
ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 2025፡ ሰልፊታት ብዛዕባ ፍልሰትን ዑቕባን እንታይ ይብሉ?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2025 ኔዘርላንድ፣ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንምምራጽ ምርጫ ከተካይድ እያ። ኣብቲ ምርጫ ዝሳተፋ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ድማ ናይ ምርጫ ማኒፌስቶታቶም ኣዳልዮም ኣለው። እዚ ማኒፌስቶ እዚ፣ እንተድኣ ተመሪጾም ከተግብርዎ ዝሓስቡ መደባት ዝገልጽ እዩ። ብዛዕባ ዝተወሰኑ ኣገደስቲ ጉዳያት ዘለዎም መርገጺ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
መርገጺ ሰልፊታት ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ናይ ምርጫ
መረጽቲ ኣብ ዝመርጽሉ እዋን ናይ ሰልፊታት ናይ ምርጫ መደባት ወይ ማኒፌስቶ መሰረት ብምግባር ኣየናይ ሰልፊ ክመርጹ ከም ዝደልዩ ክውስኑ ይኽእሉ። ኣብዚ ዓንቀጽ ድማ ዝተፈላለዩ ሰልፊታት ንስደተኛታት ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብዛዕባ ዘለዎም መርገጺ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ሓለዋ ናይ ምርካብን መመልከቲ ዑቕባ ናይ ምቕራብን ዕድል
VVD፡ ስደተኛታት ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ዝኽእሉ ብመንገዲ
ጥራይ እዩ። ቁጽሪ ናይቶም ዓመታዊ ዳግመ-ምጥያስ ክረኽቡ ዘለዎም ስደተኛታት ኣብመደባት ዳግመ-ምጥያስ ዝምርኮስ ኮይኑ፣ ስለዚ ድማ ዜሮ ክኸውን ይኽእል። ብመሰረት VVD ስደተኛታት ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ዝኽእሉ ብመንገዲ UNHCR ጥራይ እዮም። UNHCR ኣየኖት ስደተኛታት ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽኡ ብቑዓት ምዃኖም ይውስን። ክንደይ ሰባት ክመጽኡ ከም ዝፍቀደሎም ድማ ኔዘርላንድ ትውስን። ስለዚ ድማ እቶም ብመንገዲ UNHCR ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ዝተፈቕደሎም ስደተኛታት ብውሑስ - ብነፋሪት - ናብ ኔዘርላንድ ክጓዓዙ ይኽእሉ። እቶም ከይተሓተቱ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽኡ ሓተትቲ ዑቕባ ኸኣ ኣብ ዶባት ይኽልከሉ፣ ከምኡ እውን ከም ዝምለሱ ይግበር።ናይ ምኽፋል ዓቕሚNSC፡ ስደተኛታት ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ዝነብሩሉ ከባቢ ከም ዝዕቆቡ ክግበር ኣለዎ። NSC ንኣተገባብራ
፣ መስርሓት ኤውሮጳ ቅልጡፋት ክኾኑን፣ ምውሳኽ ቚጽጽር ዶባትን ይድግፍ።ውዕል ፍልሰት ኤውሮጳGL-PvdA፡ ኔዘርላንድ ንሓተቲ ዑቕባ ቅልጡፍን ጥንቃቐ ዘለዎን መስርሓት ከተቕርብ ኣለዋ። እቲ ሰልፊ ን
ምኽባር ቀጺልዎ ኣሎ፣ ከምኡ እውን ንውዕል ፍልሰት ኤውሮጳ ይድግፎ እዩ ። ብመሰረት GL-PvdA፣ ንሕቶታት ዑቕባ ብመንገዲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መደባት ዳግመ-ምጥያስ ምምስራሕ ተመራጺ እዩ።ውዕል ስደተኛታትBBB፡ መመልከቲታት ዑቕባ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ክምስርሑ ኣለዎ። ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት ጥራይ እዮም ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክወሃቦም ዝኽእል።
SP፡ ስደተኛታት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ማለት ዞባኦም ከም ዝዕቆቡ ምግባር ይምረጽ። ኮይኑ ግን ስደተኛታት ኣብ ኔዘርላንድ እውን ሓለዋ ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎም። ብመሰረት SP፣ መስርሕ ዑቕባ ካብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ክወስድ የብሉን። ከምኡ እውን ኤውሮጳ፣ ኣብ ዶባት ኤውሮጳ እትገብሮ
ን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብቕልጡፍ ደው ከተብሎ ኣለዋ።ንድሕሪት ምድፋእD66፡ እቲ ሰልፊ ነቲ ሓድሽ ውዕል ፍልሰት ኤውሮጳ ዝድግፍ ኮይኑ፣ ስደተኛታት ኣብ መንጎ ኩለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብርትዓዊ ኣገባብ ክመቓርሑ ይደልይ። ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ብውሑስን ሕጋውን መንገድታት ናብ ኤውሮጳ ክመጽኡ ከምዝኽእሉ ከረጋግጽ ኣለዎ፣ በዚ ምኽንያት ድማ እዩ እቲ ሰልፊ በብዓመቱ ብመደብ ዳግመ-ምጥያስ ናይ
ናብ ኤውሮጳ ክመጽኡ ዝኽእሉ ሰባት ክውስኽ ዝድግፍ።UNHCRCDA፡ ሰልፊ CDA መመልከቲታ ዑቕባ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ክምስራሕ እዩ ዝደልይ። ስደተኛታት ተዓዲሞም ጥራይ ናብ ኤውሮጳ ክመጽኡ ክፍቀደሎም ኣለዎ። እዚ ማለት እውን ብመንገዲ UNHCR ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ኣለዎም ማለት እዩ። እቲ ሰልፊ ንውዕል ፍልሰት ኤውሮጳ ዝድግፍ ኮይኑ፣ ኣብ መጻኢ ምእታው ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ብመንገዲ UNHCR ወይ ሓደ ኤውሮጳዊ ውድብ ክግምግምን ክወሃህድን ይደልይ።
CU፡ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ሓለዋ ክረኽቡ ኣለዎም። መስርሓት ዑቕባ ብኸፊል ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም፣ እንተኾነ ግን ኩሉ ግዜ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባር ክኸውን ኣለዎ።
PvdD፡ ኔዘርላንድን ኤውሮጳን ዝያዳ ውሑሳት መንገዲታት ከም ዝህልዉ ከረጋግጻ ኣለወን። እቲ ሰልፊ ንውዕል ፍልሰት ኤውሮጳ ይቃወሞ እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ዶብ ምእሳር ዝኣመሰሉ ብዙሓት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከስዕብ ስለ ዝኽእል እዩ። እቲ ውዕል ምስተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጣ ሃገራት ስምምዕ ምግባር ማለት እውን እዩ።
