• ጀምር
  • ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ኤውሮጳ ክተኣታተዉ እዮም
ስእሊ ናይ ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ፣ ቤልጅዩም።
ምንጪ፡ Wikimedia Commons

ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ኤውሮጳ ክተኣታተዉ እዮም

ዝተሓትመሉ ኣብ: 24/1/2024 2:54 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ብዛዕባ ሓደስቲ ሕግታት ዑቕባን ፍልሰትን ተሰማሚዐን ኣለዋ። እዚ ዓንቀጽ እዚ ኣየኖት ሕግታት ምዃኖምን፣ ንዓኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ዝገልጽ እዩ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ስደተኛታት ንምቕባል ብሓባር ይሰርሓ እየን። እንተኾነ ግን ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ እዚ ምትሕብባር ሕጂ ዝኸደሉ ዘሎ ኣገባብ ዕጒባት ኣይኮናን።

ንኣብነት እተን ሃገራት፣ ስደተኛታት ከም በዓል ግሪኽ ወይ ጣልያን ብዝኣመሰሉ ግዳማዊ ዶባት ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትውሉ መንገዲ ብዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት ይደልያ እየን።

ሓደስቲ ሕግታት ኤውሮጳ እንተወሓደ ክሳብ 2026 ተግባራዊ ኣይክኾኑን እዮም

ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ብኸመይ ምትሕብባር ከማሓይሽ ከም ዝደልይ ብ23 ታሕሳስ 2023 ተሰማሚዑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ግን ብሓቂ ሓደስቲ ሕግታት የለዉን።

ሕጂ ሃገራት ኤውሮጳ ብልክዕ እንታይ ዓይነት ሕግታት ከምዘድልያ ብዝምልከት ምስ ነንሓድሕደን ክመመያየጣ እየን። እዞም ምይይጣት ጽቡቕ እንተድኣ ከይዶም፣ እቶም ሓደስቲ ሕግታት ክሳብ 2026 ኣይክትግበሩን እዮም። ክሳብ ሽዕኡ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣይቅየርን እዩ።

ውጥናት ሕብረት ኤውሮጳ እዚኦም እዮም 

ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ ኣገደስቲ ውጥናት ሕብረት ኤውሮጳ ኣየኖት ምዃኖም ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ፡

ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝሃድሙ ሰባት ቅልጡፍ ገምጋም ምግባር
ካብ ውሑሳት ሃገራት ንዝመጽኡ ሰባት ዝተፈለየ መስርሕ
ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሓተትቲ ዑቕባ ንክቅበላን ንከይቅበላን ክመርጻ ይኽእላ እየን
ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ ስርዓት-ዱብሊን ይደልይ

እዞም ውጥናት ገና ብናይ ኤውሮጳ ስርዓተ-ሕጊ ክጸድቑ ኣለዎም።

እዞም ውጥናት ሕግታት ቅድሚ ምዃኖም፣ ባይቶ ኤውሮጳን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ነቶም ውጥናት ከጽድቕዎም ኣለዎም። ምርጫ ኤውሮጳ ንዕለት 6 ሰነ 2024 ክካየድ እዩ። እዞም ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ቅድሚ እቲ ምርጫ ይግምገሙ ከምዘለዉ ድማ ሕብረት ኣውሮጳ ይገልጽ።

ስለዚ ቅድሚ ምርጫ ኤውሮጳ ኣየኖት ውጥናት ኣብ ሕጊ ኤውሮጳ ከም ዝኣትዉ ክግለጽ እዩ።

እቶም ሓደስቲ ሕግታት እንተድኣ ተኣታትዮም ክህልዉ ዝኽእሉ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም

ብሰንኪ እዞም ሓደስቲ ሕግታት ካብ 2026 ጀሚሩ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ንምሕታት ምናልባት ዝያዳ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ውሕስቲ ሃገር ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ዶባት ንኽቕየዱ ዘሎ ዕድል እውን ዝዓበየ ይኸውን። ኣብ ኤውሮጳ ዝካየዱ መስርሓት ዑቕባ ድማ ዝነውሐ ግዜ ክወስዱ እዮም።

እንተኾነ ግን እዞም ሳዕቤናት ብኸመይን መዓስን እቶም ሓደስቲ ውጥናት ተግባራዊ ይኾኑ፣ ከምኡ እውን እዞም ውጥናት ኣብ ውሽጢ ስርዓተ-ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ክተኣታተዉ ይኽእሉ ድዮም ኣብ ዝብል ዝምርኮሱ እዮም።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?