ስድራ-ቤታዊ ህይወትን ቆልዑትን

ኣብዚ ብዛዕባ ኣተዓባብያ፣ ዝምድና ወለድን ውላድን፣ መርዓን ፍትሕን፣ መውዓሊ ሓጻናትን ካልኦት ከም ወለዲ መጠን ኣብ ኔዘርላንድ ዘጋጥመኩም ዛዕባታትን ብዝምልከት ሓበሬታ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።


ሓበሬታ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ፍትሕ ኣብ ኔዘርላንድ

ካብ መጻምድትኻ ክትፋታሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ክትፋታሕ ይከኣል እዩ። ዋላ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይተመርዓኻ ወይ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን። ፍትሕ ኣብ ናትካን ናይ መጻምድትኻን መስርሕ ዑቕባ ሳዕቤናት ክህልዎ ግን ይኽእል እዩ።

ዓንቀጽ
መርዓን ፍትሕን

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሓት መጻምድቲ ቅድሚ ምምርዓዎም ስለምንታይ ብሓባር ይነብሩ?

ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ እንተድኣ ኮይንካ፣ ብዙሓት መጻምድቲ ከይተመርዓዉ ብሓባር ከም ዝነብሩ ከተስተብህል ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ድሒሮም ይምርዓዉ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣይምርዓዉን። እዚ ቀደም ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ
መርዓን ፍትሕን

ውላድካ ካባኻ ንላዕሊ ቀልጢፉ ቋንቋ ኔዘርላንድ እንተድኣ ተማሂሩ፡ ኣብ ገዛ እንታይ ይቕየር?

ብዙሓት ቆልዑት ካብ ወለዶም ንላዕሊ ቀልጢፎም ቋንቋ ኔዘርላንድ ይመሃሩ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገዛ ነገራት ይቕየሩ። ውላድካ ብዝተፈልየ ኣገባብ ምሕሳብ፣ ምዝራብን ምርጫ ምግባርን እውን ይመሃር። ንውላድካ ካብ ምዕባለኡ ከይዓገትካ ብኸመይ ክትድግፎ ከም እትኽእል ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ
ቆልዑት

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ መንጎ ወለድን ቤት-ትምህርትን ዘሎ ርክብ ዝተፈላለየ ኮይኑ ዝስምዓካ ስለምንታይ እዩ?

ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ እንተኾንካ፡ ምስ ቤት ትምህርቲ ውላድካ ርክብ ካብቲ ዝለመድካዮ ዝተፈልየ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ቤት ትምህርትን ወለድን ብሓባር ይሰርሑ፡ ነፍሲ ወከፎም ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ተራ እውን ኣለዎም። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ከመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ
ቆልዑት

ስለምንታይ እዮም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ቆልዑት ብኣግኡ ገዛእ-ርእሶም ዝኽእሉ ዝኾኑ?

ኣብ ኔዘርላንድ ቆልዑት ምርጫታቶምን ርእይቶታቶምን ብዝምልከት ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ገዛእ-ርእሶም ዝኽእሉ እዮም። ኣብ ኔዘርላንድ ሓደስቲ ንዝኾኑ ወለዲ፣ እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ካብቲ ዝለመድዎ ዝተፈልየ እዩ። ወለድን ቆልዑትን ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሳነዩን፣ እዚ ኣገባብ ኣተዓባብያ ካበይ ከም ዝመጽአን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ
ቆልዑት