SGP፡ መመልከቲታት ዑቕባ ኣብቲ ስደተኛታት ባዕሎም ዝመጹሉ ከባቢ ማለት ዞባ ጥራይ እዩ ክቐርብ ዘለዎ። እዚ ድማ ብሓላፍነት መንግስቲ ኔዘርላንድን፣ ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባርን ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሰልፊ ዋሕዚ ስደተኛታት ምእንቲ ክድረት፣ ውዕል ስደተኛታት ክስተኻኸል ይደልይ።
Volt፡ እቲ ሰልፊ ከምቲ ኣብ ውዕል ስደተኛታት ስምምዕ ተገይሩሉ ዝርከብ፣ ኣብ ኤውሮጳን ኔዘርላንድን ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰል ኣፍልጦ ይህብ። እንተኾነ ግን ኔዘርላንድ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ርትዓዊ ምምቕራሕ ስደተኛታት ከም ዝህሉው ዘረጋግጽ ውዕል ፍልሰት ኤውሮጳ ንምትግባር/ንምምዕባል እውን ክትሰርሕ ኣለዋ።
DENK፡ ብመሰረት እቲ ሰልፊ፣ ኔዘርላንድ ንስደተኛታት ክትቅበልን ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ክተኽብርን ይግባእ። እቲ ሰልፊ ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ ምስ ዝርከባ ሃገራት ንዝግበሩ ስምምዓት ፍልሰት ዝድግፍ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዝረጋገጽ ጥራይ እዩ።
JA21፡ ኣህጉራዊ ውዕላት ክኽለሱን፣ መስርሓት ዑቕባ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ናብ ዝርከባ ሃገራት ከሰጋግርን ይደልይ። ዝተመርጹ
ጥራይ እዮም ክኣትዉ ዝፍቀደሎም።ናይ UNHCR ስደተኛታትPVV: PVV ንሕጊ ዑቕባ ምሉእ ብምሉእ ክስርዞ እዩ ዝደልይ። ድሕሪ ደጊም ኔዘርላንድ ሓተትቲ ዑቕባ ክትቅበል የብላን። ብመሰረት PVV፣ ኔዘርላንድ ካብ ኣህጉራዊ ውዕላት ዑቕባን ስደተኛታትን ክትወጽእ ኣለዋ።
FvD: ስደተኛታት መመልከቲ ዑቕባ ከቕርቡ ዝኽእሉ ኣብ ናይ ጎንጺ ዞባታት ጥራይ ብመንገዲ
ኔዘርላንድ ኣቢሎም እዩ። እቲ ሰልፊ ምምጻእ ስደተኛታት ናብ ኔዘርላንድ ይቃወም። ፍልሰት ደው ክብል ኣለዎ፣ ከምኡ እውን ኔዘርላንድ ካብ ኣህጉራዊ ውዕላት ፍልሰትን ዑቕባን ክትወጽእ ኣለዋ።ቆንስላት
መዕቆቢን መንበሪ-ቤትን ኣብ ኔዘርላንድ
VVD፡ ሰልፊ VVD ሒደት መሳለጥያታት ዘለዎም መዕቆቢታት ክህልዉ ይደልይ። እዚ ማለት ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ዝነብሩ ስደተኛታት ከም መግቢ፣ መጽለሊ፣ ክዳውንትን ሕክምናን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥራይ ይረኽቡ ማለት እዩ። መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ማሕበራዊ ኣባይቲ ንምርካብ ቀዳምነት ኣይወሃቦምን። VVD፣ ንህዝቢ ረብሻን ዘስዕቡ ወይ ገበን ዝፍጽሙ ሓተትቲ ዑቕባ ዝያዳ ጽኑዕ መዕቆቢ ክግበረሎም እውን ይደልይ።
NSC፡ ብመሰረት እዚ ሰልፊ መዕቆቢ መሰረታዊ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ህጹጽ መዕቆቢታት ደው ከም ዝብልን፣ ከምኡ እውን ብሰንኪ መጠነ ሰፊሕ ጎነጽ ግዝያዊ ሓለዋ ንዘድልዮም ስደተኛታት ዝግበር ምምቕራሕ ከም ዝመሓየሽ ክገብርን ይደልይ።
GL-PvdA፡ ምምሕዳራት ከተማ ንስደተኛታት መጠነ-ንኡስ መዕቆቢታት ክህባ ኣለወን። ካብዚ ሓሊፉ
ብቕልጡፍን ብግቡእን ክትግበር ኣለዎ፣ ከምኡ እውን እተን መዕቆቢታት ዝርከበለን ከባቢታት እኹል ደገፍ ክረኽባ ኣገዳሲ እዩ።ሕጊ ምምቕራሕBBB፡ ሰልፊ BBB ንሕጊ ምምቕራሕ ይቃወሞ እዩ። ምምሕዳራት ከተማ ስደተኛታት ክቕበላ ምዃነንን ዘይምዃነንን ባዕላተን ክውስና ኣለወን።
SP፡ ሰልፊ SP ንስደተኛታት መጠነ-ንኡስ መዕቆቢታት ክቐርብ እዩ ዝደልይ (እንተበዝሐ 100 ነበርቲ)። ኣብ ሆቴላት ንግዳዊ መዕቆቢ ኣይህሉን። እተን ዝሃብተማ ምምሕዳራት ከተማ እውን ንመዕቆቢ ቦታታት ኣበርክቶ ክገብራ ኣለወን።
D66፡ ብመሰረት መደብ ምርጫ ናይ D66 ሕጊ ምምቕራሕ ክትግበር ኣለዎ። ብተወሳኺ ህዝባዊ ደገፍ ኣብ ምህናጽን፣ ምስ ነበርቲ ርክብ ኣብ ምምሕያሽን ኣተኲሮ ክግበር ኣለዎ።
CDA፡ ሰልፊ CDA ንሕጊ ምምቕራሕ ይድግፎ እዩ። ስደተኛታት ኣብ መጠነ-ንኡስ መዕቆቢ ቦታታት ክቕመጡን፣ ብቕልጡፍ ናብ ምምሕዳራት ከተማ ክሰጋገሩን ኣለዎም።
CU፡ ሰልፊ CU ንስድራ-ቤታት ዝኸውን ሓዊሱ፣ መጠነ-ንኡስ መዕቆቢ ንኽህሉው ይድግፍ። ብመሰረት እዚ ሰልፊ፣ ምምሕዳራት ከተማ ኣብ ሕጊ ምምቕራሕ ዝገብርኦ ኣበርክቶ ክቕጽላ ይግባእ።
PvdD፡ ኔዘርላንድ፣ ንሕጻናት፣ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ኣተኲሮ ዝግበረሉ፣ ንስደተኛታት ዝኸውን ጽቡቕ መዕቆቢ ከተቕርብ ኣለዋ። ልዑል ዓቕሚ ዘለወን ምምሕዳራት ከተማ እውን ክሳተፋ ኣለውን።
SGP፡ ሰልፊ SGP መዕቆቢ ስደተኛታት መሰረታዊ ጥራይ ንክኸውን ክገብር እዩ ዝደልይ። ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ውሑድ መሰረታዊ መሳለጥያታት ይህሉው። ምምሕዳራት ከተማ ድማ ደገፍ ህዝቢ ምስ ዝህሉው ጥራሕ ከዕቚባ ኣለወን።
Volt፡ ንሕጊ ምምቕራሕ ይድግፍ እዩ። እቲ ሰልፊ ነዚ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ከተኣሳስሮ ይደልይ። ብኻልእ ኣዘራርባ ስደተኛታት ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብርትዓዊ ኣገባብ ክመቓርሑ ኣለዎም።
DENK፡ ሰልፊ DENK ጽቡቕ መሳለጥያታት ዘለዎ መጠነ-ንኡስ መዕቆቢ ክህሉው ይድግፍ። እቲ ሰልፊ ናይ መንነት ሰነድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ምሕጋዝ ብሕጊ ዘቕጽዕ ክኸውን ንዝብል ሓሳብ እውን ይቃወሞ። እቲ ሰልፊ ንሕጊ ምምቕራሕ ይድግፍ።
JA21፡ ሰልፊ JA21 ንሕጊ ምምቕራሕ ይቃወም። ምምሕዳራት ከተማ ስደተኛታት ከአንግዳ ክግደዳ የብለንን። ብተወሳኺ ሒደት መሳለጥያታት ዘለዎ መሰረታዊ መዕቆቢ ጥራይ ክግበር ይድግፉ።
PVV፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ መዕቆቢ ኣይህሉን። ሓተትቲ ዑቕባ ድማ ካብ ዶባት ከም ዝምለሱ ይግበር።
FvD፡ ሰልፊ FvD ኩሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ መዕቆቢ ቦታታት ክዕጸዉ ይደልይ። ስደተኛታት ኣብ ከባቢ መበቆል ሃገሮም ክዕቆቡ ኣለዎም። ብተወሳኺ እቲ ሰልፊ፣
