ምምላስ ሶማልያ
ንምምላስ ዝኽፈል ካሕሳታት
መሰረታዊ ካሕሳ (REAN)
ብመሰረት ደንቢ REAN መሰረታዊ ካሕሳ ክትቕበል ኢኻ። REAN ማለት ኣሕጽሮተ-ቃል ናይ 'Return and Emigration Assistance from the Netherlands' እዩ፣ ትርጒሙ ድማ 'ናይ ምምላስን ስደትን ሓገዝ ካብ ኔዘርላንድ' ማለት እዩ። ደንቢ REAN ነዚ ዝስዕብ ይኽሕስ፡
ምርሒት
ናይ ነፋሪት ትኬት
ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ንምርካብ ሓገዝ
€200,- ጥረ ገንዘብ ንሓደ በጽሒ ሰብ፣ ከምኡ እውን ንሓደ ምሳኻ ዝጓዓዝ ቆልዓ €40። እዚ ገንዘብ ኣብታ እትብገሰላ መዓልቲ ኣብ ስኺፖል (Schiphol) ክትቅበሎ ኢኻ።
ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM) ነዚ ካሕሳ እዚ ንኽትረክብ የዋድደልካ። እቲ ኣብ ምምላስካ ዝሕግዘካ ውድብ ድማ ካብ IOM ሳሕሳ ንኽትረክብ ክሓተልካ ይኽእል እዩ።
ንዳግመ-ውህደት ዝኸውን ካሕሳ
ኣብ መበቆል ሃገርካ ሓድሽ ምጅማር ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ተወሳኺ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ካሕሳ እትረክብ ድማ በዚ ተጠቒምካ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ንኽትከፍል እዩ። ኣብ መበቆል ሃገር ናይ ዳግመ-ውህደት ካሕሳ ዝህብ ፕሮጀክትታት ዘለወን ዝተፈላለያ ውድባት ድማ ኣለዋ።
ነቲ ካሕሳ ንኣብነት ስልጠና ንምክትታል፣ ወይ ንናይ ባዕልኻ ትካል ዝኸውን ቀረብ ንምግዛእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ንእሽቶ ክፋል ናይቲ ካሕሳ ብጥረ ገንዘብ ክትቕበሎ ድማ ትኽእል ኢኻ። ገና ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዝርከቡ ሶርያውያን ወይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሶርያውያን፣ ነቲ ካሕሳ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣምስተርዳም ስኺፖል ኣብ ዝብገሱሉ መዓልቲ ክቕበልዎ እዮም። መጠን ናይቲ ካሕሳ እዚ ዝስዕብ እዩ፡
ንልዕሊ-ዕድመ ሰብ €2800 ጥረ ገንዘብ።
ንትሕቲ-ዕድመ ሰብ €1650 ጥረ ገንዘብ።
ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ
ኣብ መበቆል ሃገር ዝርከቡ ተሓባበርቲ ውድባት
VluchtelingenWerk ናብ ሶማልያ ንምምላስ ብዝምልከት ንዘሎ ኩነታት ውሑስ ኣይቆጽሮን እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ሶማልያ ክመርሓካ ዝኽእል ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ የብልናን። ብሓባር ብዛዕባ ገና ዘለዉኻ ተኽእሎታት ክንርእይን፣ ናይ መጻኢ ውጥን ኣብ ምድላው ክንድግፈካን ድማ ንኽእል ኢና።
ካልኦት ውድባት ግን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሶልማያ ኣብ ምምላስካ ክሕግዘካ ዝኽእል መሻርኽቲ ኣለወን። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስዘን ውድባት ርክብ ግበር፣ ወይ ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ VluchtelingenWerk ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት።
ኣብ ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት

Solid Road
Solid Road ንምምላስካ ዝኸውን ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ስልጠናን ምርሒትን ይህብ። Solid Road ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ነቲ ናይ ዳግመ-ውህደትካ ካሕሳ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ከም እትኽእል ዝምልከት ውጥን የዳሉው። ቅድሚ ምምላስካ ብመንገዲ Solid Road ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ስልጠናታት ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።
Solid Road ኣብ መዓልቲ ምብጋስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል Schiphol እውን ምርሒት ይህብ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሃገርካ ምስ ዝርከብ መሻርኽቲ ውድብ ብምትሕብባር ይሰርሕ፣ ንሱ ድማ ክቕበለካ እዩ።

