ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ምምላስ ዒራቕ

ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ኣብዚ ብዛዕባ ዒራቕ ዝምልከት ገጽ፣ ኣየኖት ካሕሳታት ከምዘለዉን፣ ኣየኖት ውድባት ኣብ ምምላስካ ክሕግዙኻ ከምዝኽእሉን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ

ባዕልኻ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ምምራጽ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ግብራዊ ምኽንያታት ምምላስ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት ናይ መገሻ ሰነድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ። 

ሓደ ሓደ ግዜ ንምምላስ ንኽትመርጽ ኣጸጋሚ ዝገብሩ ስምዒታዊ ምኽንያታት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ሕፍረት ስምዒታት፣ ፍሽለት ወይ ብዛዕባ መጻኢ ዝህሉው ዘይርጉጽነት። ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሃገርካ ከም ብሓድሽ ማሕበራዊ መርበብ ክትሃንጽን፣ ገዛን ስራሕን ክትደልይን ኣለካ።

ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ውድባት ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ካብዞም ውድባት እትረኽቦ ሓገዝ ብነጻ እዩ። 

ንምምላስ ዝኽፈል ካሕሳታት

መሰረታዊ ካሕሳ (REAN)

ብመሰረት ደንቢ REAN መሰረታዊ ካሕሳ ክትቕበል ኢኻ። REAN ማለት ኣሕጽሮተ-ቃል ናይ 'Return and Emigration Assistance from the Netherlands' እዩ፣ ትርጒሙ ድማ 'ናይ ምምላስን ስደትን ሓገዝ ካብ ኔዘርላንድ' ማለት እዩ። ደንቢ REAN ነዚ ዝስዕብ ይኽሕስ፡

  • ምርሒት

  • ናይ ነፋሪት ትኬት

  • ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ንምርካብ ሓገዝ

  • 200,- ጥረ ገንዘብ ንሓደ በጽሒ ሰብ፣ ከምኡ እውን ንሓደ ምሳኻ ዝጓዓዝ ቆልዓ €40። እዚ ገንዘብ ኣብታ እትብገሰላ መዓልቲ ኣብ ስኺፖል (Schiphol) ክትቅበሎ ኢኻ።

ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM) ነዚ ካሕሳ እዚ ንኽትረክብ የዋድደልካ። እቲ ኣብ ምምላስካ ዝሕግዘካ ውድብ ድማ ካብ IOM ሳሕሳ ንኽትረክብ ክሓተልካ ይኽእል እዩ።

ንዳግመ-ውህደት ዝኸውን ካሕሳ

ኣብ መበቆል ሃገርካ ሓድሽ ምጅማር ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ተወሳኺ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ካሕሳ እትረክብ ድማ በዚ ተጠቒምካ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ንኽትከፍል እዩ። ኣብ መበቆል ሃገር ናይ ዳግመ-ውህደት ካሕሳ ዝህብ ፕሮጀክትታት ዘለወን ዝተፈላለያ ውድባት ድማ ኣለዋ።

ንኣብነት ነቲ ካሕሳ፣ ስልጠና ንምክትታል ወይ ንናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ዝኸውን ኣቚሑት ንምግዛእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ካሕሳ ንእሽቶ ክፋሉ ብጥረ ገንዘብ ክትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ካሕሳ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

  • € 1.800,- ንበጽሒ ሰብ (እንተበዝሐ € 300 ብጥረ ገንዘብ)።

  • € 2.800,- ንሓደ ምሳኻ ዝጎዓዝ ቆልዓ ወይ ንውልቁ ዝኾነ ትሕቲ-ዕድመ ቆልዓ (እንተበዝሐ € 300 ብጥረ ገንዘብ)።

ኣብ ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት

ኣብ መበቆል ሃገር ዝርከቡ ተሓባበርቲ ውድባት

ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ውድባት ብዛዕባ ኩነታት ሃገርካ ሓበሬታ ክህባኻን፣ ምስ ተመለስካ ደገፍን ምርሒትን ክህባኻን ይኽእላ እየን።

  • VluchtelingenWerk ኣብ ዒራቕ ምስ ETTC (European Technology and Training Centre) ብምትሕብባር ይሰርሕ። ETTC ንዝምለሱ ዒራቓውያን (ውልቀሰባትን ስድራ-ቤታትን) ሓድሽ ህይወት ኣብ ምምስራት ይሕግዞም። እቲ ውድብ ንዝተመልሱ ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክቅበሎም፣ (ግዝያዊ) መንበሪ ቦታ ኣብ ምድላይ ክሕግዞምን፣ ንእሽቶ ትካል ኣብ ምምስራት ወይ ስራሕ ኣብ ምርካብ ክድግፎምን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ጽቡቕ ስልጠና ወይ ትምህርቲ፣ ጠቓሚ ርክባትን መርበባትን ንምርካብ ይሕግዝን፣ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ንዓማዊል ናብ ተቕዋማት ጥዕና የማሓላልፍን። VluchtelingenWerk ድሕሪ ምምላስካ ከመይ ከምዘለኻ ንምፍላጥ ክሳብ ሓደ ዓመት ምስቲ መሻርኽቲ ውድብ ርክብ ምግባር ክቕጽል እዩ።

  • ብመንገዲ IOM ዝወሃብ ደገፍ እንተድኣ መሪጽካ ኣለኻ ኮይንካ፣ መሳርሕቲ ኣብ ዒራቕ ናይ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት IOM ነቲ ዓይነታዊ-ገንዘብ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ክሕግዙኻ እዮም። ነዚ መጠን ገንዘብ ንኣብነት ንክራይ ገዛ፣ ንትምህርቲ፣ ንስልጠና፣ ንትካል ዝኸውን ዕድጊ ወዘተ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

  • ካልኦት ውድባት እውን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓደ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ናይ ከባቢ መሻርኽቲ ብሓባር ይሰርሓ እየን። እዚ ኣየናይ ምዃኑን፣ እቲ መሻርኽቲ እንታይ ክገብረልካ ከም ዝኽእልን ድማ ክፈላለይ ይኽእል እዩ።