ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ሰባት ኣብ ሃርለም ኣብ ናይ መዓልቲ ሓርነት ፈስቲቫል።
ምንጪ፡ Marcel van Leeuwen

ጽምብል ሓርነት ኣብ መዓልቲ ሓርነት

ዝተሓትመሉ ኣብ: 28/4/2023 11:18 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

5 ግንቦት መዓልቲ ሓርነት እዩ። ኣብዚ ዕለት እዚ ኔዘርላንድ፣ 2ይ ኲናት ዓለም ኣብ ኔዘርላንድ ዘብቕዓሉ ዕለት ትጽምብል። ሰባት ድማ ሓርነት ከም ተራ ንቡር ነገር ዝረኣይ ዘይምዃኑ ይዝክሩ። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ መዓልቲ ሓርነት ብኸመይ ከም ዝጽምበል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንምንታይ መዓልቲ ሓርነት?

ኔዘርላንድ ኣብ እዋን 2ይ ኲናት ዓለም ን5 ዓመታት ብጀርመን ተጎቢጣ ነይራ። እዚ እዋን እዚ ኣብ ታሪኽ ኔዘርላንድ ኣዝዩ ጽንኩርን ዘሕዝንን እዋን እዩ ነይሩ። ልዕሊ 100,000 ኣይሁድ ተኣሲሮን ተቐቲሎምን። እዚ ንኽልኦት ውሑዳን ጉጅለታት እውን ኣጋጢምዎም እዩ።

ሳላ ሓገዝ መሓዙት ሃገራት ጎበጥቲ ጀርመናውያን ብዕለት 5 ግንቦት 1945 ንኔዘርላንድ ሓራ ዘውጽአ ስምምዕ ከቲሞም። እዚ ድማ ጎበጣ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኔዘርላንድ ከም ዘብቅዕ ገበረ። ካብቲ እዋን ጀሚራ ኸኣ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ዕለት 5 ግንቦት መዓልቲ ሓርነት ተብዕል።

ኣብ ዕለት 5 ግንቦት ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ባንዴራ ኔዘርላንድ ይሰቕሉ። ባንዴራ ኔዘርላንድ ምልክት ሓርነትን ናጽነትን ናይ ኔዘርላንድ እያ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ህሞታት እውን ባንዴራ ዝስቐል።

ፈስቲቫላት ሓርነት

ዓበይቲ ከተማታት ብሙዚቃ፣ ሳዕስዒትን ካልኦት ባህላዊ ንጥፈታትን ፈስቲቫላት ሓርነት የዳልዋ። እቶም ፍሉጣት ፈስቲቫላት ድማ፣ እቶም ኣብ ኣምስተርዳም፣ ሮተርዳም፣ ኡትረኽት፣ ደን ሃኽ፣ ኽሮኒንገን፣ ሃርለም፣ ዝዎለን ዋገኒንገንን ዝካየዱ እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ናብቶም ፈስቲቫላት ምእታው ብነጻ እዩ። ኣብዞም ፈስቲቫላት ንመግብን መስተን መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ባንክ ካርድ ጥራይ ኢኻ ክትከፍል እትኽእል። ናብቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ቦታ ድማ ናይ ገዛእ ርእስኻ መግብን መስተን ሒዝካ ንኽትመጽእ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይፍቀደልካን እዩ።

ኣብ እዋን መግቢ ሓርነት ብሓባር ምብላዕ

ብዛዕባ ናጽነትን ዲሞክራስን ንምስትንታን ዝሕግዙ ኣስተምህሮታት፣ ምርኢታትን ትምህርታዊ ንጥፈታትን እውን ኣለዉ። ኣብ መዓልቲ ሓርነት፣ መግቢ ሓርነት ይኽሸን እዩ። ሰባት ተኣኪቦም ንኽበልዑን ብዛዕባ ሓርነት፣ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ንምዝራብን ድማ ኣብ መኣዲ ይእከቡ።

መግቢ ሓርነት ኣብ ከም በዓል ኮማዊ ማእከላትን ኣብያተ-ትምህርትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ዝኾነ ሰብ ክሳተፍ ይኽእል እዩ። ንስኻ ባዕልኻ እውን መግቢ ሓርነት ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?