Stichting ROS
Stichting ROS ናብ መበቆል ሃገርካ ኣብ እትምለሰሉ እዋን ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዘተኮረ ደገፍ ይህብ። ምስ ሓደ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ኣሰልጣኒ ብሓባር ብምዃን ድማ ንምምላስካ ብዝምልከት ትዳሎው፣ ብሓባር ብምዃን ናይ መጻኢ ውጥን ትሕንጽጽ፣ ከምኡ እውን ነቲ ናይ ምምላስ ገንዘብ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ከም እትደልይ ትርእይ። ድሕሪ ምምላስካ ስራሕ ምእንቲ ክትጅምር ድማ ብመንገዲ መርበብ ናይ Vluchtelingenwerk (ERSO) ወይ IOM ትምህርቲ ወይ ስልጠና ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።

ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM)
IOM ድሕሪ ምምላስካ ጽቡቕ ምጅማር ምእንቲ ክትገብር ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ሃገርካ ድሕሪ ምእታውካ ድማ ምስ IOM ብሓባር ብምዃን ነቲ ናይ REAN ካሕሳ ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንገዛ፣ ንትምህርቲ ወይ ትካል ንምጅማር። ነዚ ብዝምልከት IOM ምስቲ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት IOM ከራኽበካ እዩ።

Stichting WereldWijd
Stichting Wereldwijd ድሕሪ ምምላስካ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ንኽትጅምር ይድግፈካ። ንዋታት፣ መሳርሒታትን ማሽናትን ዝሓዘ ሳንዱቕ ድማ ትረክብ። እዚ ድማ ድሕሪ ምምላስካ ቀልጢፍካ ስራሕካ ንኽትጅምር የኽእለካ። ነዚ ብግቡእ ምእንቲ ከዋድደልካ ድማ Stichting Wereldwijd ምስ ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM) ብምትሕብባር ይሰርሕ።

Dienst Terugkeer & Vertrek (DT&V)
DT&V ባዕልኻ ብወለንታኻ ንኽትምለስ የተባብዕ፣ ከምኡ እውን ንንቕሎኻ ብግቡእ ብምድላውን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ንዳግመ-ውህደትካ ብዝምልከት ኣብ መበቆል ሃገርካ ደገፍ ብምርካብን፣ ባዕልኻ ብወለንታኻ ንኽትምለስ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኽቦ።
ሓደ ዘይመንግስታዊ ውድብ ደገፍ ክህብ እንተዘይክኢሉ ወይ IOM ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ከዳሉው እንተዘይክኢሉ፣ ካብ DT&V ሓገዝ ክሕተት ይከኣል እዩ። ብድሕሪኡ DT&V ባዕሉ ግዝያዊ ሰነድ-ጉዕዞ (laissez-passer - LP) ወይ መተካእታ ሰነድ-ጉዕዞ ንኸመልክት፣ ትኬት ንኽሓዝእ ወይ ንመምለሲ ጉዕዞ ዝኸውን ገንዘብ ንኽህብ ክፍትን እዩ።
ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ
ባዕልኻ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ምምራጽ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ግብራዊ ምኽንያታት ምምላስ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት ናይ መገሻ ሰነድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ።
ሓደ ሓደ ግዜ ንምምላስ ንኽትመርጽ ኣጸጋሚ ዝገብሩ ስምዒታዊ ምኽንያታት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ሕፍረት ስምዒታት፣ ፍሽለት ወይ ብዛዕባ መጻኢ ዝህሉው ዘይርጉጽነት። ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሃገርካ ከም ብሓድሽ ማሕበራዊ መርበብ ክትሃንጽን፣ ገዛን ስራሕን ክትደልይን ኣለካ።
ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ውድባት ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ካብዞም ውድባት እትረኽቦ ሓገዝ ብነጻ እዩ።