ትምህርቲ
ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ትምህርቲ ንቆልዑትን ንዓበይትን ኣብ ኔዘርላንድ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ንኣብነት ብዛዕባ መባእታዊን ካልኣይ ደረጃን ቤት-ትምህርቲ ዝምልከት። ብተወሳኺ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ምስ እትኸውን ብዛዕባ ምክትታል ላዕለዋይ ትምህርቲ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታትን ብዛዕባ ወጻኢታት ትምህርትን፣ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ሓበሬታ

ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ተነጺጉ ውላድካ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸይድ ይኽእል እዩ
ሕቶ ዑቕባኻ ተነጺጉ ድዩ፡ ወይስ ናይ መንበሪ ፍቓድ የብልካን? ውላድካ ኣብ ነዘርላንድ ትምህርቲ ክመሃር ይፍቀደሉ። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ተግባራዊ ሕግታትን ውላድካ 18 ዓመት ምስ መልአ እንታይ ከም ዝቕየርን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ
ካብ 4 ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ናብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ 8 ጉጅለታት ኣለዎ። ቆልዑት ካብ 5 ዓመት ዕድሚኦም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኣለዎም፣ መብዛሕትኦም ቆልዑት ኔዘርላንድ ግን ካብ 4 ዓመት ዕድሚኦም እዮም ናብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱ። መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ብዝምልከት ኩሉ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ
ድሕሪ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ቆልዑት ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ደረጃታትን ዓመታትን ዝሓቖፈ እዩ። ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት፣ ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኣለዎም። ኣብዚ ገጽ ኩሉ ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ፍሉይ ትምህርቲ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ፍሉይ ትምህርቲ፣ ነቶም ኣብ ስሩዕ ቤት-ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ክወሃብ ዘይከኣል ተወሳኺ ደገፍ ዘድልዮም ተማሃሮ ዝዓለመ እዩ። ፍሉይ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ተማሃሮ ኣብኡ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከም ዝረኽቡን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መንግስታዊን ብሕታዊ ትምህርቲ
ዓንቀጽ 23 ናይ ቅዋም፣ ኣብ ኔዘርላንድ ናጽነት ትምህርቲ ከም ዝህሉው ዘረጋግጽ እዩ። ሰባት ባዕላቶም ኣብያተ-ትምህርቲ ክምስርቱ ይኽእሉ እዮም፣ እንተኾነ ግን ኣብያተ-ትምህርቲ፣ ንመንግስታዊ ሕግታት ክኽተላ ኣለወን። ከም ውጽኢቱ ድማ ገለልተኛታት ዝኾና መንግስታዊ ኣብያተ-ትምህርቲን ኣብ እምነት ወይ ፍልስፍና ህይወት ዝተመስረታ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲን ኣለዋ።