ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • Home
  • ምምላስ ኤርትራ

ምምላስ ኤርትራ

ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ኣብዚ ብዛዕባ ኤርትራ ዝምልከት ገጽ፣ ኣየኖት ካሕሳታት ከምዘለዉን፣ ኣየኖት ውድባት ኣብ ምምላስካ ክሕግዙኻ ከምዝኽእሉን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ

ባዕልኻ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ምምራጽ ቀሊል ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ግብራዊ ምኽንያታት ምምላስ ኣጸጋሚ እዩ። ንኣብነት ናይ መገሻ ሰነድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ። 

ሓደ ሓደ ግዜ ንምምላስ ንኽትመርጽ ኣጸጋሚ ዝገብሩ ስምዒታዊ ምኽንያታት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ሕፍረት ስምዒታት፣ ፍሽለት ወይ ብዛዕባ መጻኢ ዝህሉው ዘይርጉጽነት። ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሃገርካ ከም ብሓድሽ ማሕበራዊ መርበብ ክትሃንጽን፣ ገዛን ስራሕን ክትደልይን ኣለካ።

ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝተፈላለዩ ውድባት ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ካብዞም ውድባት እትረኽቦ ሓገዝ ብነጻ እዩ። 

ንምምላስ ዝኽፈል ካሕሳታት

ንዳግመ-ውህደት ዝኸውን ካሕሳ

ኣብ መበቆል ሃገርካ ሓድሽ ምጅማር ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ተወሳኺ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ካሕሳ እትረክብ ድማ በዚ ተጠቒምካ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት ንኽትከፍል እዩ። ኣብ መበቆል ሃገር ናይ ዳግመ-ውህደት ካሕሳ ዝህብ ፕሮጀክትታት ዘለወን ዝተፈላለያ ውድባት ድማ ኣለዋ።

ንኣብነት ነቲ ካሕሳ፣ ስልጠና ንምክትታል ወይ ንናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ዝኸውን ኣቚሑት ንምግዛእ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ካሕሳ ንእሽቶ ክፋሉ ብጥረ ገንዘብ ክትቕበሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ካሕሳ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

  • € 1.800,- ንበጽሒ ሰብ (እንተበዝሐ € 300 ብጥረ ገንዘብ)።

  • € 2.800,- ንሓደ ምሳኻ ዝጎዓዝ ቆልዓ ወይ ንውልቁ ዝኾነ ትሕቲ-ዕድመ ቆልዓ (እንተበዝሐ € 300 ብጥረ ገንዘብ)።

ኣብ ኔዘርላንድ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት

ኣብ መበቆል ሃገር ዝርከቡ ተሓባበርቲ ውድባት

VluchtelingenWerk ናብ ኤርትራ ንምምላስ ዘሎ ኩነታት ከም ውሑስ ኣይቆጽሮን እዩ። ስለዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ምርሒት ክህበካ ዝኽእል ናይ ምትሕብባር መሻርኽቲ የብልናን። ካልኦት ውድባት ግን ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምላስካ ምርሒት ክህበካ ዝኽእል መሻርኽቲ ኣለወን። ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስዘን ውድባት ርክብ ግበር፣ ወይ ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ VluchtelingenWerk ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ሕተት።

  • Goedwerk Foundation ምስ ሓደ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ መሻርኽቲ ብሓባር ይሰርሕ እዩ።