ክስረዝ እውን ይደልይ።ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት
VVD፡ ኣብ ልዕሊ ኣመልከትቲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝያዳ ጽኑዕ መርመራ ክግበር ይደልይ። እቲ ሰልፊ፣ ሕመረት ስድራ-ቤት (ወለድን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑትን) ጥራይ ናብ ኔዘርላንድ ክመጹ ዝኽእሉሉ ዝሓሸ ስምምዓት ክህሉው ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።
NSC፡: እቲ ሰልፊ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝያዳ ቁጽጽር ክግበረሉ ይደልይ። ወለድን ትሕቲ ዕድመ ደቆምን ጥራይ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ክፍቀደሎም ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ። ንኻልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት ብዝምልከት ድማ ናይ ገዛእ-ርእሶም ኣታዊን መንበሪ-ገዛን ዝኣመሰሉ ተወሰኽቲ ቅድመ-ኩነታት ክግበር ይደልዩ።
GL-PvdA፡ ኣብ ማኒፌስቶ ምርጫ ናይ GL-PvdA ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብግልጺ ኣይተጠቐሰን። ይኹን እምበር እቲ ሕግታት ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፉ ክትዓት ግን እቲ ሰልፊ ንመሰል ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝድግፍ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።
BBB፡ BBB ንጥርናፈ ስድራቤት ዝያዳ ጽኑዕ ሕግታት ክህሉ ይደሊ። መደቦም
ክህሉ ከምዘለዎ ይገልጽ።ድርብ ኩነታት ስርዓትኣብ መንጎ ኣፍልጦ ዘለዎም ስደተኛታትን ግዝያዊ ሓለዋ ጥራይ ዝረኽቡ ሰባትን ፍልልይ ይግበር ። ንኽልቲኦም ጉጅለታት: ኒዩክለራዊ ስድራቤት (ወለድን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን) ጥራይ እዮም ምስኦም ክጓዓዙ ዝኽእሉ። ነቶም ንኡስ ሓለዋ ዘለዎም፡ ተወሳኺ ቅድመ ኩነታት ኣለዉ፡ ኣባላት ስድራቤት ድሕሪ ክልተ ዓመት ጥራይ ናብ ሆላንድ ክመጹ ይኽእሉ፡ ከምኡ’ውን እኹል ኣታዊን ምቹእ መንበሪ ገዛን ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ።SP፡ ኣብ ማኒፌስቶ ምርጫ ናይ SP ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝተጠቕሰ የለን። ኣብ
፣ SP ነቲ ምጥርናፍ ስድራቤት ንምግባር ዘሎ ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ነቒፉ እዩ። ብመሰረት እቲ ሰልፊ፣ ስድራ-ቤታት ኣድላዪ ብዘይኮነ ንነዊሕ እዋን ምእንቲ ከይፈላለዩ ብቕልጡፍ ንጹርነት ክረኽቡ ይግባእ።ባይቶኣዊ ክትዓትD66፡ ኣብ ማኒፌስቶ ምርጫ ናይ D66 ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝኾነ ዝተጠቕሰ ዝተወሰነ ሓበሬታ የለን።
CDA፡ እቲ ሰልፊ ድርብ ደረጃ ዘለዎ ስርዓት ከተኣታቱ ይደልይ። ማኒፌስቶ ምርጫ ናይ CDA ከም ዝሕብሮ፣ እቲ ሰልፊ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንሕመረት ስድራ-ቤት ናይ ቐወምቲ ስደተኛታት ዝፍቀድ ጥራይ ብምግባር ክድርቶ ይደልይ፣ ስለዚ መጻምድትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑትን ጥራይ ክመጹ ይፍቀደሎም። ቀዋሚ ስደተኛ ንምዃን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምሕታት ብቑዕ ምእንቲ ክትከውን ናይ 5 ዓመት መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ዝጸናሕካ ክትከውን ኣለካ። ግዝያዊ ሓለዋ ንዝተዋህቦም ሰባት ተወሳኺ ቅድመ-ኩነታት ተፈጻምነት ኣለዎም። እዚኦም ኣባላት ስድራ-ቤቶም ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ዝፍቀደሎም፣ ድሕሪ ናይ ምጽባይ ግዜን ኣታዊን መንበሪ-ቤትን እንተሃልይዎም እዩ።
CU፡ ማኒፌስቶ ምርጫ ናይ ሕብረት ክርስትያን (CU) ስድራ-ቤታት ብሓባር ክጥርነፉ ከም ዝግባእ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ድማ ሓደ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸበ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ምስ ሰፈረ ክግበር ዝከኣል ክኸውን ከም ዘለዎ ይገልጽ። እቲ መበገሲ ሕመረት ስድራ-ቤት (መጻምድትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑትን) እዩ። ኣብ ገሊኦም ኩነታት ድማ ንኣብነት ክንክን ንዘድልዮም ተናበይቲ ቆልዑት ወይ ልዕሊ ዕድመ ቆልዑት ብፍሉይ ክረኣይ ይኽእል።
PvdD፡ ሰልፊ PvdD ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከም ዝሰፍሕ ክገብር ይደልይ። ኣብ መደቦም ድማ፣ ከም 'queer' ስድራ-ቤታትን ሰፊሕ ስድራ-ቤታዊ ምትእስሳርን ዝኣመሰሉ ካብ ሕመረት ስድራ-ቤት ወጻኢ ዝርከብ ዘይባህላዊ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ብቑዓት ክኾኑ ከም ዘለዎም ተገሊጹ ይርከብ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ክትዓት ባይቶ፣ PvdD ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከት ናይ ውሳኔ ገደብ-ግዜ ንምንዋሕ ኣንጻር ዝቐረበ እማመ ኣድሚጹ።
SGP፡ ሰልፊ SGP SGP ንሕግታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከጽንዕ ይደልይ። ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንሕመረት ስድራ-ቤት (መጻምድትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑትን) ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ኣብ መደቡ ተገሊጹ ይርከብ። ስድራ ንምጥርናፍ ዝድልዩ ቅድመ-ኩነታት ኣብ ከባቢ ኔዘርላንድ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተፈልየ ክኸውን የብሉን። ካብዚ ሓሊፉ SGP
መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት (AMV'ers) ድሒሮም ስድራ-ቤቶም ናብ ኔዘርላንድ ከየምጽኡ ክኽልክል ይደልይ። ነዚ ንምትግባር ድማ ዝያዳ ጽኑዓት ሕግታትን ቚጽጽርን ከተኣታትዉ ይደልዩ።Volt፡ ሰልፊ Volt ቮልት፣ ኩሉ መሰል ዑቕባ ዘለዎ ሰብ ስድራ-ቤቱ ናብ ኔዘርላንድ ናይ ምምጻእ መሰል እውን ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ኣገዳስነት የብሉን። እቲ ሰልፊ፣ ስድራ-ቤታት ንነዊሕ እዋን ኣድላይነት ዘይብሉ ከይፈላለዩ ምእንቲ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ዝቐርቡ ሕቶታት ብዝቐልጠፈን ብቐሊሉን ክምስርሑ ይደልይ።
DENK፡ DENK ንመሰል ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ይድግፍ፣ ከምኡ እውን ስድራ-ቤታት ንነዊሕ እዋን ተፈላልዮም ከም ዝጸንሑ ንዝገብሩ ገደባት ይቓወም።
JA21፡ ሰልፊ JA21 ንሕግታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክድርት ይደልይ። ብመሰረት እቲ ሰልፊ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብውልቃዊ ምኽንያት መንበሪ ፍቓድ ንዝረኽቡ ስደተኛታት ጥራሕ ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ። መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ንወለዶም ጥራይ እዮም ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከመልክቱ ዝኽእሉ። ግዝያዊ ሓለዋ ንዘለዎም ሰባት መሰል ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ይስረዝ። እቲ ሰልፊ፣ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ድሒሮም ስድራኦም ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣቢሎም ናብ ኔዘርላንድ ከየምጽኡ እውን ክኽልክል ይደልይ።
PVV፡ ሰልፊ PVV ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምሉእ ብምሉእ ደው ክብል ይደልይ። ኔዘርላንድ ኣብ ዶብ ንሓተትቲ ዑቕባ ክትነጽግ ከም ዘለዋን፣ ኣባላት ስድራ-ቤት ድሒሮም ናይ ምጉዓዝ መሰል ከም ዘይብሎምን ኣብ መደቦም ተገሊጹ ይርከብ። እቲ ሰልፊ፣ ነዚ መሰል ንዝሕሉ ኣህጉራዊ ውዕላት ክስርዝ እዩ ዝደልይ። ብተወሳኺ PVV ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ወይ ወላዲ ሕማቕ ባህሪ እንተድኣ ሃልይዎም ስድራ-ቤታት ክጥረዙ ከም ዘለዎም ይምጉት።
FvD፡ እቲ ሰልፊ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣይድግፍን እዩ፣ የግዳስ ብኣንጻሩ ብዛዕባ እዚ ንዘለዉ ተኽእሎታት ክድርት ወይ ኣብ ገሊኡ ኩነታት ደው ከብሎ እዩ ዝደልይ። FvD መመልከቲ ዑቕባ ምቕራብ ምሉእ ብምሉእ ክድስክል ይደልይ፣ ብኸምዚ ድማ ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጹሉ መንገዲ ኣይህልውን፣ ዋላ ብመንገዲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት እውን እንተኾነ። እቲ ሰልፊ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝሕልዉ ኣህጉራዊ ውዕላት እውን ክቋረጹ ይደልይ።
ምውህሃድን ተሳትፎን
VVD፡ ስደተኛታት ንናይ ኔዘርላንድ ስርዓታትን ክብርታትን ከኽብሩ ኣለዎም። VVD ሓደስቲ መጻእቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ቀልጢፎም ክመሃሩን ስራሕ ክረኽቡን ይደልይ። ምምሕዳራት ከተማ ነዚ ግዴታ ከምዝኸውን ክገብራ እውን ይኽእላ እየን፣ ንኣብነት ብትምህርቲ ቋንቋ፣ ስልጠና ወይ ወለንታዊ ስራሕ ኣቢለን። እቶም ዘይሳተፉ ድማ ሒደት መሳለጥያታት ይረኽቡ፣ ንኣብነት ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ኣይወሃቦምን።
NSC፡ ሰልፊ NSC ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ቋንቋ ኔዘርላንድ ቀልጢፎም ክመሃሩ፣ ክሰርሑን ዲፕሎማኦም ብቕልጡፍ ኣፍልጦ ክረክብን ይደልይ።
ምብጻሕ ግዴታ እዩ።ደረጃ ቋንቋ B1GL-PvdA፡ ምውህሃድ ኣብቲ ናይ መጀመርታ መስርሕ ይጅምር። ሰልፊ GL-PvdA ኣብ ነጻ ትምህርቲ ቋንቋ፣ ኣፍልጦ ዲፕሎማ፣ ከምኡ እውን ቅልጡፍ ተበጻሕነት ስራሕ ወፍሪ ክገብር ይደልይ። ብተወሳኺ ኣድልዎ ንምምካትን ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ሓደ ዓይነት መሰል ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ክህልዎም ይደልዩ።
BBB፡ ምውህሃድ ግዴታ እዩ። ሓደስቲ ዘመጽኡ ሰባት ምስ ክብርታት ኔዘርላንድ ክመዓራረዩ ኣለዎም። BBB ሓደስቲ ዘመጽኡ ሰባት ትምህርቲ ቋንቋ ክረኽቡን ክሰርሑን ኣለዎም ዝብል እምነት ኣለዎ፣ ዋላ ኣብ ንኣሽቱ ምምሕዳራት ከተማ እውን። እቶም ዘይሳተፉ ድማ ብዛዕብኡ ክሕተቱ ይግባእ።
SP፡ ሰልፊ SP ምውህሃድ ምስ ርጒጽነት ከም ዝጅምር ይኣምን፣ ብዛዕባ ገዛ፣ ክንክንን ትምህርቲ ቋንቋን ዝኣመሰሉ። ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ብርትዓዊ ኣገባብ ስራሕ ክወሃቦምን፣ ካብ ምዝመዛ ሓለዋ ክረኽቡን ኣለዎም። SP ምውህሃድ ብንግዳዊ ትካላት ዘይኮነስ ዳግማይ ብመንግስቲ ክመሓደር እዩ ዝደልይ። ቋንቋን ስራሕን ካብ 1 ይቲ መዓልቲ ክኸውን ይግባእ። መንግስቲ ድማ ዝያዳ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ።
D66፡ ሰልፊ D66 ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ካብታ 1ይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ትምህርቲ ቋንቋ፣ ከምኡ እውን ስራሕ ወይ ልምምድ ክረኽቡ ይደልይ። ኣብ ኣድልዎ እውን ዝያዳ ተሪር መርገጺ ክሕዙ ይደልዩ። ንD66 ምውህሃድ ክልተኣዊ ጎደና እዩ፣ ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ይሳተፉ፣ ኔዘርላንድ ድማ ካብ 1ይቲ መዓልቲ ጀሚሮም ነቲ ቋንቋ ክመሃሩ፣ ትምህርቲ ክከታተሉን ስራሕ ክረኽቡን ዕድላት ከም ዝህልዎም ከተረጋግጽ ኣለዋ።.
