
ኔዘርላንድ ንግዚኡ ካብ ሶርያውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ኣይክትውስንን እያ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ድሕሪ ውድቀት ፕረዚደንት ነበር በሽር ኣል ኣሳድ፣ ኔዘርላንድ ካብ ሶርያውያን ብዛዕባ ዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ንግዚኡ ውሳኔ ኣይክትህብን እያ። እዚ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ወይ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
እዚ ውሳኔ እንተበዝሐ ን6 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ድማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ብዛዕባ ኣብ ሶርያ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ይምርምር ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኔዘርላንድ ናይ ከም በዓል ጀርመንን በልጅዩምን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብነት እያ ተኸቲላ ትርከብ።
ኔዘርላንድ ንግዚኡ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ውሳኔ ኣይክትህብን እያ፣ ናብ ሶርያ ድማ ኣይክትምለስን ኢኻ
ካብ ሶርያ ዲኻ መጺእካ፣ ውሳኔ ንምርካብ ድማ ካብ 21 ኣዋርሕ ንታሕቲ ዲኻ ክትጽበይ ጸኒሕካ? ስለዚ IND መመልከቲኻ ንግዚኡ ደው ከብሎ እዩ። ዘመልከትካዮ ዑቕባ ድሒሩ (ዳግማይ) ክምርመር እዩ። መስርሕካ ንግዚኡ ደው ክሳብ ዝበለ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።
ብዝኾነ ኔዘርላንድ ብሰንኪ እቲ ዘይንጹር ኩነታት ጸጥታ፣ ንግዚኡ ካብ ሶርያ ንዝመጽኡ ሰባት ኣይክትመልስን እያ። ብተወሳኺ ኔዘርላንድ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ሶርያ ዝኾነ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና የብላን፣ እዚ ድማ ሰባት ንምምላስ ኣድላዪ እዩ።
ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣቐዲሙ እንተድኣ ተነጺጉ፣ እንደገና መዕቆቢ ክትረክብን ዑቕባ ከተመልክትን ትኽእል
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣቐዲሙ ነጺግዎ እንተድኣ ነይሩን፣ ደጊም ናይ መዕቆቢ መሰል ዘይብልካ እንተድኣ ነይርካን፣ ሕጂ መዕቆቢ ንምርካብ ዳግማይ ናብ ተር ኣፐል ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ዋላ ኣብዚ እዋን ኣብ መስርሕ ዝርከብ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን ዳግማይ መዕቆቢ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ኔዘርላንድ ንዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ ካብ ሶርያ ንዝመጽኡ ሰባት ክትመልስ ስለዘይፍቀደላ እዩ።
ብተወሳኺ ብሰንኪ ኣብ ሶርያ ዝተቐየረ ኩነታት ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ከተቕርብ እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምግባሩ ድማ ንመስርሕካ ጽቡቕ እዩ። ሽዕኡ ቀልጢፍካ ከም ምስራሕ ዝኣመሰሉ መሰላት እውን ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ትኽእል።
IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ውሳኔ ክወስድ ዝኽእለሉ ፍሉያት ኩነታት ግን ኣለዉ
ንኻልኦት ሓዊስካ ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት፣
ድሮ ንነዊሕ እዋን ውሳኔ ክትጽበይ እንተድኣ ጸኒሕካ፡ ቅድሚ ልዕሊ 21 ኣዋርሕ ናይ ዑቕባ መመልከቲ እንተድኣ ኣቕሪብካ፣ IND ገና ውሳኔ ክህብ እዩ። ኣብ ዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ ናይ ምጽባይ ግዜኻ 21 ኣዋርሕ እንተኾይኑ እውን እዚ ተፈጻምነት ኣለዎ።
ብውልቃዊ ምኽንያት ዑቕባ እንተድኣ ሓቲትካ፡ ብመሰረት IND እዞም ውልቃዊ ምኽንያታት ካብቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ዝተፈልዩን፣ ኣወንታዊ ውሳኔ ንምርካብ ዘኽእል እኹል ዕቱብነት ዘለዎምን ክኾኑ ኣለዎም። ብሰንኪ ኩነታት ሶርያ፣ IND ኣብ ዝቕጽሉ 6 ኣዋርሕ ነዚ ፍሉይ ኩነት መሰረት ብምግባር ሒደት ውሳኔታት ጥራይ ክውሰድ ትጽቢት ኣለዎ።
ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ንሕቶ ዑቕባኻ ተሓታቲት እንተድኣ ኮይና፡ ኔዘርላንድ ብመሰረት
ናብ ካልእ ናይ መመልከቲኻ ሓላፍነት እትስከም ኤውሮጳዊት ሃገር ክትሰደካ ትኽእል እያ። ዋላ ድሮ ናይ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ሃልዩካን፣ ናብኡ ክትምለስ ትኽእል ትኽእል እንተድኣ ኮይንካን እውን፣ ኔዘርላንድ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ክትወስድ ትኽእል እያ።ደንቢ ዱብሊን
ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል
እዚ ውሳኔ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ብዝምልከት ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣብ
ሕቶን መልሲን ብዛዕባ እቲ ካብ ሶርያውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ንግዚኡ ንዘይምውሳን ዝተወስደ ውሳኔ
ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ክህልዉኻ ናይ ዝኽእሉ ሕቶታት መልሲታት ኣቕሪብና ኣለና፡
ሕጂ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክሓትት እንተድኣ ደልየ እንታይ ይኸውን?
ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ እንተድኣ ኣቕሪብካ፣ IND ምሳኻ 1ይ ቃለ-መሕትት ክገብር እዩ። እዚ "ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት" ይበሃል። ኣብዚ እዋን እዚ ዝርርብ፣ IND መመልከቲኻ ኣብ ትሕቲ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ፍሉያት ኩነታት ዝምደብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። ከምኡ ምስ ዘይከውን ድማ መመልከቲኻ ንግዚኡ ደው ይብል።
ዘመልከትክዎ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት እንታይ ይኸውን?
ካብ ሶርያ ብዝመጽኡ ሰባት ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ንግዚኡ ንኸይምስራሕ ዝተወስደ ውሳኔ፣ ኣብ ልዕሊ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ጽልዋ የብሉን። ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልኪትካ እንተድኣ ኮይንካ፣ IND ነቲ መመልከቲ ከም ንቡር ከመስርሖ እዩ።
ገና ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣየመልከትካን ዲኻ፣ ድሮ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድማ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣባላት ስድራ-ቤት ናብ ኔዘርላንድ ንምምጻእ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡
መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ኣመልክት።
ብሰንኪ ኩነታት ሶርያ ሰነዳት ንምርካብ፣ ወይ ብውሑስ ንምጒዓዝ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ
ምስ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ተዘራረብ።VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ሕጂ እውን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወይ ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ክረክብ ይኽእል ድየ?
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወይ ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ንምርካብ ብቑዕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ብዛዕባ እዚ ከምቲ ልሙድ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ናይ ዑቕባ ሕቶታት ንግዚኡ ንኸይምስርሑ ዝተወስደ ውሳኔ፣ መንበሪ ፍቓድ ወይ ፓስፖርት ንምርካብ ኣብ ልዕሊ እተቕርቦ መመልከቲ ጽልዋ የብሉን። ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወይ ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ብሰንኪ ኣብ ሶርያ ዘሎ ዘይርጉጽ ኩነታት ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ መመልከቲኻ ከተቕርብ ጽቡቕ እዩ።
IND ድሕሪ ዝገበሮ ምንጻግ ይግባይ ኣቕሪበ እንተድኣ ኮይነ እንታይ ይኸውን?
ውሳኔ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንኩነትካ እንታይ ማለት ምዃኑ ገና ንጹር ኣይኮነን። ነዚ ንምርምሮ ኣለና፣ ብዛዕባ እዚ መልሲ ኣብ ዝተረኽበሉ ድማ ነዚ ዓንቀጽ እዋናዊ ክንገብሮ ኢና።
ንግዚኡ ወይ ንነዊሕ እዋን ናብ ሶርያ ክምለስ ይኽእል ድየ?
ሶርያ ክሳብ ሕጂ ብመንግስቲ ኔዘርላንድ ውሕስቲ ከም ዘይኮነት እያ እትቚጸር። ድሕሪ ውድቀት ኣልኣሳድ እውን እንተኾነ እቲ ኩነታት ዘይርጉእ እዩ። ኮይኑ ግን ንግዚኡ ወይ ንነዊሕ እዋን ክትምለስ እንተድኣ ደሊኻ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ፍቓድካ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ኣብ ዑቕባ ዝተመስረተ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ? ስለዚ
ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓገዝ ኣብ እዋን ምምላስ
1 ወይ ልዕሊኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፣ መሓዙት ወይ ኣዕሩኽ ኣብ ሶርያ ጠፊኦም ኣለዉ፣ እንታይ ክገብር ይኽእል?
እተፍቕሮ ሰብ ኣብ ሶርያ ጠፊኡ ድዩ? ቀይሕ መስቀል እትፈትዎም ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንሳቶም ኣስማት ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ይምዝግቡን፣ እንተተኻኢሉ ድማ ብዛዕባ ዝበጽሖም ዕጫ ንጹርነት ይህቡን እዮም።
ኣብ ኔዘርላንድ ዝጠፍአ ሰብ ክትደልይ እንተድኣ ኮይንካ፣ ብመንገዲ ጨንፈር 'Restoring Family Links' ናብ ቀይሕ መስቀል ኔዘርላንድ ናይ ድልያ ሕቶ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። መመልከቲኻ ምስ ተገምገመ ድማ ዘድልይ ሓበሬታ ንምእካብ ዝርርብ ንኽትገብር ክትዕደም ኢኻ።
ሕቶኻ ኣብ ሶርያ ናብ ዝርከብ ቀይሕ መስቀል ክመሓላለፍ እዩ። ንሳቶም ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክደልዩ እዮም፣ ንኣብነት ናይ መወዳእታ ዝፍለጥ ኣድራሻ ብምፍታሽ፣ ምስ ሰብ-መዚ ናይቲ ከባቢ ብምርኻብ፣ ወይ ድማ ዝተፈትሑ እሱራት ብምምዝጋብ።
ቀይሕ መስቀል ንፈታዊኻ እንተድኣ ረኺብዎ፣ ርክብ ንምሕዳስ ክሕግዝ እዩ። ንፈታዊኻ እንተድኣ ዘይረኺቦሞ ድማ ብዛዕባ እዚ እውን ክትሕበር ኢኻ። ንፈታዊኻ ምድላይ ብዙሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።
'Restoring Family Links'