ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ኩሉ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ከተንብቦ እትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ብኢንተርነት እውን ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ በጺሕካ ዲኻ፣ ብመንገዲ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ወይ ብወደብ ድማ ኣይኮንካን ዲኻ መጺእካ? ስለዚ ዑቕባ ንምርካብ ንኸተመልክት ኣብ ቁሸት ተር ኣፐል ናብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ኪድ። ካብቲ ዘለኻዮ ቦታ ናብ ተር ኣፐል ብህዝባዊ መጓዓዝያ ብነጻ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ።
ብስኺፖል (Schiphol) ወይ ካልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ዲኻ ብነፋሪት ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ ኣብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ኢኻ ዑቕባ እትሓትት። ብድሕሪኡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ኣብ ዝርከብ ዕጹው መዕቆቢ ኮይንካ መስርሕ ዑቕባኻ ክትጽበይ ኢኻ።