CDA፡: ሓባራዊ ምንባር እዩ ዝጸቕጠሉ። ቋንቋን ስራሕን ሕመረት እዩ። ስለዚ ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ቋንቋ ኔዘርላንድ ክመሃሩ፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ወይ ስራሕ ክሰርሑ፣ ኣብ ከባቢኦም ወይ ኣብ ሓደ ክለብ ክሳተፉ ኣለዎም። ምምሕዳራት ከተማ ንስደተኛታት ኣብ ክእለቶም ተሞርኲሰን ክድግፋ ዕድል ይወሃበን። ምምሕዳራት ከተማ ስምምዓት ይገብራን፣ ብዛዕባ ምዕባለ ስደተኛታት ጸብጻብ የቕርባን።
CU፡ ምውህሃድ ካብ መንግስትን ሕብረተሰብን ጻዕሪ ይሓትት። ክብርታትን ቋንቋን ሕመረት እዩ። CU ስደተኛታት ትምህርቲ ቋንቋ ምስ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክጽንብርዎ ይደልይ። ነዚ ብቕልጡፍ ንምትግባር ድማ እቲ ሰልፊ ንኣሽቱ መዕቆቢታት ክህሉ ይጣበቕ። እዚ ድማ ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ዝርከቡ ሰባት ካብታ 1ይቲ መዓልቲ ጀሚሮም ኣብ ንጥፈታት ምውህሃድ ክሳተፉን ቋንቋ ኔዘርላንድ ክመሃሩን ዕድል ከም ዝረኽቡ የረጋግጽ። ምምሕዳራት ከተማ ድማ ስደተኛታት ሓላፍነት ክወስዳ ይግባእ። ኣብያተ-ክርስቲያናትን ወለንተኛታትን እውን ኣብዚ መስርሕ ክሕግዙ ይግባእ።
PvdD፡ ሰልፊ PvdD ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ሰብኣዊ ኣቀባብላ ክግበረሎም ይደልይ። ትምህርቲ ቋንቋን ክንክንን ክረኽቡ፣ ኣብ ቤት-ትምህርትን ስራሕን ማዕረ ዕድላት ክረኽቡ ይግባእ። ምውህሃድ ተወሳኺ ዕንቅፋታት ወይ እገዳታት ክፈጥር የብሉን። እቲ ኣተኲሮ ድማ ኣብ ማዕርነትን ምክልኻል ተኣፈፍቲ ጉጅለታትን ክኸውን ይግባእ።
SGP፡ ምውህሃድ ማለት ምስ ስርዓታትን ባህልን ኔዘርላንድ ምምዕርራይ ማለት እዩ። SGP ሓደስቲ መጻእቲ ነቲ ቋንቋ ክመሃሩ እውን ይደልይ። መንበሪ ፍቓድ ምስ ዘለዎም ስደተኛታት ንምውህሃዶም ብዝምልከት ንጹር ስምምዓት ክግበር ኣለዎ። ስለዚ ምውህሃድ ማለት ሰባት እንተድኣ ዘይተሳቲፎም፣ ንጹር ግዴታታትን ዝያዳ ጽኑዓት ጠለባትን ማለት እዩ።
Volt፡ ሰልፊ Volt ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ካብ 1ይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ትምህርቲ ቋንቋን ምርሒትን ክረኽቡ ይደልይ። ቅልጡፍ ስራሕ ንምርካብ ይጣበቑ። ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ንኽውሃሃዱ ንምሕጋዝ ድማ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ስልጠናታትን ናይ መዓልቲ ንጥፈታትን ከቕርቡ ይኽእሉ።
DENK፡ ሰልፊ DENK ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ካብ 1ይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ብመንገዲ ውልቃዊ ምርሒት፣ ቅልጡፍ መስርሓትን ቕልጡፍ ስራሕ ምርካብን ብንጥፈት ደገፍ ክረኽቡ ይደሊ። እቲ ሰልፊ፣ ምምሕዳር ከተማታት ንኣሽቱን ብቋንቋ ዝሃብተሙን መደባት ምውህሃድ ንምቕራብ ዝያዳ ጸጋታት ክረኽባ ይደልይ፣ እዚ ድማ ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ሕብረተሰብ ብዝቐልጠፈን ብኣድማዕነትን ምእንቲ ክውሃሃዱን ክሳተፉን እዩ።
JA21፡ ብመሰረት JA21 ምውህሃድ ብቐንዱ ምስ ስርዓታት ኔዘርላንድ ምምዕርራይ እዩ። JA21 ሓደስቲ ዝመጽኡ ሰባት ትምህርቲ ቋንቋ፣ ስራሕ ወይ ስልጠና ክወስዱ ክግደዱ ይደልይ። እቶም ዝኣብዩ ድማ ሒደት ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ይረኽቡ።
PVV፡ ሰልፊ PVV ኣብ ልዕሊ ዑቕባ ምድስካል ክግበር ይደልይ። ድሮ ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ሰባት ጽኑዕ ሕግታት ተፈጻምነት ይህልዎም፡ መንበሪ ወይ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ቀዳምነት ኣይወሃብን፣ ዝኾነ ሕማቕ ባህሪ ዝገብር ሰብ ድማ ክወጽእ ኣለዎ። ብመሰረት PVV ምውህሃድ ማለት፣ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ባህሊ ኣጽኒዕካ ኣብ ክንዲ ምሓዝ፣ ብቐንዱ ምስ ስርዓታትን ባህልን ኔዘርላንድ ምሉእ ብምሉእ ምምዕርራይ ማለት እዩ። እቶም ቋንቋ ዘይዛረቡ ድማ ማሕበራዊ ደገፍ ኣይረኽቡን።
FvD: FvD ኣብ ሕቶ ዑቕባ ጠጠው ክብልን ብዙሓት ሰባት ክምለሱን ይደሊ። ንመደባት ውህደት ዝኸውን ቦታ ውሑድ እዩ። ኣተኩሮኦም ኣብ ተሳትፎ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ምምላስ (ስደት) እዩ።
ብዛዕባ ምስ ኔዘርላንድ ምውህሃድ ዝያዳ ክትፈልጡ ትደልዩ? ተወሳኺ ኣብ RefugeeHelp ኣንብብ።
ምምላስን ብዘይ ሰነዳት ምንባርን
ምምላስን ብዘይ ወረቐት ምንባርን
VVD: ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ ግቡእ ሰነድ ምጽናሕ ናይ ገበን ተግባር እዩ። VVD መንበሪ መሰል ዘይብሎም ሰባት ብቕልጡፍ ክምለሱ ይደሊ። ቤት ማዘጋጃትት ንመንበሪ ሕቶኦም ንዝተነጽገ ስደተኛታት መጽለሊ ክህባ ኣይፍቀደለንን።
