
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ እዚ ክትገብር ትኽእል
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ነጺጉ። ስለዚ ካብ IND ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውንን፣ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ካብ IND ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ክነጽግዎ ከም ዝደልዩ ዝገልጽ ደብዳቤ ትቕበል
ኣብ መስርሕ ዑቕባ ምሳኻ ድሕሪ ዝተገብረ ካልኣይ ቃለ-መሕትት፣
እቲ ደብዳቤ ናይ ምንጻግ ወይ ምጽዳቕ ምኽንያታትን፣ ከምኡ እውን ንዓኻ እንታይ ሳዕቤናት ከም ዘለዎን ዝገልጽ እዩ። ነቲ ናይ IND ደብዳቤ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረበሉ። ድሕሪኡ ጠበቓኻ ንIND ብደብዳቤ ንኽምልሰሎም 1 መዓልቲ ኣለዎ። እዚ ናይ ጠበቓ ደብዳቤ 'ርእይቶ' ይበሃል። ኣብቲ ርእይቶ ድማ ንስኻን ጠበቓኻን ስለምንታይ ምስቲ ግዝያዊ ውሳኔ ናይ IND ከም ዘይትሰማምዑ ከትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ብጭቡጥ ክነጽግዎ ወይ ኣማስያኡ ከጽድቕዎ ምዃኖም ዝገልጽ 2ይ ደብዳቤ ካብ IND ትቕበል
IND ካብ ጠበቓኻ ዝመጽአ ደብዳቤ ድሕሪ ምቕባልን ምንባብን ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክወስድ እዩ። IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ሕጂ እውን ክነጽጎ ይኽእል እዩ። IND ኣማስያኡ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከጽድቖ እውን ክኸውን ዝኽእል እዩ። እዚ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ድማ 'ውሳኔ' ይበሃል።
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ብዘየዳግም ምስ ዝነጽጎ ናብ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ትኽእል
IND ንመመልከቲኻ ነጺግዎ ድዩ? ስለዚ ብሓገዝ ጠበቓኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እዚ ንምግባር ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ጠበቓኻ ንዓኻ ወኪሉ ይግባይ እንተድኣ ኣቕሪቡ፣ ውሳኔ ናይ IND ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ዳኛ ክምርምር እዩ። ዳኛ፣ IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ኣገባብ ዝፈጸሞ ምዃኑን ዘይምዃኑን ጥራይ እዩ ዝምርምር፣ ንትሕዝቶ ጉዳይካ ግን ኣይግምግምን እዩ።
ኣንጻር ውሳነ ናይ IND ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ እንተድኣ ኣቕሪብካ፣ ዳኛ ውሳኔ ክሳብ ዝህብ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።
IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ከምዘይፈጸሞ ቤት-ፍርዲ እንተድኣ ወሲኑ፣ IND ሓድሽ ውሳኔ ክህብ ኣለዎ። ቤት-ፍርዲ፣ IND ነቲ መስርሕ ብግቡእ ከምዝፈጸሞ እንተድኣ ወሲኑ ግን ሽዕኡ እንታይ ክትገብር ከም እትደልይ ምስ ጠበቓኻ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። 3 ኣማራጺታት ድማ ኣለዉኻ፡
1. ናብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ትኸይድ
ምስቲ ቤት-ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ስለዚ ጠበቓኻ ናብ
ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS) ኣብ ኔዘርላንድ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ እዩ። እዚ ማለት ድሕሪ ውሳኔ ናይ RvS ናብ ካልእ ቤት-ፍርዲ ክትከይድ ኣይትኽእልን ማለት እዩ። ናይዚ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ናይ መወዳእታ እዩ።
ንውሳኔ ናይ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበይ ኣይፍቀደልካን እዩ። ጠበቓኻ፣ እቲ ውሳኔ ክሳብ ዝወሃብ ንምጽባይ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል እንተኾንካ ብወግዒ ንዳኛ ክሓትት ኣለዎ። እዚ ድማ
2. ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ተቕርብ
ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ሓደስቲ ሓቅታት ወይ ዝተቐየሩ ኩነታት እንተድኣ ኣለዉ ኮይኖም፣ ከም ብሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣብነት እንተድኣ ሓድሽ ኩናት ኣብ ሃገርካ ተላዒሉ፣ ወይ ኣብኡ ዝርከብ ኩነታት ገና ካብቲ ዝነበሮ እንተድኣ ገዲዱ ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ኩነታት ዝምልከት እዩ። ወይ ድማ ብዛዕባ ዝተቐየረ ውልቃዊ ኩነታት ዝምልከት እዩ። ንኣብነት ኣብ ኔዘርላንድ ካልእ ሃይማኖት እንተድኣ ቀይርካን፣ በዚ ምኽንያት ድማ ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ትፈርሕ እንተድኣ ኮይንካን። ንመመልከቲ ዑቕባኻ ዝድግፉ ዘይነበሩኻ ሓደስቲ ሰነዳት ዝረኸብካ ክትከውን እውን ትኽእል ኢኻ። ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ከተቕርብ እንተደሊኻ ምስ ጠበቓኻ ተማኸር።