ምንጪ፡ Youssef Amakran
ዓንቀጽ

ምትላል ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 11/8/2025 12:19 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ገንዘብ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታ ንምርካብ ንኻልኦት ከታልሉ ዝፍትኑ ሰባት ኣለዉ። እዚ ድማ ምትላል ይበሃል። ዝኾነ ሰብ ግዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ሓድሽ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽአ ሰብ እውን። ስለዚ ምትላል ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፣ እንታይ ዓይነት ምትላላት ከምዘለዉን፣ እንተድኣ ኣጋጢሙካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ምትላል እንታይ እዩ?

ኣብ ምትላል ማለት ሓደ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘብካ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ክሰርቕ ይፍትን ማለት እዩ። እቲ ኣታላሊ እሙን መሲሉ ይቐርበካ፣ ንኣብነት ሸያጢ፣ ሰራሕተኛ ባንክ፣ ወይ ኣባል ስድራ-ቤት እውን ከይተረፈ። ናይ ብሓቂ ምዃኑ ንኽትኣምን ድማ ውሕሉል ብልሓት ይጥቀም። ሓደ ሓደ ግዜ ኣታለልቲ ኣዝዩ ሕያዋይ ብዝኾነን ብዘእምን ኣገባብ እዮም ዝዛረቡኻ። ክሕግዙኻ ከም ዝደልዩ ኣምሲሎም ይቐርቡኻ፣ እቲ ሓቂ ግን ገንዘብካ ወይ ሓበሬታ ክወስዱልካ እዮም ዝደልዩ።

ምትላል ብኸመይ የጋጥም?

መብዛሕትኡ ግዜ ኣታለልቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት፣ ብኢ-መይል ወይ ብተሌፎን እዮም ዝሰርሑ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ጎደና እውን ይሰርሑ። ኣብዚ ታሕቲ ሰባት ዝታለልሎም ዝበዝሑ ኣገባባት ክትረክብ ኢኻ።

  • ብኢንተርነት ምሻጥ፡ ኣብ Marktplaats፣ Vinted፣ ወይ Facebook Marketplace ገለ ነገር ትገዝእ፣ ግን ድማ እቲ ዝገዛእካዮ ፈጺሙ ኣይመጽኣካን። ወይ ድማ ሓደ ሰብ ብዘይተፈልጠ መርበብ-ሓበሬታ ኣቢሉ ንኽትከፍል ሊንክ ይሰደልካ። እቲ መታለሊ ነዚ ሊንክ ተጠቒሙ ካብ ሕሳብካ ገንዘብ የውጽእ። ስለዚ ኩሉ ግዜ እቲ መርበብ-ሓበሬታ ሕጋዊ ድዩ ኣይኮነን ኣረጋግጽ፣ ከምኡ እውን ውሑስ ኣገባብ ክፍሊት ተጠቐም።

  • ናይ ባንክታት ወይ መንግስታዊ ተቕዋማት ናይ ሓሶት መልእኽቲታት፡ ንኣብነት ካብ ባንክ፣ ትካላት ፖስታ፣ ወይ ከም በዓል-መዚ ግብሪ ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ተቕዋማት ዝመጽአ ዝመስል ንኽትከፍል ወይ ንኽትኣቱው ሊንክ ዘለዎ ኢ-መይል ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ይመጸካ። እዞም መልእኽትታት ናይ ብሓቂ እዮም ዝመስሉ፣ እንተኾነ ግን ናይ ሓሶት እዮም። ኣብቲ ሊንክ እንተድኣ ጠዊቕካ፣ ሓደ መታለሊ ዝርዝር ሓበሬታኻ ወይ ገንዘብካ ክወስድ ይኽእል እዩ። ባንክታት፣

    ፣ ከምኡ እውን መንግስታዊ ቕዋማት ንምእታው ወይ ንምኽፋል ዝኸውን ሊንክ ፈጺሞም ኣይሰዱን እዮም።

  • ምትላል ብዋትስኣፕ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ሰብ 'ሰላም ማማ፣ ሓድሽ ቁጽሪ ተለፎን ሒዘ ኣለኹ፣ ክፍሊት ብምፍጻም ቀልጢፍኪ ክትሕግዝኒ ትኽእሊ' ዶ?’ ዝብል መልእኽቲ ይሰድድ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣታላሊ እዩ። ኣታለልቲ እሙናት ንኽመስሉ ናይ ኣባላት ስድራ-ቤቶም፣ ኣዕሩኽቶም ወይ ሕጋውያን ትካላት ናይ ፕሮፋይል ስእሊ ይጥቀሙ። ስለዚ ንምርግጋጽ ኩሉ ግዜ ናብቲ ናይ ቀደም ቁጽሪ ደውል፣ ወይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ጥራይ ክምልሶ ዝኽእል ውልቃዊ ሕቶ ሕተት። 