NSC: መንበሪ ዘይብሎም ሰባት ክምለሱ ኣለዎም። NSC ነዚ ንምድላው ምስ መበቆል ሃገራት ዝሓሸ ምትሕብባር ክህሉ ይደሊ። እቲ ውጥን ምርጫ ንኣቀባብላ ስነዳ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝምልከት ኣይኮነን።
GL-PvdA: GL-PvdA ክጸንሑ ዘይፍቀደሎም ሰባት ግቡእ ናይ ምምላስ ፖሊሲ ክህልዎም ይደሊ። ቤት ማዘጋጃታት ንሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት መጽለሊ ክህባ ክኽእላ ኣለወን፣ ምእንቲ ኣብ መወዳእታ ዝኾነ ሰብ ኣብ ጎደናታት ክነብር።
BBB፡ ፕሮግራም BBB፡ ዝተነጽጉ ኣመልከትቲ ቅድሚ ሓድሽ መመልከቲ ምቕራቦም ካብ ኔዘርላንድን መላእ ከባቢ ሸንገንን ክወጹ ከምዘለዎም ይገልጽ። ካብዚ ሓሊፉ BBB ብዘይ ወረቐት ምጽናሕ ከም ናይ ገበን ተግባር ክቑጸር ይደሊ። እናፈለጠንሰነድ ዘይብሎም ሰባት መንበሪ ገዛ ምክራይ ወይ ስራሕ ምቕራብ እውን ዘቕጽዕ ክኸውን ኣለዎ። ህጹጽ ሓገዝ ከም መግቢ ወይ ሕክምናዊ ክንክን ምሃብ ክቕጽል እዩ።
SP: SP ምምላስ ፍትሓውን ጥንቁቕን ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። ሰነድ ዘይብሎም ሰባት መወዳእተኦም ናብ ጎደናታት ምውጻእ ክኸውን የብሉን። ናብ ሃገሮም ምምላስ ክሳብ ዘይከኣል ድማ መጽለሊ ክረኽቡ ይግባእ። SP ብተወሳኺ ሰነድ ዘይብሎም ሰባትን ሓገዝቶምን ፈጺሞም ክቕጽዑ ከምዘይብሎም ይኣምን። እቲ ውድብ ካብ ውሑሳት ተባሂለን ዝሕሰባ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ብቕልጡፍ ክምለሱ ይደሊ።
D66: D66 መንበሪ ፈቓድ ዘይብሎም ሰባት ብቕልጡፍ ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ይደሊ። እቲ ውድብ ኣብዚ ጉዳይ ምስ መበቆል ሃገራት ስምምዓት ክገብር ይደሊ፣ እንተተኻኢሉ ምስ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብሓባር። D66 ስነዳ ዘይብሉ መንበሪ ገዛ ከም ገበን ምቑጻር ይቃወም። ሰባት ክውንነታዊ መጻኢ ኣረኣእያ ክወሃቦም ይግባእ፡ እዚ ድማ ንኽምለሱ ሓገዝ ወይ እንተተኻኢሉ ኣብ ሆላንድ ህይወት ምህናጽ እዩ።
CDA: CDA ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ዘለዋ ሃገራት ስምምዓት ክገብር ይደሊ፣ ንመምለሲ ስነዳ ዘይብሎም ስደተኛታት ብዝበለጸ ንምቁጽጻር። ሰባት ክተሓባበሩ ኣለዎም። ከምኡ ምግባር ዝኣበየ ሰብ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ። ስነዳ ንዘይብሎም ስደተኛታት ሓገዝ ዝገብሩ ሰባት ወይ ትካላት ክቕጽዑ የብሎምን።
CU፡ ምምላስ ምስ መበቆል ሃገራት ብዝግበር ስምምዕ ክመሓየሽ ኣለዎ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ስደተኛታት፡ እንተላይ ንሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት፡ ሕክምናዊ ሓገዝን መግብን ኩሉ ግዜ ክቐርብ ከምዘለዎ ይኣምን።
PvdD: PvdD ሰነድ ዘይብሎም ሰባት መጽለልን ክንክንን ደገፍን ክረኽቡ እምበር ክቕጽዑ ኣይደልን። ንዓኣቶም ዝግበር ሓገዝ ተፈቒዱ ክቕጽል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ዝነብሩ ህጻናት ክጥረዙ የብሎምን፡ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ድማ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ይግባእ።
SGP: SGP መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ብቕልጡፍ ክምለሱ ይደሊ። እዚ ድማ ኣብ ፍሉያት ማእከላት ምምላስን
ን የጠቓልል። ሰነድ ዘይብሉ መንበሪ ምቕጻዕ ክኸውን ይግባእ። ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ውድብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኩሉ ግዜ ክፍቀድ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ እቶም ብፍላጥ ስነዳ ዘይብሉ መንበሪ ዘመቻችኡ ሰባት ጽኑዕ ስጉምቲ ክወስድ ይደሊ። ካብ ውሑስ ተባሂለን ዝሕሰባ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ብዝቐልጠፈ ክምለሱ ኣለዎም፣ ተደጋጋሚ ሕቶ ዑቕባ ድማ ውሱን ክኸውን ኣለዎ።ምእሳር ወጻእተኛታትVolt፡ Volt ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ከም ገበን ከይቑጸሩን መጽለሊ፡ ክንክንን ደገፍን ክህልዎምን ይደሊ። ቤት መዘጋታት ነዚ ደገፍ ክረኽባ እየን፡ እቲ ስንቂ፥ ዓራት፥ መሕጸቢ እንጀራ ድማ ክምለስ ኣለዎ። እቲ ውድብ ምምላስ ናብ ሃገሩ ክውንነታዊ ክኸውን ይደሊ፣ ግቡእ መምርሕን ውሑድ ናይ ማእሰርቲ ፍርድን ክህልዎ እዩ። ቮልት፡ ህጻናት ምስ ተመልሱ ምእሳር ጠቕሊሉ ክእገድ ይደሊ።
