ካርታ የመን
ምንጪ፡ Canva
ዜና

ሚኒስተር ንኩነታት ጸጥታ የመን ከም ብሓድሽ ክግምግም ኣለዎ 

ዝተሓትመሉ ኣብ: 8/6/2025 12:00 ቅ.ቀ.

ቅድሚ ክልተ ሳምንታት፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ፣ ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰትን ንየመን ዝምልከት ፖሊሲ ዑቕባ ከም ብሓድሽ ክምግሞ ኣለዎ ክብል ወሲኑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ሚኒስተር፣ የመን ድሕሪ ደጊም ኣብ ኩሉ ቦታ ንፍስወከፍ ሰብ ዘይውሕስቲ ከም ዘይኮነትን፣ ስለዚ ድማ ካብ የመን ዝመጽኡ ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ሽዕኡ ጀሚሮም ንምንታይ ንዓኣቶም ውሕስቲ ከም ዘይኮነት ብመርትዖ ከረጋግጹ ከምዘለዎን ወሲኑ ነይሩ።

ንግዚኡ ብየመናውያን ብዛዕባ ዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ዝወሃብ ውሳኔ የለን

ቤት-ፍርዲ፣ ሚኒስተር ንምንታይ ኣብ ኩሉ ቦታታት የመን ድሕሪ ገዲም ንነፍስወከፍ ሰብ ዘይውሑስ ከምዘይኮነ እኹል መብርሂ ዘይሃበ ኮይኑ ረኺብዎ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ሓድሽ ብዛዕባ የመን ዝምልከት ወግዓዊ ጸብጻብ ተሓቲሙ ነይሩ እዩ። ስለዚ ቤት-ፍርዲ፣ እቲ ሚኒስተር ንኩነታት የመን ከም ብሓድሽ ንኽግምግም ሓቲቱ ይርከብ። ክሳብ ሽዕኡ ድማ IND ካብ የመን ብዝመጽኡ ሰባት ብዛዕባ ዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ውሳኔ ኣይክህብን እዩ።

እቲ ሚኒስተር ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ጸብጻብ ነቲ ፖሊሲ ዑቕባ ዘስተኻኽሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር እቲ ሚኒስተር፣ እቲ ፖሊሲ ገና ቅኑዕ እዩ ዝብል ርእይቶ ክህልዎ እውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምኡ ኩነታት ድማ እቲ ሚኒስተር ብዛዕባ እዚ ንቤት-ፍርዲ መብርሂ ክህብ ኣለዎ።  


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር