ባዕልኻ ብወለንታ ምምላስ ሱዳን
ንምምላስ ዝኽፈል ካሕሳታት
መሰረታዊ ካሕሳ (REAN)
ብመሰረት ደንቢ REAN መሰረታዊ ካሕሳ ክትቕበል ኢኻ። REAN ማለት ኣሕጽሮተ-ቃል ናይ 'Return and Emigration Assistance from the Netherlands' እዩ፣ ትርጒሙ ድማ 'ናይ ምምላስን ስደትን ሓገዝ ካብ ኔዘርላንድ' ማለት እዩ። ደንቢ REAN ነዚ ዝስዕብ ይኽሕስ፡
ምርሒት
ናይ ነፋሪት ትኬት
ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ንምርካብ ሓገዝ
€200,- ጥረ ገንዘብ ንሓደ በጽሒ ሰብ፣ ከምኡ እውን ንሓደ ምሳኻ ዝጓዓዝ ቆልዓ €40። እዚ ገንዘብ ኣብታ እትብገሰላ መዓልቲ ኣብ ስኺፖል (Schiphol) ክትቅበሎ ኢኻ።
ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM) ነዚ ካሕሳ እዚ ንኽትረክብ የዋድደልካ። እቲ ኣብ ምምላስካ ዝሕግዘካ ውድብ ድማ ካብ IOM ሳሕሳ ንኽትረክብ ክሓተልካ ይኽእል እዩ።
ንዳግመ-ውህደት ዝኸውን ካሕሳ
ኣብ መበቆል ሃገርካ ሓድሽ ምጅማር ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ተወሳኺ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ካሕሳ እትረክብ ድማ በዚ ተጠቒምካ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ንኽትከፍል እዩ። ኣብ መበቆል ሃገር ናይ ዳግመ-ውህደት ካሕሳ ዝህብ ፕሮጀክትታት ዘለወን ዝተፈላለያ ውድባት ድማ ኣለዋ።
ንኣብነት ነቲ ካሕሳ፣ ስልጠና ንምክትታል ወይ ንናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ዝኸውን ኣቚሑት ንምግዛእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ካሕሳ ንእሽቶ ክፋሉ ብጥረ ገንዘብ ክትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ካሕሳ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡
€ 3080 ንበጽሒ ሰብ፣ ካብዚ እንተበዝሐ € 630 ብጥረ ገንዘብ።
€ 1860 ንትሕቲ ዕድመ፣ ካብዚ እንተበዝሐ € 630 ብጥረ ገንዘብ።
ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ
ኣብ መበቆል ሃገር ዝርከቡ ተሓባበርቲ ውድባት
VluchtelingenWerk ናብ ሱዳን ንምምላስ ብዝምልከት ንዘሎ ኩነታት ውሑስ ኣይቆጽሮን እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ሱዳን ክመርሓካ ዝኽእል ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ የብልናን። ብሓባር ብዛዕባ ገና ዘለዉኻ ተኽእሎታት ክንርእይን፣ ናይ መጻኢ ውጥን ኣብ ምድላው ክንድግፈካን ድማ ንኽእል ኢና።
ካልኦት ውድባት ግን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሱዳን ኣብ ምምላስካ ክሕግዘካ ዝኽእል መሻርኽቲ ኣለወን። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስዘን ውድባት ርክብ ግበር፣ ወይ ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ VluchtelingenWerk ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት።
ኣብ ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት

ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM)
IOM ድሕሪ ምምላስካ ጽቡቕ ምጅማር ምእንቲ ክትገብር ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብ ሃገርካ ድሕሪ ምእታውካ ድማ ምስ IOM ብሓባር ብምዃን ነቲ ናይ REAN ካሕሳ ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንገዛ፣ ንትምህርቲ ወይ ትካል ንምጅማር። ነዚ ብዝምልከት IOM ምስቲ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት IOM ከራኽበካ እዩ።

Dienst Terugkeer & Vertrek (DT&V)
DT&V ባዕልኻ ብወለንታኻ ንኽትምለስ የተባብዕ፣ ከምኡ እውን ንንቕሎኻ ብግቡእ ብምድላውን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ንዳግመ-ውህደትካ ብዝምልከት ኣብ መበቆል ሃገርካ ደገፍ ብምርካብን፣ ባዕልኻ ብወለንታኻ ንኽትምለስ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኽቦ።
ሓደ ዘይመንግስታዊ ውድብ ደገፍ ክህብ እንተዘይክኢሉ ወይ IOM ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ከዳሉው እንተዘይክኢሉ፣ ካብ DT&V ሓገዝ ክሕተት ይከኣል እዩ። ብድሕሪኡ DT&V ባዕሉ ግዝያዊ ሰነድ-ጉዕዞ (laissez-passer - LP) ወይ መተካእታ ሰነድ-ጉዕዞ ንኸመልክት፣ ትኬት ንኽሓዝእ ወይ ንመምለሲ ጉዕዞ ዝኸውን ገንዘብ ንኽህብ ክፍትን እዩ።
ብኣስገዳድ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ዘለካ ምስ እትውኸን ውሑድ ሓገዝ
እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ንነፍስወከፍ ሃገር ዝምልከት ሓገዝ ንምርካብ ዝከኣል ናብ መበቆል ሃገርካ ባዕልኻን ብወለንታኻን ምስ እትምለስ ጥራይ እዩ። ብዛዕባ ምምላስካ ክትተሓባበር እንተድኣ ዘይደሊኻ መንግስቲ ኔዘርላንድ ከገድደካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብኣስገዳድ ምምላስ ይበሃል። ኣብ ከምኡ ኩነታት፣ ኣብ እትምለሰሉ እዋን ውሑድ ሓገዝ ትረክብ፣ ወይ ዋላ ሓንቲ ሓገዝ ኣይትረክብን ኢኻ። ስለዚ ሽዕኡ እንተበዝሐ €1,000 ብመልክዕ ኣቑሑት ወይ ምርሒት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።