ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ምምላስ ኣዘርባጃን

ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ኣብዚ ብዛዕባ ኣዘርባጃን ዝምልከት ገጽ፣ ኣየኖት ካሕሳታት ከምዘለዉን፣ ኣየኖት ውድባት ኣብ ምምላስካ ክሕግዙኻ ከምዝኽእሉን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ

ባዕልኻ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ምምራጽ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ግብራዊ ምኽንያታት ምምላስ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት ናይ መገሻ ሰነድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ። 

ሓደ ሓደ ግዜ ንምምላስ ንኽትመርጽ ኣጸጋሚ ዝገብሩ ስምዒታዊ ምኽንያታት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ሕፍረት ስምዒታት፣ ፍሽለት ወይ ብዛዕባ መጻኢ ዝህሉው ዘይርጉጽነት። ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሃገርካ ከም ብሓድሽ ማሕበራዊ መርበብ ክትሃንጽን፣ ገዛን ስራሕን ክትደልይን ኣለካ።

ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ውድባት ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ካብዞም ውድባት እትረኽቦ ሓገዝ ብነጻ እዩ። 

ንምምላስ ዝኽፈል ካሕሳታት

መሰረታዊ ካሕሳ (REAN)

ብመሰረት ደንቢ REAN መሰረታዊ ካሕሳ ክትቕበል ኢኻ። REAN ማለት ኣሕጽሮተ-ቃል ናይ 'Return and Emigration Assistance from the Netherlands' እዩ፣ ትርጒሙ ድማ 'ናይ ምምላስን ስደትን ሓገዝ ካብ ኔዘርላንድ' ማለት እዩ። ደንቢ REAN ነዚ ዝስዕብ ይኽሕስ፡

  • ምርሒት

  • ናይ ነፋሪት ትኬት

  • ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ንምርካብ ሓገዝ

  • 200,- ጥረ ገንዘብ ንሓደ በጽሒ ሰብ፣ ከምኡ እውን ንሓደ ምሳኻ ዝጓዓዝ ቆልዓ €40። እዚ ገንዘብ ኣብታ እትብገሰላ መዓልቲ ኣብ ስኺፖል (Schiphol) ክትቅበሎ ኢኻ።

ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM) ነዚ ካሕሳ እዚ ንኽትረክብ የዋድደልካ። እቲ ኣብ ምምላስካ ዝሕግዘካ ውድብ ድማ ካብ IOM ሳሕሳ ንኽትረክብ ክሓተልካ ይኽእል እዩ።

ንዳግመ-ውህደት ዝኸውን ካሕሳ

ኣብ መበቆል ሃገርካ ሓድሽ ምጅማር ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ተወሳኺ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ካሕሳ እትረክብ ድማ በዚ ተጠቒምካ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ንኽትከፍል እዩ። ኣብ መበቆል ሃገር ናይ ዳግመ-ውህደት ካሕሳ ዝህብ ፕሮጀክትታት ዘለወን ዝተፈላለያ ውድባት ድማ ኣለዋ።

ንኣብነት ነቲ ካሕሳ፣ ስልጠና ንምክትታል ወይ ንናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ዝኸውን ኣቚሑት ንምግዛእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ካሕሳ ንእሽቶ ክፋሉ ብጥረ ገንዘብ ክትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ካሕሳ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

  • € 1.800,- ንበጽሒ ሰብ (እንተበዝሐ € 300 ብጥረ ገንዘብ)።

  • € 2.800,- ንሓደ ምሳኻ ዝጎዓዝ ቆልዓ ወይ ንውልቁ ዝኾነ ትሕቲ-ዕድመ ቆልዓ (እንተበዝሐ € 300 ብጥረ ገንዘብ)።

ኣብ ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት

ኣብ መበቆል ሃገር ዝርከቡ ተሓባበርቲ ውድባት

VluchtelingenWerk ኣብ ኣዘርባጃን ዝሕግዘካ ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ የብሉን።

ካልኦት ውድባት ግን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኣዘርባጃን ኣብ ምምላስካ (ካብ ርሕቐት) ክሕግዘካ ዝኽእል መሻርኽቲ ኣለወን። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስዚ ውድብ ርክብ ግበር፣ ወይ ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ VluchtelingenWerk ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት።