ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ክልተ ሰብኡት ኣብ ተሌፎኖም መርበብ-ሓበሬታ ናይ RefugeeHelp ይርእዩ።
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland

RefugeeHelp: ንዓኻ ዝኸውን ናይ ኢንተርነት መበገሲ ነቚጣ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 16/3/2023 10:55 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናብ RefugeeHelp እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! ኣብዚ ንኹሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝኸውን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። RefugeeHelp ንመርበብ-ሓበሬታ ForRefugees ዝትክእን፣ ብዛዕባ ኩነትካ ሓበሬታ እትረኽበሉን ናይ ኢንተርነት መድረኽ እዩ።

RefugeeHelp ሕጂ ንዓኻ እውን

RefugeeHelp ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታት ዝዓለመ ናይ ኢንተርነት መድረኽ ኮይኑ እዩ ጀሚሩ። 

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታት ብዝተኻእለ መጠን ዝበለጸ ሓበሬታ ንምሃብ ምስ ካልኦት 28 ውድባት ብምትሕብባር ንመርበብ-ሓበሬታ RefugeeHelp ጀሚርዎ።

ሕጂ እቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኹሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ስደተኛታት ቅኑዕ ሓበሬታ ንምሃብ ከም ዝሰፍሕ ተገይሩ ኣሎ።

ናይ ባዕልኻ መበገሲ ገጽ

ንነፍስወከፍ ኩነት፣ ነቲ ፍሉይ ኩነት ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ ናይ ባዕሉ መበገሲ ገጽ ኣለዎ። እዚ ነዚ ዝስዕብ ይምልከት፡

  • ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከቱ ሰባት

  • ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት

  • ኩሉ ሕጋዊ ተኽእሎታት ዝጸንቀቚን፣ ብወግዒ ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ዘለዎምን ሰባት

ቅድሚ ሕጂ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ForRefugees ተወኪስካ ነይርካ ዲኻ? ስለዚ ሕጂ ኣብ RefugeeHelp ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ኩሉ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ForRefugees ክትረኽቦ ትኽእል ዝነበርካ ሓበሬታ፣ ሕጂ ኣብ RefugeeHelp ኣሎ።

ሓበሬታ ብቋንቋኻ

እቲ ከም ዝሰፍሕ ዝተገብረ RefugeeHelp ብድምር ብ11 ቋንቋታት ድሉው ኮይኑ ይርከብ። ቅድሚ ሕጂ RefugeeHelp ብቋንቋታት ዩክሬን፣ ሩስያ፣ እንግሊዝን ኔዘርላንድን እዩ ዝርከብ ነይሩ። ሕጂ RefugeeHelp 7 ቋንቋታት ወሲኹሉ ኣሎ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ብቋንቋኻ ሓበሬታ ከተንብብ ትኽእል።

ሓበሬታን ዜናን

ኣብ RefugeeHelp ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ፣ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት፣ ምውህሃድ፣ ስራሕ ምርካብ፣ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣብ ኔዘርላንድ ዘጠቓልል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ብተወሳኺ ኣብ RefugeeHelp ብዛዕባ እዋናዊ ፍጻመታት ንኽትፈልጦም ንዓኻ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጽሑፋት ክትረክብ ኢኻ።

ርእይቶኻ ን RefugeeHelp ኣገዳሲ እዩ

RefugeeHelp ናብ ስደት ምስ ዝሃደሙ ሰባት ብሓባር ኢና እነማዕብሎ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንልዕሊ 600 ስደተኛታት ኣዘራሪብና ኣለና። ኣብቶም ዝርርባት ምርኲስ ብምግባር ድማ RefugeeHelp ንንድፊን ሓበሬታን ናይቲ መርበብ-ሓበሬታ ኣስተኻኺሉ ኣሎ።

ኣብ RefugeeHelp ዝርከብ ሓበሬታ ብቐጻሊ ከም ዝሰፍሕ ይግበር ኣሎ። ዝሰኣንካዮ ሓበሬታ ኣሎ ድዩ፣ ወይ ካልእ ርእይቶ ኣለካ ድዩ? ሕጂ ነቲ ኣቀዲምና ዝረኸብናዮ ግብረ-መልሲ ገና ነመስርሖ ኢና ዘለና።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ነፍስወከፍ ናይ RefugeeHelp ገጽ፣ ናይ ርእይቶ ሳጹን ክትረክብ ኢኻ። ኣብኡ እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ከም ዝሰኣንካ ክትሕብረና ትኽእል ኢኻ።

ኣብዛ ቪድዮ ባሰል ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ብቋንቋ ዓረብ ይገልጽ።

ንናትና ኩኪስና ኣይተቐበልካዮን ኣለኻ። ስለዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታና ናይ www.youtube.com ቪድዮታት ክትርእይ ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ቪድዮ ኣብ Youtube ረኣዮ፣ ወይ ንናትና ኩኪስና ተቐበሎ። YouTube.com

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?