ዜናዕዳጋ
2 ሰባት ኣብ እዋን ምርጫ ኣብ ሓደ ናይ ድምጺ ጎጆ የድምጹ።
ምንጪ፡ Patrick Rasenberg
ዜና
ኔዘርላንድ ድምጺ ክትህብ እያ፡ ሃገራዊ ምርጫ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ዝተሓትመሉ ኣብ: 31/10/2023 4:08 ድ.ቀ.

ኔዘርላንድ ዕለት 22 ሕዳር 2023 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድምጺ ክትህብ እያ። እዚ ኣየኖት ሰልፊታት ሃገር ከም ዘመሓድራ ዝውስን ኣገዳሲ ምርጫ እዩ። እቲ ምርጫ ንከም በዓል ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን ዑቕባን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት እውን ይጸልዎ እዩ።

ብዙሓት ዝተፈላለያ ሰልፊታትን ሕጹያትን ይሳተፉ

ኣብዚ ግዜ እዚ 18 ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኣብ ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይሳተፋ ኣለዋ። ኩለን ንኔዘርላንድ ብኸመይ ከመሓድራ ከም ዝደልያ ነናይ ገዛእ-ርእሰን ሓሳብ ኣለወን። ነፍስወከፍ ሰልፊ ድማ ዝርዝር ሕጹያት ኣለዋ።

ኣብ መዓልቲ ምርጫ መረጽቲ ነታ ብኣረኣእያኦም ዝበለጸት ዝብልዋ ሰልፊ ይመርጹ። ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ንዝርከብ ፍሉይ ሕጹይ ይመርጹ።

ኣብ ኔዘርላንድ ንመንግስቲ ኣይኮንካን እተድምጽ

ኣብ እዋን ምርጫ ንወከልቲ ናይተን ብሓባር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘቚማ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኢኻ እትመርጽ። ብድምር 150 ፖለቲከኛታት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ የቚሙ። ሓንቲ ሰልፊ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክንደይ ሕጹያት ክትረክብ ምዃና ድማ ኣብ ብዝሒ ነታ ሰልፊ ዘድምጹ ሰባት እዩ ዝምርኮስ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሓባር ኣብዝሓ ድምጺ ዘለወን ብርክት ዝበላ ሰልፊታት ብሓባር መንግስቲ የቚማ። ብድሕሪኡ ድማ እዘን ውድባት ብሓባር ሚኒስተራትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ይመርጻ። ስለዚ ከም ዜጋ መጠን ብቐጥታ መንግስቲ ኣይትመርጽን ኢኻ።

በጽሒታት ኔዘርላንዳውያን እንተወሓደ ኣብ ነፍስወከፍ 4 ዓመት የድምጹ

ከም ንቡር ኣሰራርሓ ሓደ መንግስቲ ን4 ዓመት ዘማሓድር ኮይኑ፣ ህዝቢ ኔዘርላንድ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ 4 ዓመት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንፖለቲካዊ ወከልቱ ክመርጽ ይኽእል። መንግስቲ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ስለዘፍለጠ፣ ሕጂ ሃገራዊ ምርጫታት ኣቐዲሞም ክካየዱ እዮም።

ኣብ ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክትመርጽ ንኽፍቀደልካ ዕድሜኻ እንተወሓደ 18 ዓመት ክኸውንን፣ ዜግነት ኔዘርላንድ ክህልወካን ኣለዎ። ድምጺ ምሃብ ድማ ብወለንታ እዩ።

ዑቕባን ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን ኣብዚ ምርጫ ኣገደስቲ ዛዕባታት እዮም

እቲ ዝሓለፈ መንግስቲ፣ ኔዘርላንድ ንዑቕባን ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን ብኸመይ ክትሕዞ ከም ዘለዋ ክሰማማዕ ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ እዮም እዞም ዛዕባታት ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ። እተን ሕጂ ዝምረጻ ሰልፊታት ነዚ ብዝምልከት ጽቡቕ ውጥን ንኸዋድዳ ሓቢረን ክሰርሓ ኣለወን። ስለዚ ድማ እየን ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኣብ እዋን ምርጫን ኣብ ተሌቪዥን ኣብ ዝካየዱ ክትዓትን ድሮ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ዝዛረባ ዘለዋ።

ይኹን እምበር ገና ሓደስቲ ውጥናት ክሳብ ዝዋደዱን ዝትግበሩን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። መጀመርታ ሰልፊታት ብሓባር ኮይነን እዞም ጉዳያት ብኸመይ ከም ዝፍትሑ ብሓፈሻ ዝሰማማዕ መንግስቲ ክምስርታ ኣለወን። ብድሕሪኡ ኩሎም ውጥናት ገና ብዝርዝር ክጻፈፉ እውን ኣለዎም። እዚ ክሳብ ዝግበር ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

ንሳዕቤናት ናይቲ ምርጫ ብቕጽበት ኣይስተብህለሎምን ኢኻ

ኣብ ካልኦት ዛዕባታት እውን ብዛዕባ ሓደስቲ ደንቢታትን ሕግታትን ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምስትብሃልካ መብዛሕትኡ ግዜ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ 2021 ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ ሓድሽ መንግስቲ ክሳብ ዝቐውም 299 መዓልታት ወሲዱ።

መንግስቲ ምስተመስረተ፣ እዚ መንግስቲ ሓደስቲ ደንቢታትን ሕግታትን ከውጽእ እዩ። እዞም ደንቢታትን ሕግታትን ድማ ብኣብዝሓ ድምጺ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክጸድቚ ኣለዎም። ከምኡ እውን ብላዕለዋይ ባይቶ ቚጽጽር ይግበረሎም። ስለዚ ድሕሪ ምርጫ ሓደስቲ ደንቢታትን ሕግታትን ኣብ ተግባር ቅድሚ ምውዓሎም ግዜ ይወስድ እዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኔዘርላንድ ብሰንኪ ንፖሊሲ ዑቕባ ዝምልከት ምይይጥ ተመቃቒሉ፣ ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ
ኣብዚ ገጽ እዚ ንምንታይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ኣብ ክረምቲ 2023 ምትሕብባር ከምዘቋረጸ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?