ሓደ ኔዘርላንዳዊ ኣቦ ንጓሉ ኣብ ተፈጥሮኣዊ በረድ ምንሽርታት በረድ ይምህራ፡ እዚ ብሻምብቆታት ዝተኸበ ኣብ Veluwe ዝርከብ ዝቀዝሐ ቀላይ እዩ። ኣብ ከባቢኦም ሰባት ኣብ በረድ ይንሸራተቱ ወይ ደው ኢሎም ይዛረቡ።
ምንጪ፡ Inge Hogenbijl / Shutterstock
ዜና

ኔዘርላንድ ሃገረ ምንሽርታት በረድ፡ ነዚ ሓጋይ ክትፈልጦ ዘለካ ኩሉ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 22/11/2024 12:00 ቅ.ቀ.

ምንሽርታት በረድ 1 ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ዝካየዱ ህቡባት ናይ ሓጋይ ንጥፈታት እዩ። ነፍስወከፍ ዓመት ድማ ቀዝሒ ምስ ኮነ፣ ሰባት ኣብ በረድ ንኽንሸራተቱ ብዕስለ ይኸዱ። ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ብታህዋኽ ናብ ተፈጥሮኣዊ በረድ ይኸዱ፣ ስለ ዝስንጠቕ ድማ ንውሽጢ ይወድቁ። ስለዚ እቲ በረድ እኹል ተሪር ምዃኑ ክሳብ እተረጋገጽ ተጸበይ።

ኣብ ኔዘርላንድ ምንሽርታት በረድ ኣዝዩ ተፈታዊ እዩ። እዚ ንዘመናት ከምኡ ዝጸንሐ እዩ። ቀዝሒ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ብዙሓት ሰባት ምንሽርታት በረድ ደስ ይብሎም። ኣብ 2 ዓይነት በረድ ክትንሸራተት ትኽእል፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ በረድን ሰብ-ሰርሖ በረድን።

  • ተፈጥሮኣዊ በረድ፡ እዚ በረድ ካብ ተፈጥሮ ዝመጽእ እዩ፣ ንኣብነት ኣብ ቀላያት፣ መትረባትን ካናለታትን። ንነዊሕ እዋን ቀዝሒ ምስ ዝኸውን እቲ ማይ በረድ ይኸውን፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ክትንሸራታት ትኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ገጠራት፣ በረድ ምእንቲ ክኸውንን ሰባት ክንሸራተትሉን ንሻኻ ወይ ንመንሸራተቲ ሜዳ ብማይ የዕለቕልቖኦ።

  • ሰብ-ሰርሖ በረድ፡ እዚ በረድ ኣብ ዝተበረዱ ሜዳታት ምንሽርታት ዝዳሎው እዩ። እዞም ሜዳታት ምንሽርታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ መጋቢት ክፉታት እዮም፣ ዋላ ቀዝሒ ኣብ ዘይብሉ እዋን እውን ምንሽርታት በረድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ሽፉናት ወይ ብኸፊል ዝተሸፈኑ 23 ሜዳታት ምንሽርታት በርድ ኣለዉ።

ዝኾነ ሰብ ምንሽርታት በረድ ክመሃር ይኽእል፡ ገለ ግዜ ግን ይወስድ እዩ 

ምንሽርታት በረድ ንኹሉ ሰብ እዩ! ንእሽቶ ኹን ዓቢይ ብዘየገድስ ክትመሃሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ብዙሓት ሜዳታት ምንሽርታት በረድ፣ መንሸራተቲ ጫማ ክትካረይ ትኽእል ኢኻ፣ ስለዚ ናይ ባዕልኻ መንሸራተቲ ጫማ ኣየድልየካን እዩ። ገና ብግቡእ ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንካ ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ትምህርቲ ምንሽርታት በረድ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ምንሽርታት በረድ ባህ ይብለካ ድዩ? ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ክሕግዙኻ ወይ ምኽርታት ክህቡኻ ዝደልዩ ሰባት ኣለዉ። ኣብ እዋን ልምምድ ንኽትድገፈሉ መንበር ናብ ሜዳ በረድ ከተምጽእ እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ሚዛንካ ንምርካብ ይሕግዘካ። ኣብ መብዛሕትኡ ሜዳታት-ውሻጠ፣ ኣብ ክንዲ መንበር ክትጥቀመሎም እትኽእል መደገፊ ኣለዉ።

