ምንጪ፡ Polina Tankilevitch
ንጥፈት

ብዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን ዝወሃብ ነጻ ብኢንተርነት ዝካየድ ስልጠና ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ ዕለት 10 ነሓሰ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/14/2026 19:30

ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትደሊ ዲኻ፣ ግን ድማ ክሳብ ሕጂ ናይቲ ቋንቋ ተመኩሮ የብልካን ዲኻ? ብዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን ካብ ዕለት 10 ነሓሰ 2026 ብነጻ ብኢንተርነት ዝወሃብ ስልጠና ‘Introduction to Dutch’ ማለት ሌላ ምስ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክጅምር እዩ። እቲ ስልጠና ብቋንቋ እንግሊዝ ዝወሃብ ኮይኑ፣ ብፍላይ ንጀመርቲ ዝዓለመ እዩ።

እዚ ኮርስ ንመን እዩ?

እቲ ስልጠና ቋንቋ ኔዘርላንድ ክመሃሩ ንዝደልዩ ጀመርቲ ዝዓለመ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ቋንቋ ዘርላንድ ዝኾነ ኣፍልጦ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ወይ ኣብዚ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ምስ እትደልይ፣ እቲ ስልጠና ጠቓሚ እዩ።

እንታይ ትመሃር?


ኣብዚ ስልጠና እዚ ምስ ቀለልቲ ቃላትን ሓረጋትን ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትላለይ ኢኻ። ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ትመሃር፡

* ገዛእ-ርእስኻ ንምልላይ፤

* ብዛዕባ ስድራ-ቤት፣ ኣዕሩኽ፣ መሓዙት፣ ስራሕን ትምህርቲን ቀለልቲ ዝርርባት ምግባር፤

* ኣብ ዕለታዊ ህይወት ሓጸርቲ ናይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ሓረጋት ምጥቃም፤

* ናይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ቃላት፣ ሰላምታታት፣ ቁጽሪታት፣ ኣጸሓሕፋን ሰዋስውን፤

* ብዛዕባ ህይወት ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ምርዳእ።


ስለምንታይ ኢኻ ክትሳተፍ ዘለካ?

እዚ እቲ ስልጠና ብቋንቋ ኔዘርላንድ ቀዳማይ ስጉምቲ ክትወስድ ይሕግዘካ። ብናትካ ናህሪ ትመሃርን፣ ናይ ዕለታዊ ህይወት ኣብነታት ብምጥቃም ትለማመድን።

እቲ ስልጠና ብኢንተርነት እዩ ዝካየድ። ስለዚ ኣብ ገዛኻ፣ ኣብ ዝጥዕመካ ግዜ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።

ግብራዊ ሓበሬታ

  • * ዕለት ምጅማር፡ 10 ነሓሰ 2026።

    እቲ ስልጠና ን3 ሳምንታት ዝጸንሕ እዩ።

    ነቲ ስልጠና ኣብ ዘለካ ግዜ ብነጻ ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ።

    * እቲ ስልጠና ኣብ ሰሙን ኣስታት 3 ሰዓታት ይወስድ።

    * እቲ ስልጠና 100% ብኢንተርነት እዩ ዝካየድ።

    * ቋንቋ ናይቲ ስልጠና፡ እንግሊዝኛ እዩ።

    * እቲ ስልጠና ብማእከል ቋንቋ ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን ዝተዳለወ እዩ።

    * ነቲ ስልጠና ንምውሳድ ብመንገዲ FutureLearn

    ክትምዝገብ ኣለኻ።

    * እቲ ስልጠና ውሱን ምእታው እንተድኣ መሪጽካ ብነጻ እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ን3 ሳምንታት ናብቲ ስልጠና ክትኣቱው ኢኻ።

    ንነዊሕ ግዜ ምእታው፣ ወይ ምስክር ወረቐት ዲኻ ትደልይ? ስለዚ ምናልባት ክትከፍል ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።

    ኣስተውዕል: እዚ ነጻ ስልጠና ብተደጋጋሚ እዩ ዝካየድ። ዕለት 10 ነሓሰ 2026 ክትጅምር ኣይትኽእልን ዲኻ? ስለዚ ድሒርካ እንደገና ክትጽንበር ትኽእል ኢኻ። እቲ ስልጠና 16 ሕዳር 2026 እውን ይጅምር እዩ።



ነዚ ንጥፈት ከመይ ረኺብካዮ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር