
ናይ ኤውሮጳ ሓደስቲ ሕግታት ዑቕባ ብወግዒ ጸዲቖም
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ሕብረት ኣውሮጳ (EU)፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኣውሮጳ ዝመጽኡ ሰባት ሒደት ከምዝኾኑ ንምርግጋጽ ውጥን ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ውጥን ሕጂ ብቤት-ምኽሪ ኤውሮጳ ብደምዳሚ ጸዲቚ ኣሎ።
እቲ ሓድሽ ውጥን ነዚ ዘጠቓልል እዩ
ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝሃድሙ ሰባት ቅልጡፍ ገምጋም ምግባር
ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሃድሙ ሰባት ዝቐልጠፈ ውሳኔታት ክወስድ ይደልይ እዩ። እዚ ድማ 1ይ ገምጋም ይበሃል፣ እንተበዝሐ ድማ 7 መዓልታት ይወስድ።
ኣብዚ ገምጋም፣ ኣሰር ኣጻብዕትን ስእልታትን ይውሰዱ፣ ከምኡ እውን ኣብ ናይ ኢንተርነት ማዕከን ሓበሬታ ይኽዘኑ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ መስርሕ ዝቐለለ ክገብሮን፣ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ዑቕባ ንኸይሓቱ ክከላኸልን ይደልይ።
ካብ ውሑሳት ሃገራት ንዝመጽኡ ሰባት ዝተፈለየ መስርሕ
ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ውሑሳት ሃገራት ንዝመጽኡ ሰባት ዝቐልጠፈ መስርሕ ዑቕባ ክግበር ይደልይ እዩ። እዚ መስርሕ እንተበዝሐ 9 ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል። ብኸምዚ መንገዲ እዛ ሃገር ብመሰረት ሕብረት ኤውሮጳ ውሕስቲ እንተድኣ ኮይና፣ ሰባት ብቕልጡፍ ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ። ሕብረት ኤውሮጳ ውሑሳት ናይ ዝብለን ሃገራት ዝርዝር ንምድላው ድማ ብሓባር ይሰርሕ ኣሎ።
ኣብ እዋን እዚ መስርሕ ሰባት ንግዚኡ ኣብ ሓደ ዓይነት ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ግዳማዊ ዶባት ኤውሮጳ ክቕየዱ ይኽእሉ።
እዞም ካብ ውሑሳት ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘይብሎም እንተድኣ ተረጋጊጹ፣ ናብ መበቆል ሃገሮም ከምዝምለሱ ክግበር ይከኣል።
ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሓተትቲ ዑቕባ ንክቅበላን ንከይቅበላን ክመርጻ ይኽእላ እየን
ሕጂ ስደተኛታት ዝመጽእወን ሃገራት ንኹሎም ስደተኛታት ክከናኸና ኣለወን። ንኣብነት ጣልያንን ግሪኽን ብዙሓት ስደተኛታት የአንግዳ እየን። እዚ ስምምዕ እንተድኣ ጸዲቑ ግን ኩለን ሃገራት ስደተኛታት ንኸአንግዳ ክግደዳ እየን። ወይ ድማ ውሑዳት ስደተኛታት ዘአንግዳ ሃገራት፣ ነተን ብዙሓት ስደተኛታት ዘአንግዳ ሃገራት ገንዘብ ይኸፍላ።
እታ ኣብ ኤውሮጳ ስደተኛታት ዝመጽእዋ ሃገር ሕጂ እውን ሓደ ሰብ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ክሓትት ዝፍቀደሉ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትምርምር ኣለዋ።
ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ ስርዓት-ዱብሊን ይደልይ
ሕግታት
እናተረረ ይኸይድ ኣሎ። ስደተኛታት ድሮ ኣብታ ዝኣተውዋ ኤውሮጳዊት ሃገር ተመዝጊቦም እንተድኣ ኮይኖም ድማ ናብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ንክኸዱ ዝያዳ ከቢድ ይኸውን።መስርሕ-ዱብሊንሕብረት ኤውሮጳ ንስደተኛታት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝሓሸ ከመቓርሖም ይደልይ።
ሕብረት ኤውሮጳ ንኽሰማማዕ 8 ዓመት ወሲድሉ።
ኩለን ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ውጥን ክሳብ ዝሰማማዓሉ 8 ዓመት ወሲዱለን። ኣብቲ እዋን ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ብዙሕ ምምይጥ ይካየድ ነይሩ። ኣብ ግዳማዊ ዶባት ዝርከባ ዝኣመሰላ ገሊአን ሃገራት ንበይነን ኣብ መከራ ዝተሓድጋ ኮይኑ ተሰሚዕወን። ካልኦት ሃገራት ስደተኛታት ክቕበላ ዘይደልያ ብምንባረን ድማ ተቖጢዐን። ኔዘርላንድ እትርከቦም ካልኦት ሃገራት ድማ እተን ኣብ ዶብ ዝርከባ ሃገራት ስደተኛታት ጒዕዝኦም ንኽቕጽሉ ብምፍቓደን ቚጥዐ ነይሩወን።
እቶም ሓደስቲ ሕግታት ብውሕዱ ክሳብ 2026 ተግባራዊ ኣይክኾኑን እዮም
እቶም ሓደስቲ ሕግታት ገና ብቕጽበት ተግባራዊ ኣይክኾኑን እዮም። ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ሕግታት ኣብ ሃገረን ንምትግባር ናይ 2 ዓመት ግዜ ኣለወን። ኩለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነዞም ሓደስቲ ሕግታት ክኽተላ ኣለወን። እተን ሃገራት ኣብ ውሽጢ 2 ዓመት ነቶም ሕግታት ብሃገር ደረጃ ክትግብረኦም ምስ ዝሰልጠን ድማ እቶም ሕግታት ካብ መፋርቕ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እዮም።
ሕብረት ኤውሮጳ ገና ምስ ካልኦት ሃገራት እውን ስምምዓት ክገብር ኣለዎ
ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስተን ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ዑቕባ ክሓቱ ዝደልዩ ሰባት ዝብገሱለን ሃገራት ስምምዕ ክገብር እውን ይደልይ እዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ዑቕባ ንዘይተዋህቦም ሰባት ናብ ሃገሮም ክመልሶም ክኽእል እዩ ዝደልይ። እዚ እንተዘይሰሊጡ፣ ማእከላት መዕቆቢ ቀልጢፎም ኣዝዮም ክመልኡ እዮም።
መንግስቲ ኔዘርላንድ ደጋፊ እዞም ሕግታት እዩ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ኣይድግፍዎን
ንእሽተይ ኣብዛሓ ዘለዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኔዘርላንድ ነዞም ሓደስቲ ሕግታት ይድግፍ እዩ። ብዙሓት ውድባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነዚ ኣይድግፍዎን እዮም። ኣብ ኔዘርላንድ፣ Oxfam Novib፣ Artsen zonder Grenzen፣ VluchtelingenWerk Nederland፣ Pax ከምኡ እውን Stichting Vluchteling ዝርከብዎም ውድባት ኣንጻር እዞም ሕግታት ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኔዘርላንድ ኣንጻሩ ንኸተድምጽ ሓቲቶም፣ ንኻልእ ነገራት ሓዊስካ ድማ እዚ ነቲ ናብ ኤውሮጳ ዝወስድ መህደሚ መንገድታት ዝያዳ ሓደገኛ ከምዝኸውን ዝገብር ኮይኑ ረኺቦሞ።