ብግቡእ ክሳብ እትመልኮ ቁሩብ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ፣ እናተለማመድካ ብዝኸድካ መጠን ግን እናቐለለ እዩ ዝኸይድ። ምውዳቕ ዘይተርፍ ኣካሉ እዩ፣ ክትቖርር እውን ንቡር እዩ። ስለዚ ምዉቕ ክዳውንቲ ተኸደን። ከምኡ እውን ጓንቲ ተማላእ፣ እንተወዲቕካ መጉዳእቲ ከይበጽሓካ ንምክልኻል ድማ ንውሕስነትካ ነዚ ክትለብሶ ግዴታ እዩ።

'koek-en-zopie' ከተስተማቕር ትኽእል

ኣብ ብዙሓት ሜዳታት ምንሽርታት በረድ፣ 'koek-en-zopie' ማለት ዝስተይን ጠዓሞትን ክትገዝኣሉ እትኽእል ባንኮታት ክትረክብ ኢኻ። እዚኦም ጸባ-ቸኮላታ፣ ሻሂ ወይ ቡን ከምኡ እውን ምቁር መግብታትን ዝኣመሰሉ ውዑያት መስተታት እዮም። እዚ ምንሽርታት በረድ ዝያዳ ደስ ዝብል ከም ዝኸውን ይገብር፣ ንኽሞቖካ እውን ባህ ዝብል እዩ።

ኔዘርላንድ ብምንሽርታት በረድ ብዙሕ ኣህጉራዊ ሽልማት ትዕወት

ኔዘርላንድ ኣብ ስፖርት ምንሽርታት በረድ ልዑል ዝና ኣለዋ። ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ተወዳደርቲ ምንሽርታት በረድ፣ ኦሎምፒክን ሻምፕዮና ዓለምን ኣብ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ውድድራት ሽልማት ረኺቦም እዮም። ብፍላይ ኣብቲ ነዊሕ ሜዳ ተባሂሉ ዝፍለጥ 400 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሜዳ በረድ ንፉዓት እዮም። እዚ ዓወታት ድማ ኔዘርላንድ ብምንሽርታት በረድ 1 ካብተን ዝበለጻ ሃገራት ከም እትኸውን ገይርዋ ይርከብ።

Elfstedentocht፡ ጎብለል ኩሎም ዑደታት

ኣብ ኔዘርላንድ እቲ ኣዝዩ ህቡብ ዑደት ምንሽርታት በረድ 'Elfstedentocht' ማለት ዑደት ዓሰርተ ሓደ ከተማታት እዩ። እዚ ብ11 ከተማታት ፍሪስላንድ ዝሓልፍ ዳርጋ 200 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ጉዕዞ እዩ። ነቲ ዑደት ኣብ 1 መዓልቲ ብበረድ ብምንሽርታት ክትዛዝሞ ኣለካ፡ ዓቢይ ዓወት። እቲ ቀዳማይ 'Elfstedentocht' 100 ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ብዝሓቖፈ ጉጅለ ኣብ ሓጋይ 1890-1891 ተኻይዱ። ኣብ 1909 ድማ እቲ ዑደት ንመጀመርታ ግዜ ብወግዒ ከም ውድድር ተወዲቡ።

'Elfstedentocht' ዝካየድ እቲ በረድ እኹል ትርሪ ምስ ዝህልዎ ጥራይ እዩ። እቲ ዑደት ኣብ ዝካየደሉ እዋን፣ ሰባት ንተወዳደርቲ ምንሽርታት በረድ ንምትብባዕ ካብ መላእ ሃገር ናብ ፍሪስላንድ ይመጽኡ። ኣብ 1963 ዝተኻየደ ዑደት ብኽብደቱ ህቡብ እዩ። ኣብቲ እዋን ቊሪ -18 ዲግሪ እዩ ነይሩ፣ ካብቶም ውድድር ዝጀመሩ 10,000 ሰባት ድማ 127 ጥራይ ናብ መዛዘሚ መስመር በጺሖም።

ናይ መወዳእታ 'Elfstedentocht' ኣብ 4 ጥሪ 1997 እዩ ተኻይዱ። ካብ ሽዕኡ ጀሚሩ ደጊም ክሳብ ሕጂ ንብምሉኡ እቲ ዑደት ዝካየደሉ መስመር ዝሽፍን በረድ ቀዚሑ ኣይፈልጥን። ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ነፍስወከፍ ዓመት ቀዝሒ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ግምታት ይስማዕ እዩ፡ ሕጂስ ምናልባት ዳግም 'Elfstedentocht' ይካየድ ይኸውን ግዲ!


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?