• ጀምር
  • "ኣብ ኔዘርላንድ ተቓውሞ ከስምዕ እንከለኹ ውሕስነት ይስምዓኒ"
ኣብ ዝቮለ ኣንጻር ሕማቕ መዕቆቢ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ስደተኛታት።
ምንጪ፡ ANP

"ኣብ ኔዘርላንድ ተቓውሞ ከስምዕ እንከለኹ ውሕስነት ይስምዓኒ"

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 31/1/2024 12:52 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ሶርያዊ ማዘን ናብ ኔዘርላንድ ንስደት ሃዲሙ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ኣንጻር ሕማቕ ኩነታት መዕቆቢ ሓተትቲ ዑቕባ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። "ኣብ መጀመርታ ዝኾነ ነገር ኣይተገብረን፣ ሕጂ ግን COA ተንቀሳቐስቲ ክሽነታት ኣዳልዩልና ኣሎ።"

ሕማቕ መግቢ ኣብ መዕቆቢ

ማዘን ኣብ ዛውድብሩክ -Zuidbroek- ኣብ ዝርከብ መበል ሓሙሻይ መዕቆቢ ቦታኡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ተቓውሞ ተሳቲፉ። ምስ ካልኦት ነበርቲ ሓባራዊ ጉጅለ ዋትስኣፕ ብምዃን ድማ ኣንጻር ሕማቕ መግቢ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። “እቲ መግቢ ረሳሕ ወይ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ንባዕሉ ግዜኡ ዝሓለፎ እዩ ነይሩ። ዛውድብሩክ ግዝያዊ መዕቆቢ ስለዝኾነን ዘለዉ መሳለጥያታት ውሑዳት ብምዃኖምን ነዚ ከማሓይሾ ከምዘይክእል COA ሓቢሩ። COA ነቲ መግቢ ክሳብ ዘመሓይሾ ዳግም ንኸይንበልዖ ድማ ተሰማሚዕና።”

እዚ ብኡንብኡ ስለ ዘይሓገዘ፣ እቶም ነበርቲ ካልእ ሓሳብ ኣምጺኦም። “እቲ እንረኽቦ መግቢ ኣብ ክሽነታት ናይቲ ኣብ ጎኒ እቲ መዕቆቢ ዝርከብ ሆቴል እዩ ዝዳሎ። እቶም ኣጋይሽ ናይቲ ሆቴል ንምንታይ ንቡር መግቢ ከም ዝረኸቡ፣ ከምኡ እውን ንሕና ግን ከምኡ ዘይንረኽበሉ ምኽንያት ኣይተረድኣናን። ሽዕኡ ብዙሓት ነበርቲ ነቲ ሆቴል ኣብ ጉግል ማፕስ -Google Maps- ሕማቕ ገምጋም ነጥቢ ሂቦሞ። እቲ ወናኒ ሆቴል በቲ ዝገበርናዮ ምስ COA ተቖጢዑ። እዚ ድማ ብቕጽበት ጽልዋ ነይርዎ።”

ሕጂ COA ምስ ነበርቲ እቲ መዕቆቢ ክዛረብ ደለዩ። "ኣብ መወዳእታኡ ተንቀሳቓሲ ክሽነታት ኣዳልዮምልና። በዚ መንገዲ ድማ እቲ ክንበልዖ እንፈትዎ መግቢ ከነዳሉው ንኽእል። ግዝያዊ መዕቆቢ ምዃኑ መመኽነይታ ኣይኮነን። ሰባት ብግቡእ ክትቅበልን ንድሌታቶም ክትሰምዕን ኣለካ።"

ብውሑስ ተቓውሞ ምግባር

"ብኸምዚ ኣገባብ ምቅዋም ፈጺመ ኣይለመድኩን። ኣብ ሶርያ ተቓውሞ ምስ እትገብር ብፖሊስ ተታሒዝካ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ኢኻ እትድርበይ። ኣብዚ ተቓውሞ ክትገብር እንከለኻ ፖሊስ ልክዕ ኣብ ከባቢኻ እዮም ዝኾኑ፣ ሕቖኦም ናባኻ ገጾም ይገብርዎ፣ ንዓኻ ካብ ተዓዘብቲ ንኽከላኸሉልካ ምእንቲ። ከምኡ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። ኣብ ኔዘርላንድ ተቓውሞ ምግባር ውሑስን፣ ከምኡ እውን ናጻን ኮይኑ ይስምዓካ።"

ማዘን ደጊም ስደተኛ ኣብ ዘይኮነሉን ኣብቲ መዕቆቢ ኣብ ዘይነብረሉን እዋን እውን ተቓውሞ እናገበረ ክቕጽል ውጥን ኣለዎ። "ንገዛእ-ርእሰይ ዘይኮነስ ንኻልኦት ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰባት ንምሕጋዝ። ተቓውሞ ምግባር ንማዕርነትን ምትሕግጋዝን ኣገዳሲ እዩ። ነንሓድሕድካ ደው ንምባልን ነንሓድሕድካ ንምድግጋፍን።"

ሰላማዊን ብሓባርን

ከመይ ገይርካ ጽቡቕ ተቓውሞ ትውድብ? ብመሰረት ማዘን እዚ ብሰላም ክትገብሮ ኣገዳሲ እዩ፣ ንኣብነት ብዋትስኣፕ ኣቢልካ ድማ ሰፊሕ ጉጅለ ሰባት ኣብ ከባቢኻ ክትእክብ ኣገዳሲ እዩ። “ዝኾነ ነገር ክንሰብር ኣይንደልይን፣ ድምጽና ከምዝስማዕ ምግባርን መሰልና ምርካብን ጥራይ እዩ። ኣብ ዝቮለ -Zwolle- ምስ ጉጅለ ስደተኛታት ኣንጻር እቲ ኣብ IND ዝነበረ ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይድና። ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ምዃኑ ሓደ ነገር እዩ፣ መዓስ ቃለ-ምሕትት ክህልወካ ምዃኑ ወላ ሓደ ዘይትሰምዕ ምዃኑ ግን ኢ-ሰብኣዊ እዩ። ስለዚ ኢና ናብ ጎደናታት ወጺእና።”

“ብዛዕባ እቲ ተቓውሞ ንምምሕዳር ከተማን ንመራኸቢ ብዙሓንን እውን ኣፍሊጥና ኢና። ምምሕዳር ከተማ ንባዕሉ እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። መራኸቢ ብዙሓን ድማ መጺአን ብዛዕባ ተቓውሞና ኣብ ጋዜጣታት ጽሒፈን። በዚ መንገዲ ድማ መላእ ኔዘርላንድ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዘጋጥም ዘሎ ከንብብ ይኽእል። እዚ ኣብ ፖለቲካ ጽልዋ ክህልዎ ድማ ተስፋ ንገብር።"

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ መሳጢ ድዩ?