
ንምስራሕ ወይ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ተገዲድካ/ኪ? ብኸምዚ ሓገዝ ምርካብ ይከኣል
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ክትሰርሕ፣ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም፣ ወይ ገንዘብ ከተረክብ ጸቕጢ ይስምዓካ/ኪ ድዩ? ሓደ ሰብ ዝቆጻጸረካ ምዃኑ ትፈርሕ ዲኻ? ስለዚ ምዝመዛ ዘጋጥመካ ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዋላ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣበይ ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእል ንምፍላጥ ነዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ምዝመዛ ብኸመይ ተለልዮ?
ኣብ
ሓደ ሓደ ግዜ፣ ኣብ መጀመርታ ሓደ ሰብ ዝሕግዘካ ዘሎ ይመስል። ሓደ ሰብ ስራሕ፣ መጓዓዝያ፣ እትድቅሰሉ ቦታ ወይ ሓለዋ ይህብ። ጸኒሕካ ግን ከም ኣምሳያ ናይዚ ገለ ክትገብር ኣለካ። ንኣብነት ብዘይ ደሞዝ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ምስራሕ፣ ብዘይ ድሌትካ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፣ ገንዘብ ምምንዛዕ፣ ወይ ብስራሕ ወይ ብጾታዊ ርክብ ዕዳ ምኽፋል።
ሓደ ሰብ ክትገብሮ ዘይትደሊ ነገራት ክትገብር ጸቕጢ እንተድኣ ፈጢሩልካ ተጠንቀቕ። ንኣብነት ንምስራሕ፣ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም፣ ገንዘብ ንምሃብ ወይ ገበናዊ ተግባራት ንምፍጻም ጸቕጢ ምስ ዝገብረልካ/ኪ። ሓደ ሰብ ቴለፎንካ፣ ገንዘብካ፣ ወይ ሰነዳትካ እንተድኣ ወሲዱ እውን ሕማቕ ምልክት እዩ። ወይ ድማ ኣበይ ከም እትድቅስ፣ ምስ መን ከም እትዛረብ፣ ወይ መዓስ ካብ ገዛ ክትወጽእ ከም ዝፍቀደካ ሓደ ሰብ እንተድኣ ዝእዝዘካ ኮይኑ እውን።
ኣብ ኔዘርላንድ ንሓደ ሰብ ብግዴታ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ምግባር ብሕጊ ዘቕጽዕ ገበን እዩ
ጾታዊ ምዝመዛ ዝፍጠር ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ወይ ኣብ ካልእ ጾታዊ ንጥፈታት ክትዋፈር ምስ ዘገድደካ እዩ። እዚ ኣብ
ስለዚ ሽዕኡ ኣይፋል ክትብል፣ ደው ከተብል፣ ወይ ባዕልኻ ክትመርጽ ናጻ ኣይኮንካን። ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ዓመጽ ወይ ምፍርራሕ ይጥቀም። ግን ድማ ሓደ ሰብ ንኸቃልዓካ ብምፍርራሕ፣ ብራዕዲ፣ ብጽግዕተኛነት፣ ብምትላል ወይ ብናይ ሓሶት ናይ ሓገዝ ወይ ናይ ፍቕሪ መብጽዓ እውን ክቆጻጸረካ ይኽእል እዩ። ጾታዊ ርክብ ክትገብር/ሪ፣ ወይ ጾታዊ ምስሊ ክትሰርሕ/ሒ ወይ ከተካፍል/ሊ ተስገዲድካ/ኪ ዲኻ/ኺ? ኣበይ ሓገዝ ከም እትረክብ ወይ እትረኽቢ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ብዝያዳ ከተንብብ/ቢ ትኽእል/ሊ ኢኺ/ኻ።
ኣብ ስራሕ ምዝመዝ የጋጥመካ ድዩ?