DENK፡ DENK ኣብ ናይ 2025 ምርጫ ማኒፌስቶ ብዛዕባ ምምላስ ወይ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ብግልጺ ኣይጠቐሰን። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን፡ DENK ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታትን ሓገዝቶምን ከም ገበን ምቑጻር ብንጹር ተቓዊሙ ነይሩ። DENK ሰባት ኣብ ተቓላዕቲ ኩነታት ከይወድቁ መጽለልን መሰረታዊ መሰላትን ክቐርብ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።
JA21: JA21 ናይ ዑቕባ ሕቶ ምንጻግ ኩሉ ግዜ ምምላስ ማለት ክኸውን ይደሊ። ሰነዳት ዘይብሎም ሰባት ከም ገበን ክቑጸሩን መቐበሊ ኣጋይሽ ክዕጸዉን ይግባእ። ሶርያውያንን ካልኦት ጉጅለታትን ገለ ክፋል ሃገሮም ውሑስ ኮይኑ ምስተረጋገጸ ብቕልጡፍ ክምለሱ ኣለዎም።
PVV: PVV ኣብ ሕቶ ዑቕባ ምሉእ ብምሉእ ክዕጾ ይደሊን ስነዳ ዘይብሎም ስደተኛታትን ሓገዝቶምን ከም ገበን ይቖጽሮም። እቲ ውድብ ኩለን መቐበሊ ማእከላት ዓጽዩ ኩሉ ብዘይ መንበሪ ኣባይቲ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክጥረዝ ይደሊ። ብፍላይ PVV ኩሎም ሶርያውያን ክምለሱ ከምዘለዎምን ደቂ ተባዕትዮ ዩክሬን እውን ኣብ ሃገሮም ክሕግዙ ክምለሱ ከምዘለዎምን ይገልጽ።
FvD: FvD ኣብ ልዕሊ ዑቕባ ምዕጻውን ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ክምለሱን ይደሊ። ብመሰረት መረፃ መድረኹ ብዘይ ወረቐት ምፅናሕ ገበን ክግበር ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ድሕሪ ደጊም ኮሙናት ነዞም ሰባት መጽለሊ ክህባ የብለንን። እቲ ሰልፊ ምስ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ዘለዋ ሃገራት ስምምዓት ብምግባር ኣብኡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምትእንጋድ ይደሊ። ብተወሳኺ፡ ስደተኛታትን ስድራቤቶምን ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ፡ ንመገሻታት ምምላስ ክድግፍ ሓሳብ የቕርቡ።
ምዕቋብ ስደተኛታት ኣብ ናይ ባዕሎም ዞባ ወይ ኣብ ኤውሮጳ
VVD፡ ብመሰረት VVD፣ ኣብኡ ዘሎ ኩነታት ምስ ተመሓየሸ ምምላስ ዝቐለለ ምእንቲ ክኸውን፣ ስደተኛታት ኣብ ጥቓ መበቆል ሃገሮም ሓለዋ ክረኽቡ ኣለዎም። ኔዘርላንድ ድማ ነቶም ኣብቲ ዞባ ብውሕስነት ክጸንሑ ዘይክእሉ ጥራይ ትሕግዝ።
NSC: ሰልፊ NSC እቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓተ-ዑቕባ ልዕሊ ዓቐን ተጨናኒቚ ኣሎ ኢሉ ይኣምን። ስለዚ እቲ ሰልፊ መስርሓት ክቀላጠፍ፣ ምትሕብባር ኤውሮጳ ክሕይል፣ ከምኡ እውን ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ መዕቆቢ ክውደብ ይደልይ።
GL-PvdA: ሰልፊ PvdA-GroenLinks ኣብ ዞባ ንዝግበር መዕቆቢ ከም ሕመረት ኣይርእዮን እዩ። መደቦም ብቐንዱ ውሑስን ሕጋውን መንገዲታት ናብ ኤውሮጳን ከም ዝህሉው ኣብ ምግባርን፣ ምኽባር ኣህጉራዊ ውዕላትን ዘተኮረ እዩ። ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝግበር መዕቆቢ ከም መፍትሒ ኣይተጠቕሰን።
BBB፡ ሰልፊ BBB ስደተኛታት ኣብ ዞባኦም ከም ዝዕቆቡ ምግባር ብንጹር ይመርጽ። እቲ ሰልፊ ስደተኛታት ኣብ ከባቢ መበቆል ሃገሮም ክዕቆቡ ይደልይ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝከኣለሉ እዋን ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ምእንቲ ክምለሱ እዩ። ብመሰረት BBB፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ኔዘርላንድን ሕብረት ኤውሮጳን ጸቕጢ ከም ዝጎድል ክገብር ይግባእ።
SP፡ ሰልፊ SP ኣብ ዞባ ዝግበር ምዕቋብ ስደተኛታት ከም ወሳኒ ባእታ ይቖጽሮ። ብመሰረት እቲ ሰልፊ፣ እዚ ንባዕሎም እቶም ስደተኛታት ዝሓሸ እዩ፡ ኣብ ጥቓ ስድርኦምን ሃገሮምን ክጸንሑ ይኽእሉ፣ ከምኡ እውን እቲ ኩነታት ውሑስ ምስ ኮነ ዝሓሸ ናይ ምምላስ ዕድል ክህልዎም ይኽእል። ይኹን እምበር SP፣ ኣብ ዞባ ዝግበር ምዕቋብ ስደተኛታት ከም ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዝኣመሰሉ እኹል መሳለጥያታት ዘለዎ ሰብኣዊ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ይምጉት። እቲ ሰልፊ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኔዘርላንድን ነዚ ንምክያድ ኣብ ከባቢታት ግጭት ንዝርከባ ሃገራት ፋይናንሳዊ ደገፍ ክገብራ እውን ይደልይ።
D66፡ እቲ ሰልፊ፣ ስደተኛታት መጀመርያ ዝመጹለን ሃገራት (ከም ስጳኛ፣ ኢጣልያን ግሪኽን) ዝያዳ ደገፍ ክረኽባን፣ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ብመንገዲ ሓድሽ
