
ኣየኖት ሃገራት እየን ኣካል ናይ ንግስነት ኔዘርላንድ?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኔዘርላንድ ኣካል ናይ ንግስነት ኔዘርላንድ እያ። እዚ ንግስነት እዚ ኣብ ካሪብያን ንዝርከባ ዝተፈላለያ ደሴታት እውን የጠቓልል እዩ። ገሊአን ካብተን ደሴታት ኣብ ውሽጢ እቲ ንግስነት ርእሰን ዝኸኣላ ሃገራት ክኾና እንከለዋ፣ ገሊአን ድማ ናይ ኔዘርላንድ ኣካል እየን። እዚ ከመይ ምዃኑ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ንግስነት ኔዘርላንድ 4 ሃገራት ዝሓቖፈት እያ
ንግስነት ኔዘርላንድ 4 ሃገራት ዝሓቖፈት ኮይና፣ ንሳተን ድማ ኔዘርላንድ፣ ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን እየን። ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ናይ መላእ እታ ንግስነት መራሒ ሃገር እዩ።
ኔርዘላንድ እታ ኣብ ካርታ ኣብ ጎኒ ጀርመንን ቤልጅዩምን እትርከብ ኤውሮጳዊ ክፋል ጥራይ ኣይኮነትን። ቦነረ፣ ሲንት ኤውስታቲየስን ሳባን እውን ናይ ኔዘርላንድ ኣካል እየን። እዘን 3 ደሴታት ኣብ ካሪብያን ዝርከባ ኮይነን ብሓባር ካሪብያናዊ ኔዘርላንድ ተባሂለን ይፍለጣ።
ሕጂ እተን ደሴታት ዝተፈላለየ ቦታታት ምሓዘን፣ እታ ኔዘርላንዳዊት ኣንቲለስ እትበሃል ሃገር ኣብ ዝፈርሰትሉ እዋን ብዝተገብረ ምርጫ እዩ። እታ ሃገር 6 ደሴታት ዝሓቖፈት እያ ነይራ። ብድሕሪኡ ደሴታት ቦነር፣ ሳባን ሲንት ኤውስታቲዎስን ምስ ኔዘርላንድ ቀጥታዊ ርክብ ክህልወን መሪጸን። ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ድማ ኣብ ውሽጢ ንግስነት ኔዘርላንድ ናይ ገዛእ-ርእሰን ሃገራት ክኾና መሪጸን።
ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ዝተፈላለየ ኣወዳድባ ኣለወን። ናይ ኔዘርላንድን ኣካል እየን፣ በዚ ድማ ናይቲ ንግስነት ኣካል እየን፣ እንተኾነ ግን ኣካል ሃገረ ኔዘርላንድ ኣይኮናን። ናይ ገዛእ -እሰን
ኣብ መንጎ ኔዘርላንድን ደሴታትን ዘሎ ምትእስሳር ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እዩ
እቲ ኣብ መንጎ ኔዘርላንድን ደሴታት ካሪብያንን ዘሎ ርክብ ነዊሕ መግዛእታዊ ታሪኽ ኣለዎ። ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን፣
ኣብ 1954
ብሰንኪ እቲ ሕጊ ኣቃውማ ናይቲ ንግስነት ብዙሕ ግዜ ተቐይሩ። ኣሩባ ኣብ 1986 ካብ
እቲ ዝዓበየ ለውጢ ብዕለት 10 ጥቅምቲ 2010 ተገይሩ። ኔዘርላንዳዊት ኣንቲለስ ፈሪሳ። ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ልክዕ ከም ኣሩባ ኣብ ውሽጢ እቲ ንግስነት ዝተፈልያ ሃገራት ኮይነን። ቦነር፣ ሲንት ኤውስታቲየስን ሳባን ድማ ኣካል ሃገረ ኔዘርላንድ ኮይነን።
እተን ኣብቲ ንግስነት ዝርከባ ሃገራት ንብዙሕ ጉዳያት ባዕላተን የዋድዳ
ኔዘርላንድ፣ ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ነፍስወከፈን ናይ ባዕላተን መንግስቲ ኣለወን።
ስለዚ ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ብዙሕ ሕግታት ባዕላተን ይውስና፣ ንኣብነት ብዛዕባ ትምህርቲ፣ ክንክን ጥዕናን ግብሪን።
ንገሊኦም ጉዳያት ብዝምልከት እተን ሃገራት ኣብ ውሽጢ እቲ ንግስነት ሓቢረን ይውስና። እዚ ንኣብነት ንምክልኻል፣ ጉዳያት ወጻኢን ዜግነት ኔዘርላንድን ዝምልከት እዩ።
ቦነረ፣ ሲንት ኤውስታቲየስን ሳባን ንምምሕዳራት ከተማታት ኔዘርላንድ ይመስላ
ቦነረ፣ ሲንት ኤውስታቲየስን ሳባን ናይ ኔዘርላንድ ኣካል እየን። መብዛሕትኡ ግዜ ‘ፍሉያት ምምሕዳራት ከተማታት’ ተባሂለን ይጽውዓ። ብወግዒ ድማ
ኣብ ቦነረ፣ ሲንት ኤውስታቲየስ ወይ ሳባ ዝነብሩ ዜጋታት ኔዘርላንድ እውን ን
ኣብ ካሪብያን ክፋል ናይቲ ንግስነት ዝካየድ ምርጫ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ነጻ ሃገራት ስለ ዝኾና፣ ናይ ገዛእ-ርእሰን ምርጫ ኣለወን። ኣብኡ ዝነብሩ ነበርቲ ድማ ናይ ገዛእ-ርእሶም ሃገራዊ ባይቶ ይመርጹ።
ኣብ ኣሩባ፣ ኩራሳኦ ወይ ሲንት ማርተን ንዝነብሩ ዜጋታት ኔዘርላንድ ዝተፈልዩ ሕግታት እዩ ዝምልከቶም። ብኣውቶማቲክ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድምጾም ክህቡ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር ንኣብነት ኣብ ኔዘርላንድ እንተወሓደ ን10 ዓመት እንተድኣ ተቐሚጦም ከምኡ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከምኡ ኩነታት ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ከም መራጺ ክምዝገቡ ኣለዎም።