
ናይ ምምላስ ውሳነ ዝግደዱ ሶርያውያን ካብ DT&V ደብዳቤታትን ዕድመታትን ይቕበሉ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ሶርያዊ ዲኻ IND ንሕቶ ዑቕባኻ ነጺግዎ ድዩ? ድሕሪኡ DT&V ደብዳበ ክሰደልካ ወይ ብዛዕባ ምምላስ ንኣኼባ ክዕድመካ ይኽእል። ኣብ ቀረባ እዋን እንታይ ክትጽበን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣንብብ።
DT&V ብ2 ኣገባባት ይረኽበካ
ብመሰረት
ገሊኦም ሶርያውያን ውልቃዊ ቃለ-መሕትት ንምርግባር ዕድመ ይቕበሉ። እዚ ነዞም ዝስዕቡ ይምልከት፡
፤ ስድራ-ቤታት፤
ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ብዝምልከት ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ሓላፍነት እትስከመሎም ሰባት። ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ፣
ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፣ ቀደም መስርሕ ዳብሊን ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ፤ ናይ ውዕል ስደተኛታት ይምልከቶም እዩ ኢሉ ንዝቖጽሮም ሰባት፤ ብመሰረት መንግስቲ ንሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ዝፈጥሩ ሰባት።
ብመሰረት DT&V፣ እዞም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ
ካልኦት ሶርያውያን ናይ ጉጅለ ሓበሬታ ይረኽቡ
ኣብ 1 ኣብዚ ላዕሊ ካብ ዝርከቡ ጉጅለታት ኣይትምደብን ዲኻ? ስለዚ ድሕሪ እቲ ምንጻግ፣ ካብ DT&V ሓፈሻዊ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ብድሕሪኡ DT&V ኣብ ሓደ ናይ
ብመሰረት እቲ VWN ዝረኸቦ ሓበሬታ፣ DT&V ነዞም ኣኼባታት ምግባር ኣብ ወርሒ ነሓሰ እዩ ጀሚሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ኣኼባ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝኾኑ ሰባት ይርከቡ።
ኣብቲ ኣኼባ DT&V ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ ናብ ሶርያን፣ ብዛዕባ ኣብ እዋን ምምላስ ክግበር ዝኽእል ሓገዝን ሓበሬታ ይህብ።
ድሕሪ ናይ ጉጅለ ኣኼባ ብዛዕባ ኩነታትካ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ DT&V ብውልቂ ክትዛረብ ትደሊ ዲኻ? ስለዚ ንDT&V ውልቃዊ ኣኼባ ንምግባር ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
እቲ ናይ 28 መዓልታት ገደብ-ግዜ ደጊም ኣብቲ ሓድሽ ደብዳቤ ኣይጥቀስን
DT&V ነቲ ንሶርያውያን ዝምልከት ሓፈሻዊ ደብዳቤ ኣመሓይሹዎ ኣሎ። እቲ ዝሓለፈ ዓይነት 28 መዓልታት
እዚ ማለት ግን ዝኾነ ናይ ምብጋስ ገደብ-ግዜ ንዓኻ ኣይምልከትን ማለት ኣይኮነን። IND መንበሪ ፍቓድ ከይህበካ ዝወሰኖ ውሳነ ማለት እቲ 'ኣሉታዊ ውሳነ'፣ ናይ ምምላስ ውሳነ ዝሓዘ እዩ። ኣብቲ ናይ ምምላስ ውሳነ ኣብ ውሽጢ ክንደይ መዓልታት ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ከምዘለካ ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ 28 መዓልታት እዩ።
ስለዚ ኩሉ ግዜ ነቲ ካብ IND ዝተቐበልካዮ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ውሳነ ብጥንቃቐ ረኣዮ። ይኹን እምበር እዚ ናይ ግዜ ገደብ
ዘይተጸበኻዮ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ብቕልጡፍ ምስ ጠበቓኻ ተራኸብ
VWN ገሊኦም ሶርያውያን ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ከምዝተነጽገ ባዕሎም ቅድሚ ምፍላጦም፣ ካብ DT&V ደብዳቤ ከምዝበጽሖም ምልክታት ተቐቢሉ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብኸፊል ዲጂታላዊ ፖርታል ናይ IND ኩሉ ግዜ ስለዘይሰርሕ እዩ ነይሩ።
ይግባይ ክትብል ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ
ኣብቲ ናይ DT&V ደብዳቤ፣ ኣንጻር ናይ IND ውሳነ ይግባይ ናይ ምቕራብ ተኽእሎ ከምዘሎ ዝምልከት ሓበሬታ ኣይተጠቕሰን።
ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ከምኡ እውን ኣብ እዋን ይግባይ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ሕተት። እዚ ኣብ መስርሕካን ውልቃዊ ኩነታትካን እዩ ዝምርኮስ። ጠበቓኻ ኣየኖት ሕግታት ከም ዝምልከቱኻ ክገልጸልካ ይኽእል እዩ።
ምስ DT&V ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ወይ ኣኼባ ብወለንታኻ ናብ ሶርያ ክትምለስ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ብቕጽበት ክትውስን ኣየድልየካን እዩ። መጀመርታ ብዛዕባ ዝተረፉኻ ሕጋዊ ኣማራጺታት ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ሶርያ ብግዴታ ዝምለስ ሰብ የለን
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኔዘርላንድ ሰባት ብሓይሊ ናብ ሶርያ ኣይትስጉግን ዘላ።
እዚ ማለት ግን እቲ ናይ ምምላስ ውሳነኻ ብኣውቶማቲክ ይእለይ ማለት ኣይኮነን። እቲ ናይ ምምላስ ውሳነ ሕጂ እውን ሕጋዊ ዝትግበር ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ገሊኡ ዅነታት፣ ብግዴታ ናብ ካልእ ሃገር ምኻድ ይከኣል ይኸውን እዩ። እዚ ንኣብነት ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ብዝምልከት ተሓታቲት እንተኾይና እዩ።
እዚ ንኩነታትካ እንታይ ማለት ምዃኑ ንጠበቓኻ ሕተት።
ባዕልኻ ናብ ሶርያ ክትምለስ ትደልይ ዲኻ?
VluchtelingenWerk ኣብዚ እዋን ንሶርያ ውሑስ ኣይቆጽራን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ VWN ኣብ ሶርያ ንሰባት ምስ ተመልሱ ዝሕግዝ መሻርኽቲ የብሉን። ይኹን እምበር፡ VWN ምሳኻ ኮይኑ ዝተረፉ ኣማራጺታትካ ክድህስስን ብዛዕባ መጻኢኻ ክትሓስብ ክሕግዘካን ይኽእል።
ብወለንታኻ ክትምለስ ከም እትደሊ ባዕልኻ ዲኻ ትውስን? ስለዚ ካብ ንኣብነት Solid Road፣ IOM ወይ DT&V ሓበሬታን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።