዚ መዓልቲ ንጉስ ፖለቲካዊ መዓልቲ ዘይኮነስ ጽምብላዊ በዓል እዩ። ንጉስ ድማ ናይ ኔዘርላንድ ርእሰ-ሃገር ኮይኑ፣ ኣካል ናይ መንግስቲ እዩ። ብተግባር ግን ንጉስ ውሑድ ፖለቲካዊ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፣ ከምኡ እውን ብሓፈሻ ዕማም ናይ ንጉስ ብቐንዱ ተምሳላዊን ጽምብላዊን እዩ። 

ኔዘርላንድ ሕጂ ንጉስ እዩ ዘለዋ፣ ቅድሚ ሕጂ ግን ንግስታት እውን ነይረንኣ እየን። ኣብ ኔዘርላንድ ንጉስ ወይ ንግስቲ ሓደ ዓይነት ተራን ዕማማትን እዩ ዘለዎም። ኣብ ኔዘርላድ ናይ ንጉስ ወይ ንግስቲ ፖለቲካዊ ዕማማት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ንጉስ ወይ ንግስቲ ንኹሎም ሕግታትን ዘውዳዊ ኣዋጃትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ይ(ት)ፍርም።

  • ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ መዓልቲ ባጀት (Prinsjesdag) ንጉስ ወይ ንግስቲ፣ መንግስቲ ንዝቕጽል ዓመት ዘለዎ ውጥናት ብዝምልከት ካብ ዙፋኑ መደረ የቕርብ። መዓልቲ ባጀት፣ ዓመታዊ ኣብ 3ይቲ ሰሉስ ናይ ወርሒ መስከረም እዩ ዝካየድ።

  • እቲ ንጉስ ወይ ንግስቲ ነፍስወከፍ ሰሙን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ይመያየጥን፣ ምስ ሚኒስተራትን ጸሓፍቲ መንግስትን ብቐጻሊ ይዘራረብን። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ንጉስ ወይ ንግስቲ ብዛዕባ ፖሊሲ መንግስቲ ሓበሬታ ይረክብ።

  • ንጉስ ወይ ንግስቲ ሚኒስተራትን ጸሓፍቲ መንግስትን ይሮቚሕ።

  • ንጉስ ወይ ንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንኔዘርላንድ ይውክል/ትውክል።

ካልኦት ዕማማት ንጉስ ወይ ንግስቲ ድማ ሓደስቲ ህንጻታት ምኽፋት፣ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝካየዱ ኣገደስቲ ፍጻመታት መደረታት ምቕራብን፣ መዓልቲ ንጉስ ወይ ንግስቲ ምጽምባልን ይርከብዎም።

ቅድሚ መዓልቲ ንጉስ ኣብ ዘላ ምሸት ድሮ ጽምብል ኣሎ

እታ ቅድሚ መዓልቲ ንጉስ ዘላ ምሸት፣ ናይ ንጉስ ምሸት ተባሂላ ትፍለጥ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ናብ ቤት-መስተ ወይ ካፌ ይኸዱ። ገሊአን ኣብያተ-መስተ ድማ ብዲጄታት ወይ ስነ-ጥበባውያን ዝቐርቡ ምርኢታት ዘለዎ ፍሉይ መደብ የዳልዋ። እዚ ዓመት ናይ ንጉስ ምሸት ኣብ ዓርቢ 26 ሚያዝያ 2024 ምሸት እያ እትውዕል።

ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ኣብ መዓልቲ ንጉስ ናብ ከተማ ኤመን ይበጽሑ

ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ መዓልቲ ንጉስ፣ ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ናብ ሓንቲ ኣብ ኔዘርላንድ እትርከብ ከተማ ወይ ቁሸት ምብጻሕ ይገብር እዩ። ንሱ ነዚ ምስ በዓልቲ-ቤቱ ንግስቲ ማክሲማ፣ ደቁ ኣማልያ፣ ኣሌክስያን ኣርያንን ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤቱን ብሓባር እዩ ዝገብሮ። ኣብዚ ዓመት ድማ ቀዳም 27 ሚያዝያ 2024 ኣብ ኣውራጃ ድረንተ ናብ እትርከብ ከተማ ኤመን ክኸዱ እዮም።