  • ናይ ፍቕሪ ወይ ወፍሪ ምትላል፡ ኣብ ኢንተርነት የፍቅረካ እየ ዝብል፣ ወይ ገንዘብ ንምርካብ ጽቡቕ ውጥን ዘለዎ ሰብ ትረክብ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ እቲ ሰብ ገንዘብ ይሓተካ። ንኣብነት ንትኬት ወይ ንወፍሪ ዝኸውን። ብኢንተርነት ጥራይ ናብ እትፈልጦ ሰብ ገንዘብ ፈጺምካ ኣይትስደድ። 

  • ናይ መንነት ምትላል፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ፓስፖርትኻ፣ ወረቐት መንነትካ፣ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ተጠቒሞም ገለ ነገር ክገዝኡ፣ ልቓሕ ክወስዱ፣ ወይ ውዕል ተሌፎን ክምዝገቡ ይኽእሉ። ፍጹም ኣድላዪ እንተኾይኑ ጥራይ ወረቐት መንነትካ ኣካፍል፣ ኣብኡ ድማ ቅዳሕ ምዃኑ ጸሓፈሉ። ንኣብነት

    ብምጥቃም። ኣብቲ ቅዳሕ ዕለት ምጽሓፍ ድማ ኣይትረስዕ። 

  • ኣብ ናይ መቖሚ መኪና ዝኽፈለሉ ማሽን ናይ ሓሶት QR-ስቲከር፡ ኣብ ገለ ምምሕዳር ከተማታት ኔዘርላንድ ኣብ ናይ መቖሚ መኪና ዝኽፈለሉ ማሽን ናይ ሓሶት QR ኮድ ዘለዎም ስቲከራት ተረኺቦም ኣለዉ። ዝኾነ ነቲ ኮድ ስካን ዝገበረ ሰብ ድማ ናብ ናይ ሓሶት ናይ ክፍሊት መርበብ-ሓበሬታ ይወስዶ፣ ከምኡ እውን ኣብኡ ገንዘብ ክውሰደሉ ይኽእል። ኩሉ ግዜ መኪና ንምቛም ዝኸውን ትኬትካ ብወግዓዊ ናይ መቖሚ መኪና ዝኽፈለሉ ማሽን፣ ወይ ከም ParkMobile ወይ EasyPark ዝኣመሰለ ዘተኣማምን ኣፕ ክፈል። ምስቲ ናይ መቖሚ መኪና ዝኽፈለሉ ማሽን ዝጸንሓካ QR-ኮድ ድማ ፈጺምካ ኣይትጠቐም። 

  • ናይ ሓሶት ፖሊስ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣታለልቲ ፖሊስ መሲሎም ይቐርቡ። ይድውሉልካ፣ ወይ ደዊሎም ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ገለ ጸገም ከምዘሎ፣ ወይ ገንዘብካ 'ከውሕሱ' ከም ዝደልዩ ይዛረቡ። ሓደ ሓደ ግዜ ዋላ ዩኒፎርም ከይተረፈ እውን ይኽደኑ፣ ወይ ናይ ሓሶት ናይ ፖሊስ መለለዪ መንነት የርእዩኻ። ብድሕሪኡ ገንዘብካ፣ ወይ ናይ ባንክ ካርድኻ ክወስዱ ይደልዩ። ናይ ሓቂ ኣባላት ፖሊስ ናይ ባንክ ካርድኻ፣ ፒንኮድካ ወይ ገንዘብካ ፈጺሞም ኣይሓቱን እዮም። ተጠራጢርካ ዲኻ? ስለዚ ወግዓዊ መለለዪ መንነት ፖሊስ ንኸርእዩኻ ሕተት፣ ከምኡ እውን ብድሕሪኡ ባዕልኻ ናብ ፖሊስ ደዊልካ ብሓቂ ፖሊስ ድዩ ኣይኮነን ኣረጋግጽ። 

  • (ናይ ሓሶት ጻውዒታት ተሌፎን)፡ ኣብ ስፑፊንግ 'Spoofing' ሓደ ኣታላሊ ናይ ባንክኻ፣ ምምሕዳር ከተማኻ፣ ወይ ሓደ ትካል ብዝመስል ናይ ሓሶት ቁጽሪ ይድውለልካ። ገንዘብ ከተሰጋግር ወይ ውልቃዊ ሓበሬታ ንኽትህብ ድማ ይሓተካ። ነታ ተሌፎን ብቕልጡፍ ዕጸዋ፣ ከምኡ እውን ባዕልኻ ናብ ወግዓዊ ቁጽሪ ናይቲ ትካል ደውል። ናይ ሓቂ ባንክ ወይ ተቕዋም ብተሌፎን ገንዘብ ከተሰጋግር ፈጺሙ ኣይሓተካን እዩ። 

