ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Een vrouw loopt uit de asielopvang

ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland

ናብ መበቆል ሃገረይ ምምላስ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 17/11/2023 8:58 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

እንተደኣ ብመንግስቲ ኔዘርላንድ ናይ መንበሪ ፍቓድ ተኸልኪልካ ኮይንካ ብዛዕባ መጻኢኻ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ቀሊል ከምዘይኮነ ንርዳእ ኢና። ብዛዕባ ክህሉው ዝኽእል ናይ ምምላስ ዕድል ምስ VluchtelingenWerk Nederland ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ምስ ካልእ ናይ ምምላስ ደገፋት ዝህብ ውድብ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ምምላስ ደገፍ

ክትምለስ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ትውስን። VluchtelingenWerk (VWN) ንገለ ሃገራት ክትምለሰለን ውሑሳት ከም ዘይኮና ይቖጽረን እዩ፣ ንምምላስካ ድማ ደገፍ ኣይህብን። ይኹን እምበር፣ ናብተን ሃገራት ንምምላስ ናብ ዝሕግዙ ውድባት ንኽትውከስ ከነመሓላልፈካ ንኽእል ኢና።

ናብ መበቆል ሃገርካ ባዕልኻ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ እንተድኣ ተመሊስካ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ደገፍ ፍርያት፣ ኣገልግሎት ወይ ፋይናንሳዊ ኣበርክቶ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት፡ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ድኳን ንምጅማር መበገሲ ዝኸውን መጠን ገንዘብ ን/ወይ ውጥን ንግዲ ኣብ ምጽሓፍ ሓገዝ ምርካብ ክኸውን ይኽእል። ደገፍ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ከምኡ እውን እንታይ ናይ ምርካብ መሰልካ ከም ዘለካን ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ሰብን ሃገርን እዩ ዝምርኮስ።

ብግዴታ ምምላስ

ዘመልከትካዮ ዕቚባ እንተድኣ ተነጺጉ፣ መንግስታዊ ትካል ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V) ብዛዕባ ናብ መበቆል ሃገርካ ምብጋስ ብዝምልከት ክረኽበካ እዩ። እዚ ማለት ግን ብቕጽበት ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ ማለት ኣይኮነን።

ጠበቓኻ ኣንጻር ውሳኔ ናይ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን (IND) ይግባይ እንተድኣ ኣቕሪቡ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ዳኛ ውሳኔ ክሳብ ዝህብ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበይ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኩነታት መጽለሊኻ ብዝምልከት ኣብ VluchtelingenWerk Nederland ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ኣረጋግጽ።

ኣስተውዕል፡ ብተበግሶኻ ባዕልኻ ክትምለስ እንተድኣ ዘይመሪጽካ፣ የግዳስ ብሓይሊ እንተድኣ ተጠሪዝካ፣ ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ደገፍ ኣይትረክብን ኢኻ። VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ኣብዚ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።

ንምምላስካ ብዝምልከት VluchtelingenWerk ብኸምዚ እዩ ዝሕግዘካ:

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?