ምዝመዛ ኣብ ስራሕ እውን ክኽሰት ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣዝዩ ነዊሕ መዓልታት ክትሰርሕ እትግደድ፣ ደሞዝ ዘይትረክብ፣ ካብቲ ዝተሰማማዕካሉ ኣዝዩ ዝወሓደ ገንዘብ እትረክብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ወይ ኣብ ዘይውሑስ ቦታታት ክትሰርሕ ዘለካ ምስ እትኸውን። ክትወጽእ ነጻ እንተድኣ ዘይኮንካ ወይ ክትጠርዕ እንተድኣ ፈሪሕካ እውን ምዝመዛ ዝካየድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዋላ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ንስራሕካ ብዝምልከት መሰል ኣለካ። ደሞዝን ውሑስ ናይ ስራሕ ቦታን ክትረክብ መሰል ኣለካ።
ምስ ኣስራሒኻ ከም ምዝመዛ ወይ ደሞዝ ዘይምኽፋል ዝኣመሰለ ጸገማት ኣለካ ድዩ? ስለዚ ካብ
መንበሪ ፍቓድ የብልካን ዲኻ፣ ምዝመዛ ድማ የጋጥመካ ኣሎ ድዩ?
ከምኡ እውን ምስ ዝኸውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብቕጽበት
ውሕስነት እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ናብ 112 ደውል። ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ ኣይኮንካን ዲኻ እትርከብ? ስለዚ መጀመርታ ብዛዕባ ድሕነትካ ሕሰብ። ምስ እትኣምኖ ሰብ ወይ ኣብ ምዝመዛ ወይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ተመኩሮ ምስ ዘለዎ ውድብ ርክብ ግበር። ንሳቶም ክሰምዑኻን፣ እንታይ ሓገዝ ከምዘሎ ብዝምልከት ምሳኻ ክመያየጡን ይኽእሉ እዮም። ካብቲ ጸቕጢ ዝገብረልካ ሰብ ርሓቕ፣ እዚ ድማ ከምኡ ምግባር ውሑስ እንተድኣ ኮይኑ ጥራይ እዩ። ምስ እዞም ዝስዕቡ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡
CoMensha ኣብ ጉዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ወይ ምዝመዛ፤
FairWork ኣብ ስራሕ ንዝፍጠሩ ጸገማት፤
ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ፣
Het Centrum Seksueel Geweld [ማእከል ጾታዊ ዓመጽ] ።
ገለ ነገር ናብ ፖሊስ ክትሕብር ትደልይ ዲኻ? ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 0900-8844 ብምድዋል፣ ምስ ጉጅለ ገበን ፍልሰትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባትን ንኽትራኸብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። መንበሪ ፍቓድ የብልካን ድዩ? ስለዚ መጀመርታ ብዛዕባ ኩነታትካን ምሕባር ከምጽኦ ብዛዕባ ዝኽእል ሳዕቤናትን ብዝምልከት ካብ ሓደ ደገፍ ዝህብ ውድብ ምኽሪ ሕተት።
መልእኽቲታት፣ ኣስማት፣ ኣድራሻታት ወይ ስእልታት ውሑስ እንተድኣ ኮይኑ ጥራይ ዓቅቦም። እዚ ሓበሬታ እዚ ድሒሩ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምግላጽ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
ንምፍላጡ ኣገዳሲ፡ በይንኻ ኣይኮንካን
ሓደ ሰብ ንምዝመዛ እንተድኣ ተጠቂሙልካ/ኪ ብሰንኪ ናትካ/ኪ በደል ወይ ጥፍኣት ኣይኮነን። ብዙሓት ግዳያት ፍርሒ፣ ሕፍረት ወይ ኣብቲ ካልእ ሰብ ጽግዕተኛነት ይስምዖም እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓገዝ ምሕታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣጸጋሚ ይኾኖም። ይኹን እምበር፣ ሓደ ሰብ እንተድኣ ኣገዲዱካ፣ እንተድኣ ኣፈራሪሑካ፣ ወይ እንተድኣ መዝሚዙካ፣ ዋላ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ እንተኾንካ እውን ሓገዝ ክትሓትት ከም እትኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።