  • (ብኢ-መይል ዝግበር ዘፈራርሕ መልእኽቲ)፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ብውልቃዊ ሓበሬታኻ ዘፈራርሕ ኢ-መይል ይመጸካ፣ ወይ 'ብቪድዮ ከምዝቀረጸካ' ይዛረበካ። እቲ መታለሊ ነዚ ምስጢር ንምሕላው ማለት ኣብ ቃልዕ ንኸየውጽኦ ገንዘብ ንኽትከፍል ይሓተካ። ፈጺምካ ኣይትኽፈል፣ መልሲ እውን ኣይትሃብ። እዚ ዓይነት መልእኽትታት ናይ ሓሶት እዩ። ናብ ፖሊስ ወይ ድማ ናብ ናይ ምትላል ሰደቓ ሓገዝ 'Fraudehelpdesk' ሓብር።

ምትላል እንተድኣ ኣጋጢሙካ እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ምትላል ኣጋጢሙኒ እዩ ኢልካ እንተድኣ ሓሲብካ፣ ቀልጢፍካ ስጉምቲ ውሰድ። ቀልጢፍካ ግብረ-መልሲ ብዝገብርካ መጠን፣ ነቲ ጉድኣት ናይ ምንካይ ዕድልካ ይዛይድ። ነቲ ጉድኣት ንምንካይ ክትወስዶም ዘለካ ገለ ስጉምትታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  1. ምኽፋል ኣቋሪጽካ ብቕጽበት ናብ ባንክኻ ደውል፡ ምትላል ኣጋጢሙኒ ኢልካ ከም እትሓስብ ንገሮም። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ባንክ ነቲ ክፍሊት ደው ከብሎ፣ ወይ ነቲ ገንዘብ ክመልሶ ይኽእል እዩ።

  2. ኩሎም መርትዖታት ዓቅቦም፡ መልእኽትታት፣ ኢ-መይላት፣ ቁጽሪ ተሌፎናትን ቅብሊታት ክፍሊትን ዓቅቦም። እዚ ሓበሬታ ድማ ፖሊስ ወይ ባንክኻ ኣብ ዝገብርዎ መርመራ ይሕግዞም።

  3. ብዛዕብኡ ንፖሊስ ሓብር፡ ናብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ፖሊስ ኪድ፣ ወይ ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 0900-8844 ደውል። ዋላ ንሒደት ገንዘብ ዝምልከት ምስ ዝኸውን እውን ናብ ፖሊስ ጥርዓን ኣቕርብ። እዚ ድማ ፖሊስ ንኣታለልቲ ደልዩ ንምሓዝ ይሕግዞም።

  4. ናብ ናይ ምትላል ሰደቓ-ሓገዝ 'Fraudehelpdesk' ሓብር፡ ንሳቶም እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ብነጻ ምኽሪ ክህቡኻን፣ ተወሳኺ ጉድኣት ንኸይበጽሓካ ክሕግዙኻን እዮም።

  5. ንስድራ-ቤትካን ፈተውትኻን ንገር፡ ኣይትሕፈር። ምትላል ኣብ ዝኾነ ሰብ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ነዚ ተሞክሮ ብምክፋል፣ ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ጸገም ንኸየጋጥሞም ትሕግዞም።

ገዛእ-ርእስኻ ንምክልኻል ዝሕግዙ ምኽርታት

  • ኣብ ኢ-መይላት ወይ ናይ ተሌፎን ጽሑፍ መልእኽቲ ዝርከቡ ዘይትኣምኖም ሊንክታት ፈጺምካ ኣይትጠውቕ።

  • ፒንኮድካ፣ DigiD፣ ወይ ዝርዝር ሓበሬታታት ናይ ባንክኻ ንኻልእ ሰብ ፈጺምካ ኣይተካፈል።

  • ብመንገዲ ኣብቲ ሊንክ https:// ዝብል ዘለዎም ውሑሳት መርበባት-ሓበሬታ ጥራይ ክፈል።

  • ብዛዕባ ሓደ መልእኽቲ ወይ ሰብ ርግጸኛ ኣይኮንካን ዲኻ? ካብ ሓደ እትኣምኖ ሰብ ሓገዝ ሕተት።

  • ኩሉ ግዜ ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ፣ ወይ ቁጽሪ ተሌፎን ናይቲ እትረኽቦ ሰብ ተቖጻጸር።

  • ቅድሚ ምኽፋልካ ወይ ምጥዋቕካ ብጥንቃቐ ሕሰብ። ኣታለልቲ ቅልጡፍ መልሲ ክትህብ እዮም ዝደልዩኻ፣ እንተኾነ ግን ንስኻ ኩሉ ግዜ ሓደ ነገር ሕጋዊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ገለ ግዜ ውሰድ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር