
መዓልቲ ንጉስ ኣብ ሰኑይ 27 ሚያዝያ፡ ጽንብል ብኣራንሾኒ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ዕለት 27 ሚያዝያ ንዕለተ-ልደት ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ተብዕል እያ። እዚ ሃገራዊ በዓል ድማ መዓልቲ ንጉስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኔዘርላንድ ንመዓልቲ ንጉስ ብኸመይ ከም እተብዕሎ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ተራ ንጉስ ኣብ ኔዘርላንድ
ኔዘርላንድ ኣብ መዓልቲ ንጉስ ንዕለተ-ልደት ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ተብዕል እያ። ስለዚ መዓልቲ ንጉስ ፖለቲካዊ መዓልቲ ዘይኮነስ ጽምብላዊ በዓል እዩ። ንጉስ ድማ ናይ ኔዘርላንድ ርእሰ-ሃገር ኮይኑ፣ ኣካል ናይ መንግስቲ እዩ። ብተግባር ግን ንጉስ ውሑድ ፖለቲካዊ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፣ ከምኡ እውን ብሓፈሻ ዕማም ናይ ንጉስ ብቐንዱ ተምሳላዊን ጽምብላዊን እዩ።
ኔዘርላንድ ሕጂ ንጉስ እዩ ዘለዋ፣ ቅድሚ ሕጂ ግን ንግስታት እውን ነይረንኣ እየን። ኣብ ኔዘርላንድ ንጉስ ወይ ንግስቲ ሓደ ዓይነት ተራን ዕማማትን እዩ ዘለዎም። ኣብ ኔዘርላድ ናይ ንጉስ ወይ ንግስቲ ፖለቲካዊ ዕማማት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
ንጉስ ወይ ንግስቲ ንኹሎም ሕግታትን ዘውዳዊ ኣዋጃትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ይ(ት)ፍርም።
ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ መዓልቲ ባጀት (Prinsjesdag) ንጉስ ወይ ንግስቲ፣ መንግስቲ ንዝቕጽል ዓመት ዘለዎ ውጥናት ብዝምልከት ካብ ዙፋኑ መደረ የቕርብ። መዓልቲ ባጀት፣ ዓመታዊ ኣብ 3ይቲ ሰሉስ ናይ ወርሒ መስከረም እዩ ዝካየድ።
እቲ ንጉስ ወይ ንግስቲ ነፍስወከፍ ሰሙን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ይመያየጥን፣ ምስ ሚኒስተራትን ጸሓፍቲ መንግስትን ብቐጻሊ ይዘራረብን። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ንጉስ ወይ ንግስቲ ብዛዕባ ፖሊሲ መንግስቲ ሓበሬታ ይረክብ።
ንጉስ ወይ ንግስቲ ሚኒስተራትን ጸሓፍቲ መንግስትን ይሮቚሕ።
ንጉስ ወይ ንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንኔዘርላንድ ይውክል/ትውክል።
ካልኦት ዕማማት ንጉስ ወይ ንግስቲ ድማ ሓደስቲ ህንጻታት ምኽፋት፣ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝካየዱ ኣገደስቲ ፍጻመታት መደረታት ምቕራብን፣ መዓልቲ ንጉስ ወይ ንግስቲ ምጽምባልን ይርከብዎም።
ቅድሚ መዓልቲ ንጉስ ኣብ ዘላ ምሸት ድሮ ጽምብል ኣሎ
እታ ቅድሚ መዓልቲ ንጉስ ዘላ ምሸት፣ ናይ ንጉስ ምሸት ተባሂላ ትፍለጥ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ናብ ቤት-መስተ ወይ ካፌ ይኸዱ። ገሊአን ኣብያተ-መስተ ድማ ብዲጄታት ወይ ስነ-ጥበባውያን ዝቐርቡ ምርኢታት ዘለዎ ፍሉይ መደብ የዳልዋ። ኔዘርላንድ ኣብዚ ዓመት እዚ መዓልቲ ንጉስ ቀዳም 26 ሚያዝያ ስለ እተብዕል፣ እቲ ናይ ንጉስ ምሸት 25 ሚያዝያ ክኸውን እዩ።
ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ኣብዚ ዓመት ኣብ መዓልቲ ንጉስ ናብ ከተማ Dokkum ክበጽሑ እዮም
ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ መዓልቲ ንጉስ፣ ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ናብ ሓንቲ ኣብ ኔዘርላንድ እትርከብ ከተማ ወይ ቁሸት ምብጻሕ ይገብር እዩ። ንሱ ነዚ ምስ በዓልቲ-ቤቱ ንግስቲ ማክሲማ፣ ደቁ ኣማልያ፣ ኣሌክስያን ኣርያንን ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤቱን ብሓባር እዩ ዝገብሮ። ኣብዚ ዓመት ድማ ሰኑይ 27 ሚያዝያ ኣብ ፍሪስላንድ ናብ እትርከብ ከተማ ዶኩም (Dokkum) ክበጽሑ እዮም።
ነበርቲ ዶኩም ንጉሳዊ ስድራ ብበዓል ክቕበሉ እዮም። ንከተማ ጽቡቕ ትርኢት ከርእዩ፡ ንንጉስ ክደርፉን ባህላዊ ጸወታታት ሆላንድ ከዳልዉን እዮም። NOS ነዚ ዑደት ብተለቪዥን ኣብ NPO1 ክፍኖ እዩ።
ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ እውን መዓልቲ ንጉስ ትጽምብል
ኣብ ኩሉ ቦታታት ናይ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሰባት መዓልቲ ንጉስ የብዕሉ እዮም። ኣብ መብዛሕትአን ገጠራትን ከተማታትን ድማ ጸወታን ሙዚቃዊ ምርኢታትን ይዳሎው እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣራንሾኒ ዝሕብሩ ክዳን ይኽደኑ። ምኽንያቱ ድማ ኣራንሾኒ ሕብሪ ናይ ኔዘርላንድ ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ስለ ዝኾነ እዩ። ሰባት ኣብ ገጾም ናይ ኔዘርላንድ ባንዴራታት እውን ብቀለም ይቅብኡ እዮም።
ዳርጋ ኣብ ነፍስወከፍ ከተማ ወይ ዓቢይ ገጠር፣ ሰባት ኣብ መዓልቲ ንጉስ ዘይጥቀምሉ ንብረቶም ኣብ ጽርግያ ይሸጡ እዮም። እዚ ባህሊ እዩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ባይታ ምንጻፍ ኣንጺፎም ዘይጥቀምሉ መጻወቲ፣ ኣቚሑት ገዛ ወይ ንኣብነት ሲዲ ወይ መጻሕፍቲ ይሸጡ። እዚ ድማ ናጻ ዕዳጋ ይበሃል። ንስኻ እውን ኣቚሑት ክትሸይጥ ወይ ኣብቲ ነጻ ዕዳጋ ኣቚሑት ከተናድይ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እቲ ናጻ ዕዳጋ ኣበይ ከምዝካየድን፣ ኣቑሑት ንምሻጥ ማዕረ ክንደይ ኣቀዲምካ ኣብ ማርሻፔዲ ቦታ ክትሓዝእ ከም እትኽእልን ናብ ምምሕዳር ከተማኻ ሕተት።
ድኳናትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ካብ ንቡር ዝተፈልየ ግዜታት ኣለዎም
ኣብ መዓልቲ ንጉስ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ሒደት ተወሰኽቲ ነገራት ኣለዉ፡
መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ስራሕ ነጻ እዮም፣ ኩሉ ሰብ ግን ኣይኮነን። ናጻ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንኣስራሒኻ ሕተት።
ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብ ንቡር ዝተፈልየ ናይ ጉዕዞ ግዜታት ክህሉው ይኽእል እዩ።
ድኳናት ካብ ንቡር ዝተፈልየ ሰዓታት ስራሕ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ኣብ ጎደና ኣልኮልን መስተን ምሻጥ ብዝምልከት ሕግታት ኣለዉ።
ኣብ መዓልቲ ንጉስ ብዙሓት ሰባት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ እዮም። እዚ ኣብ ኩሉ ቦታ ብወግዒ ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ዝኾነ ዘይፍቀድ ቦታ እንተድኣ ሰቲኻ ብፖሊስ መቕጻዕቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
ኣብ ገሊአን ምምሕዳር ከተማታት፣ ሱፐርማርኬታት ንኣልኮላዊ መስተ ዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት መሸጣ ክኽተላ ኣለወን። ንኣብነት ንሓደ ሰብ 1 ታኒካ ቢራ ወይ ጥርሙዝ ወይኒ ጥራይ ክሸጣ ይኽእላ።