ርትዓዊ ምክፍፋል መዕቆቢ ክህሉውን ይደልይ። ኣብ መወዳእታ፣ D66 ሰባት ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ዑቕባ ክሓቱ ምእንቲ ክኽእሉ፣ ውዕል ስደተኛታት ክመሓየሽ ይደልይ። እቲ ሰልፊ ብተወሳኺ ብትካል ስደተኛታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ዝያዳውዕል ፍልሰት ኤውሮጳ ክግበር ዝደልይ ኮይኑ፣ እዚ ድማ እንተበዝሐ ክሳብ 5,000 ኣብ ዓመት ዝበጽሕ እዩ።ዳግመ-ምጥያስCDA፡ ሰልፊ CDA ሕቶታት ዑቕባ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ክምስርሑ ይደልይ፣ እዚ ድማ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ደው ንኽብልን፣ ተቓላዕቲ ሰባት ዝሓሸ ናይ ሓለዋ ዕድል ንክህልዎምን እዩ። እቲ ሰልፊ ንውዕል ፍልሰት ኤውሮጳ ዝድግፍ ኮይኑ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ምስተን ኣብ ግዳማዊ ዶባቱ ዝርከባ ሃገራት ስምምዕ ክገብር ይደልይ። እዞም ስምምዓት ንመሰረታዊ ጠንቅታት ስደት እውን ክምልከቱ ይግባእ፣ ዋላ እኳ CDA ነዞም ጠንቅታት ብጭቡጥ እንተዘጠቐሶም። ብተወሳኺ ቁጽጽር ዶባት ክመሓየሽን፣ ብዛዕባ ምምላስ ስምምዓት ክግበርን ይደልዩ።
CU፡ እቲ ሰልፊ፡ ሰባት ሓደገኛ ጉዕዞ ከይገብሩን ኣብ ዘይሕጋዊ ኣስጋገርቲ ጽግዕተኛታት ከይኮኑን ንምክልኻል፣ ናይ ዑቕባ መመልከቲታት ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ክቐርቡ ይደልይ። እዚ ድማ ሰባት ኣብ ክንዲ ሓደገኛ ጒዕዞ ዝገብሩ፣ ውሑስ መንገዲ ንክረኽቡ እዩ። ምስተን ምስ ኤውሮጳ ዝዳወባ ብዙሓት ሃገራት፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምምካትን ዝተነጽጉ ስደተኛታት ኣብ ምምላስ ንምትሕብባርን ስምምዓት ክግበር ኣለዎ።
PvdD፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ስለ ዝመጽኡ፣ ሃብታማት ሃገራት ንምእንጋዶም ብርትዓዊ ኣገባብ ክካፈላ ከምዘለወን እቲ ሰልፊ ይኣምን። ኔዘርላንድ ኣብቲ ዞባ ሰብኣዊ ዝኾነ መዕቆቢን፣ ናብ ኤውሮጳ ዝመርሑ ውሑሳት መንገድታትን ንኽህልዉ ወፍሪ ክትገብር ኣለዋ። እቲ ሰልፊ፣ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝግህሳ ሃገራት ዝግበር ንፍልሰት ዝምልከት ስምምዓት ድማ ይነጽግ።
SGP፡ እቲ ሰልፊ መዕቆቢ ብቐንዱ ኣብ ዞባ ክኸውን ይደልይ፣ እዚ ድማ ነቶም ዘድልዮም ሰባት ውሑስ ናይ ዳግመ-ምጥያስ ዕድል ብዝረኽብሉ ይኸውን። ኔዘርላንድ ብፍላይ ንዝስደዱ ኣመንቲ ክርስትና ሓለዋ ትህብ፣ እንተኾነ ግን ሰባት ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ምእንቲ ክምለሱ፣ ዑቕባ ብመትከል ግዝያዊ ክኸውን ኣለዎ።
Volt፡ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ብርትዓዊ ኣገባብ ክመቓርሑ ኣለዎም፣ ሰብኣዊ ኣቀባብላን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ክህልዎም ድማ ኣለዎ። Volt ምስ ውልቀ-መለኽቲ ወይ ውሑሳት ዘይኮና ሃገራት ዝግበር ስምምዓት ይነጽግ፣ ከምኡ እውን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝመስል ማእከላት ንዝግበር ብምዕቋብ ይቃወም። Volt ኣብ ክንድኡ ሕጋውን ውሑስን መንገዲታት ክህሉው፣ ዳግመ-ምጥያስን ክግበርን፣ ንዝተቓልዑ ጉጅለታት ዝያዳ ደገፍ ንምሃብን ይመርጽ።
DENK፡ ሰልፊ DENK ድርብ ኣተሓሕዛ ንኽህሉው ይመርጽ፡ ኔዘርላንድ ባዕላ ስደተኛታት ምእንጋድ ክትቅጽልን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራትን ኣብ ኤውሮጳን ዝግበር ኣቀባብላ ሰብኣዊ ከም ዝኸውን ንምርግጋጽ ክትጽዕትን ኣለዋ። እዚ ማለት ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳን ወጻእን ንዘለዋ ውድባት ምድጋፍ፣ ምስ ሃገራት ስምምዓት ብምግባር ፍልሰት ብፍትሓውን ውሑስን መንገዲ ምቁጽጻር፣ ከምኡ እውን ኩሉ ግዜ ሰብኣዊ መሰላት ከም መሪሕ መትከል ምሓዝ ማለት እዩ።
JA21፡ ስደተኛታት ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ግጭት ከባቢታት ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ዞባኦም ክዕቆቡ ኣለዎም። ኔዘርላንድ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ መዕቆቢ ቦታታትን መስርሓት ዑቕባን ከተዳሉው ይግባእ። JA21፣ ኣብኡ ንዝግበር ምዕቋብ ስደተኛታት ከም ዝሰልጥ ንምግባር ድማ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ስምምዓት ክግበር ይደልይ።
PVV፡ ሰልፊ PVV ኣብ ምዕጻው ዶባትን ኣብ ኔዘርላንድ ዝግበር ምዕቋብ ደው ከም ዝብል ኣብ ምግባርን ዘተኮረ እዩ። እቲ ሰልፊ ኩሎም ሶርያውያን ናብ ሶርያ ወይ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ክምለሱን፣ በጽሒታት ዩክሬናውያን ደቂ-ተባዕትዮ ናብ ዩክሬን ክምለሱን ይደልይ። ካብዚ ሓሊፉ መዕቆቢ ኣብ ዞባኦም ክውደብ ይግባእ። እቲ ሰልፊ ካብ እስላማውያን ሃገራት ዝመጽእ ፍልሰት ክኽልከል ይድግፍ።
FvD፡ ሰልፊ FvD ብቐንዱ ኣብ ኔዘርላንድ ንክንክን ጥዕናን ኣባይትን ዝግበር ልዑል ወጻኢታትን ኣብ ልዕሊኡ ንዘሎ ጸቕጥን የስምረሉ። እቲ ሰልፊ ዑቕባ ምሃብ ደው ክብል ይጣበቕን፣ ከምኡ እውን መዕቆቢ ኣብ ዞባኦም ጥራይ ክግበር ይደልይን። ናይ ዑቕባ መመልከቲታት ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ክቐርቡ ኣለዎም።