• ጀምር
  • ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ድምጽኻ ኣስምዕ
መጒልሕ ድምጺ ዝሓዘ ሰብ
ምንጪ፡ Thirdman

ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ድምጽኻ ኣስምዕ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 10/11/2023 3:35 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኣማራጺ መድመጺ ነቚጣታት፣ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብሎም ሰባት እውን ከድምጹ ይፍቀደሎም እዩ። ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ብወግዒ ከድምጹ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ድማ ብርክት ዝበሉ ውድባት ኣማራጺ ምርጫ ወዲቦም ይርከቡ። ብኸመይ ከም እትሳተፍ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ኔዘርላንድ ምርጫ ብኸምዚ እዩ ዝካየድ

ኣብ ኔዘርላንድ ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 22 ሕዳር ክካየድ እዩ። ኣብዚ ምርጫ እዚ ኔዘርላንዳውያን፣ ንኔዘርላንድ ብሓባር ዘመሓድሩ ወከልቲ ህዝቢ ክመርጹ እዮም። ኣብዚ ምርጫ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦምን ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ዘለዎምን ሰባት ጥራይ እዮም ድምጾም ክህቡ ዝፍቀደሎም። 

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዲኻ፣ ወይ ዑቕባኻ ተነጺጉ ድዩ? ስለዚ ኣብቲ ምርጫ ክትሳተፍ ኣይፍቀደልካን እዩ። ብተወሳኺ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ እውን ክትመርጽ ኣይፍቀደልካን እዩ። እዚ ማለት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ልዕሊ እቶም ንህይወትካን ንመጻኢኻን ዝጸልዉ ሕግታት ብወግዒ ጽልዋ የብልካን ማለት እዩ።

ኣብ ኣማራጺ መድመጺ ነቚጣ ድምጽኻ ከተስምዕ ትኽእል ኢኻ

ስለዚ ድማ እዮም Here to Support ከምኡ እውን

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
Stichting ROS
፣ "Your vote, my choice" [ድምጽኻ ምርጫይ እዩ] ዝበሃል ፍሉይ ምርጫ ወዲቦም ዝርከቡ። በዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኔዘርላንድ ኣብ ዝርከቡ ኣማራጺ መድመጺ ነቚጣታት፣ ፖለቲካዊ ርእይቶኻ ከተካፍል ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ድማ ንኔዘርላንድ ዘለካ ሓሳባትን መፍትሒታትን ኣብ ፍሉይ መድመጺ ወረቐት ክትጽሕፎም ትኽእል ኢኻ።

እዞም ዝተመልኡ መድመጺ ወረቓቕቲ ኣብ ዕለት 21ን 22ን ሕዳር ናብቶም ብወግዒ ከድምጹ ዝፍቀደሎም ሰባት ክዕደሉ እዮም። በዚ ንሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝህብዎ ድምጺ ኣብ ሓሳባትካ ተሞርኲሶም ክገብርዎ ይኽእሉ። ብኸምዚ ድማ ኣብቲ ምርጫ ዝህብዎ ወግዓዊ ድምጾም ንርእይቶኻ ከጠቓልሉ ይኽእሉ።

ድሕሪ ምርጫ ርእይቶኻ ናብቶም ሓደስቲ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ እዩ

ድሕሪ እቲ ምርጫ ካብ ኣማራጺ ነቚጣ ምርጫ ዝተረኽበ ናይ ድምጺ ወረቓቕቲ ናብቶም ሓደስቲ ወከልቲ ህዝቢ ኔዘርላድ ከም ዝመሓላለፍ እውን ይግበር። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ዋላ ብወግዒ ድምጺ ክትህብ ዘይተፈቕደልካ ኮይኑ እናሃለወ ገና ርእይቶኻ ክሰምዑ ይኽእሉ።

ኣብዚኦም ቦታታት ድምጺ ክትህብ ትኽእል ኢኻ

ኣብዚኦም ቦታታት ኣብቲ ተግባር ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፡

Here to Support ኣብ ኣምስተርዳም

ዕለታት፡ ረቡዕ 15 ሕዳርን ሓሙስ 16 ሕዳርን ግዜታት፡ 15 ሕዳር ካብ ሰዓት 13፡00 ክሳብ ሰዓት 20፡00፣ ከምኡ እውን 16 ሕዳር ካብ ሰዓት 13፡00 ክሳብ ሰዓት 17፡00 ኣድራሻ፡ Afrikanerplein 1, Amsterdam ንመን፡ ንነፍስወከፍ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብር፣ ግን ድማ ኣብቲ ዕለት 22 ሕዳር ዝካየድ ወግዓዊ ምርጫ ክሳተፍ ዘይፍቀደሉ ሰብ።

Wereldhuis ኣብ ደን ሃኽ [Den Haag]

ዕለት፡ 15 ሕዳር ግዜ፡ ሰዓት 17:30 - 20:30

ኣድራሻ፡ Hooftskade 87, Den Haag ንመን፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ፣ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ግን ድማ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ንምርካብ ዘየመልከቱ ሰባት።

Vluchtelingen in de Knel ኣብ ኣይንድሆቨን [Eindhoven]

ዕለት፡ ካብ 10 ሕዳር ክሳብ 16 ሕዳር ኣድራሻ፡ Hoogstraat 301B, Eindhoven

ንመን፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ፣ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ግን ድማ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ንምርካብ ዘየመልከቱ ሰባት።

Stichting GAST ኣብ ናይመኸን [Nijmegen]

ዕለት፡ ካብ 13 ሕዳር ክሳብ 17 ሕዳር ኣድራሻ፡ Tweede Walstraat 19, Nijmegen

ንመን፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ፣ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ግን ድማ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ንምርካብ ዘየመልከቱ ሰባት።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?