ምምላስ ኣፍጋኒስታን
ንምምላስ ዝኽፈል ካሕሳታት
ንዳግመ-ውህደት ዝኸውን ካሕሳ
ኣብ መበቆል ሃገርካ ሓድሽ ምጅማር ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ተወሳኺ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ካሕሳ እትረክብ ድማ በዚ ተጠቒምካ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ንኽትከፍል እዩ። ኣብ መበቆል ሃገር ናይ ዳግመ-ውህደት ካሕሳ ዝህብ ፕሮጀክትታት ዘለወን ዝተፈላለያ ውድባት ድማ ኣለዋ።
ነቲ ካሕሳ ንኣብነት ስልጠና ንምክትታል፣ ወይ ንናይ ባዕልኻ ትካል ዝኸውን ቀረብ ንምግዛእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ንእሽቶ ክፋል ናይቲ ካሕሳ ብጥረ ገንዘብ ክትቕበሎ ድማ ትኽእል ኢኻ። ገና ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዝርከቡ ሶርያውያን ወይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሶርያውያን፣ ነቲ ካሕሳ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣምስተርዳም ስኺፖል ኣብ ዝብገሱሉ መዓልቲ ክቕበልዎ እዮም። መጠን ናይቲ ካሕሳ እዚ ዝስዕብ እዩ፡
ንልዕሊ-ዕድመ ሰብ €2800 ጥረ ገንዘብ።
ንትሕቲ-ዕድመ ሰብ €1650 ጥረ ገንዘብ።
ኣብ መበቆል ሃገር ዝርከቡ ተሓባበርቲ ውድባት
VluchtelingenWerk ናብ ኣፍጋኒስታን ንምምላስ ዘሎ ኩነታት ከም ውሑስ ኣይቆጽሮን እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሕግዘካ ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ የብልናን።
ካልኦት ውድባት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ምምላስካ ክሕግዘካ ዝኽእል መሻርኽቲ ኣለወን። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስዘን ውድባት ርክብ ግበር፣ ወይ ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ VluchtelingenWerk ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት።
ኣብ ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ኣብ እትምለሰሉ እዋን ምርሒት ክህበካ ይኽእል እዩ። VWN ኣብ መበቆል ሃገርካ ምስ ዝርከብ መሻርኽቲ ውድብ እውን ከራኽበካ ይኽእል እዩ።
VWN ምስቶም ንመንግስቲ ናይ ሃገርካ ዘይሰርሑ መሻርኽቲ ውድባት ጥራይ እዩ ዝሰርሕ። ነቲ ውድብ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርካ ሕቶታት ክትሓትት ድማ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ብዛዕባ ድሕነት፣ ስራሕ፣ ክንክን ጥዕና ወይ ስድራ-ቤትካ።
VWN ኣብ ኔዘርላንድ ንምምላስካ ዝኸውን ውጥን ኣብ ምድላው ይሕግዘካ። VWN፣ ኣብ ሃገርካ ምስ ኣተኻ እቲ መሻርኽቲ ውድብ ንዓኻ ድሉው ኮይኑ ከምዝጸንሓካ ይገብር። VWN ከምኡ እውን እቲ መሻርኽቲ ውድብ ኣብኡ ድሕሪ ምእታውካ ክሳብ 1 ዓመት ክድግፉኻ ይኽእሉ እዮም።

Solid Road
Solid Road ንምምላስካ ዝኸውን ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ስልጠናን ምርሒትን ይህብ። Solid Road ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ነቲ ናይ ዳግመ-ውህደትካ ካሕሳ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ከም እትኽእል ዝምልከት ውጥን የዳሉው። ቅድሚ ምምላስካ ብመንገዲ Solid Road ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ስልጠናታት ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።
Solid Road ኣብ መዓልቲ ምብጋስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኺፖል Schiphol እውን ምርሒት ይህብ፣ ከምኡ እውን ኣብ ሃገርካ ምስ ዝርከብ መሻርኽቲ ውድብ ብምትሕብባር ይሰርሕ፣ ንሱ ድማ ክቕበለካ እዩ።

Dienst Terugkeer & Vertrek (DT&V)
DT&V ባዕልኻ ብወለንታኻ ንኽትምለስ የተባብዕ፣ ከምኡ እውን ንንቕሎኻ ብግቡእ ብምድላውን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ንዳግመ-ውህደትካ ብዝምልከት ኣብ መበቆል ሃገርካ ደገፍ ብምርካብን፣ ባዕልኻ ብወለንታኻ ንኽትምለስ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኽቦ።
ሓደ ዘይመንግስታዊ ውድብ ደገፍ ክህብ እንተዘይክኢሉ ወይ IOM ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ከዳሉው እንተዘይክኢሉ፣ ካብ DT&V ሓገዝ ክሕተት ይከኣል እዩ። ብድሕሪኡ DT&V ባዕሉ ግዝያዊ ሰነድ-ጉዕዞ (laissez-passer - LP) ወይ መተካእታ ሰነድ-ጉዕዞ ንኸመልክት፣ ትኬት ንኽሓዝእ ወይ ንመምለሲ ጉዕዞ ዝኸውን ገንዘብ ንኽህብ ክፍትን እዩ።
ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ
ባዕልኻ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ምምራጽ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ግብራዊ ምኽንያታት ምምላስ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት ናይ መገሻ ሰነድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ።
ሓደ ሓደ ግዜ ንምምላስ ንኽትመርጽ ኣጸጋሚ ዝገብሩ ስምዒታዊ ምኽንያታት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ሕፍረት ስምዒታት፣ ፍሽለት ወይ ብዛዕባ መጻኢ ዝህሉው ዘይርጉጽነት። ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሃገርካ ከም ብሓድሽ ማሕበራዊ መርበብ ክትሃንጽን፣ ገዛን ስራሕን ክትደልይን ኣለካ።
ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ውድባት ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ካብዞም ውድባት እትረኽቦ ሓገዝ ብነጻ እዩ።