ነበርቲ ከተማ ኤመን ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ብጽምብል ክቕበሉ እዮም። ናይታ ከተማ ጽቡቓት ነገራት ከርእዩ፣ ንንጉስ ክደርፍሉን፣ ከምኡ እውን ባህላዊ ጸወታታት ኔዘርላንድ ከዳልዉን እዮም።

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
NOS
ድማ ነዚ ምብጻሕ ብተሌቪዥን ብመስመር NPO1 ከመሓላልፎ እዩ።

ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ እውን መዓልቲ ንጉስ ትጽምብል

ኣብ ኩሉ ቦታታት ናይ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሰባት መዓልቲ ንጉስ የብዕሉ እዮም። ኣብ መብዛሕትአን ገጠራትን ከተማታትን ድማ ጸወታን ሙዚቃዊ ምርኢታትን ይዳሎው እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣራንሾኒ ዝሕብሩ ክዳን ይኽደኑ። ምኽንያቱ ድማ ኣራንሾኒ ሕብሪ ናይ ኔዘርላንድ ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ስለ ዝኾነ እዩ። ሰባት ኣብ ገጾም ናይ ኔዘርላንድ ባንዴራታት እውን ብቀለም ይቅብኡ እዮም።

ዳርጋ ኣብ ነፍስወከፍ ከተማ ወይ ዓቢይ ገጠር፣ ሰባት ኣብ መዓልቲ ንጉስ ዘይጥቀምሉ ንብረቶም ኣብ ጽርግያ ይሸጡ እዮም። እዚ ባህሊ እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ባይታ ምንጻፍ ኣንጺፎም ዘይጥቀምሉ መጻወቲ፣ ኣቚሑት ገዛ ወይ ንኣብነት ሲዲ ወይ መጻሕፍቲ ይሸጡ። እዚ ድማ ናጻ ዕዳጋ ይበሃል። ንስኻ እውን ኣቚሑት ክትሸይጥ ወይ ኣብቲ ነጻ ዕዳጋ ኣቚሑት ከተናድይ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እቲ ናጻ ዕዳጋ ኣበይ ከምዝካየድን፣ ኣቑሑት ንምሻጥ ማዕረ ክንደይ ኣቀዲምካ ኣብ ማርሻፔዲ ቦታ ክትሓዝእ ከም እትኽእልን ናብ ምምሕዳር ከተማኻ ሕተት።

ድኳናትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ካብ ንቡር ዝተፈልየ ግዜታት ኣለዎም

ኣብ መዓልቲ ንጉስ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ሒደት ተወሰኽቲ ነገራት ኣለዉ፡

  • መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ስራሕ ነጻ እዮም፣ ኩሉ ሰብ ግን ኣይኮነን። ናጻ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንኣስራሒኻ ሕተት።

  • ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብ ንቡር ዝተፈልየ ናይ ጉዕዞ ግዜታት ክህሉው ይኽእል እዩ።

  • ድኳናት ካብ ንቡር ዝተፈልየ ሰዓታት ስራሕ ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ኣብ ጎደና ኣልኮልን መስተን ምሻጥ ብዝምልከት ሕግታት ኣለዉ።

ኣብ መዓልቲ ንጉስ ብዙሓት ሰባት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ እዮም። እዚ ኣብ ኩሉ ቦታ ብወግዒ ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ዝኾነ ዘይፍቀድ ቦታ እንተድኣ ሰቲኻ ብፖሊስ መቕጻዕቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ገሊአን ምምሕዳር ከተማታት፣ ሱፐርማርኬታት ንኣልኮላዊ መስተ ዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት መሸጣ ክኽተላ ኣለወን። ንኣብነት ንሓደ ሰብ 1 ታኒካ ቢራ ወይ ጥርሙዝ ወይኒ ጥራይ ክሸጣ ይኽእላ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?