
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ እዚ ክትገብር ትኽእል
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ነጺግዎ ድዩ? ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ይግባይ እንታይ ማለት ምዃኑ፣ ስለምንታይ ምስ ጠበቓኻ ቀልጢፍካ ርክብ ክትገብር ከም ዘለካን፣ ዳኛ እንታይ ክውስን ከም ዝኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ከተንብብ ኢኻ።
ብዛዕባ እቲ ውሳነ ቀልጢፍካ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ
ብዛዕባ ውሳነ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ናቹራላይዜሽንን (IND) ምስ ጠበቓኹም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ተዘራረቡ። ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብሉ ትደልዩ ትኾኑ። እቲ ካብ IND ዝመጸ ደብዳበ ይግባይ ከተቕርብ ክንደይ ግዜ ከም ዘለካ ይገልጽ።
ካብ 12 ሰነ 2026 ጀሚሩ ውዕል ዑቕባን ስደትን ኤውሮጳ ተግባራዊ ይኸውን። ድሕሪ እቲ ዕለት እቲ ይግባይ ንምቕራብ ዝተወሰነ ግዜ 1 ወይ 2 ሰሙን እዩ፤
ኣብቲ
፣ቅልጡፍ መስርሕ ዑቕባ ፣ ከምኡ እውንመስርሕ ዶብ (ናይ ቀደም መስርሕ ዱብሊን)፣ IND ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ነጺግዎ መብዛሕትኡ ግዜ ይግባይ ክትብል 1 ሰሙን ኣለካ። እዚ ናይ 1 ሰሙን ገደብ-ግዜ፣ IND ኔዘርላንድ ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ትሕዝትኡ ከተምስርሖ ከምዘየድልያ እንተድኣ ወሲኑ እውን ይምልከት። መብዛሕትኡ ግዜ IND ነዚ ውሳነ ዝወስድ፣ ድሮ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ስለ ዝረኸብካ፣ ወይ ሓደስቲ ሓቅታት ወይ ሓድሽ መርትዖ ዘይብሉ ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ስለ ዘቕረብካ እዩ።መስርሕ AMBVኣብቲ ዘይተቀላጠፈ መስርሕ ዑቕባ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይግባይ ክትብል 2 ሰሙን ይህልወካ። ስለዚ ምስ ውሳነ IND እንተዘይተሰማሚዕካ ይግባይ ክትብል 2 ሰሙን ኣለካ፤
ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ከም ስደተኛ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ከም ናይ ንኡስ ሓለዋ ሰብ መጠን ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ትረክብ
ምኽንያቱ ሕቶ ዑቕባኻ ተነጺጉ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይትረክብ
ንኡስ ካልኣዊ ሓለዋ ዘለዎ ሰብ ከም ምዃንካ መጠን መንበሪ ፍቓድካ ስለ ዘይተናውሐ
ጠበቓኻ ዳኛ ነቲ ውሳነ ክምርምሮ ክሓትት ይኽእል እዩ
ይግባይ ምቕራብ ማለት ዳኛ ንውሳነ ናይ IND ንኽግምግሞ ምሕታት ማለት እዩ። እዚ ክትገብር ትደሊ ምዃንካን ዘይምዃንካን ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ጠበቓኻ ነዚ ከዋድደልካ ይኽእል እዩ።
እቲ ዳኛ፣ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ብግቡእ ዘካየዶ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይምርምር። እቲ ዳኛ IND ነቲ ውሳነ ብግቡእ መብርሂ ዝሃበሉን፣ ብምቕጻል ድማ ብመሰረት ሕጊ ዝወሰዶ ምዃኑን ዘይምዃኑን እውን ይምርምር።
ሓደ ሓደ ግዜ ውሳነ ናይ ዳኛ እናተጸበኻ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ይፍቀደልካ እዩ። እዚ ኣብ ኩነታትካን መስርሕካን እዩ ዝምርኮስ። ኣብ እዋን ይግባይ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንጠበቓኻ ሕተት።
ዳኛ እቲ ዘቕረብካዮ ይግባይ ‘ጽቡቕ መሰረት ዘለዎ’ ማለት ቅቡል ኢሉ ድዩ ወሲኑ? ስለዚ እቲ ዳኛ ሓቅነት ከምዘለካ ውሳነ ይህብ። ብድሕሪኡ IND መብዛሕትኡ ግዜ ንጉዳይካ እንደገና ክምርምሮ ወይ ሓድሽ ውሳነ ክወስድ ኣለዎ።
ዳኛ እቲ ዘቕረብካዮ ይግባይ ‘ጽቡቕ መሰረት ዘይብሉ’ ማለት ዘይቅቡል ኢሉ ድዩ ወሲኑ? ስለዚ እቲ ዳኛ ሓቅነት ዘለካ ምዃንካ ውሳነ ኣይህብን እዩ። ሽዕኡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይ IND ውሳነ ይጸንዕ።
ብዛዕባ እቲ ውሳነ ኩሉ ግዜ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ጠበቓኻ እቲ ውሳነ እንታይ ማለት ምዃኑን፣ ቀጺልካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ክገልጸልካ ይኽእል እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ላዕለዋይ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ
ምስቲ ቤት-ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ኣይትሰማማዕን ዲኻ? ስለዚ ጠበቓኻ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ
ቤት-ምኽሪ መንግስቲ፣ እቲ ቤት-ፍርዲ ቅኑዕ ውሳነ ዝሃበ ምኻኑን ዘይምዃኑን ይምርምር። ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ጉዳይ ዑቕባ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ እዩ። ድሕሪ ውሳነ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ።
ውሳነ ናይ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበይ ኩሉ ግዜ ኣይፍቀደልካን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ጠበቓኻ ውሳነ ክሳብ ዝወሃብ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ንዳኛ ክሓትት ኣለዎ። እዚ ድማ መባእታዊ ትእዛዝ ይበሃል።
ኣብ ጉዳይ ዑቕባ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ምቕራብ ብነጻ እዩ። ምጥራዝ ንምክልኻል ዝውሰድ ግዝያዊ ትእዛዝ እውን ብነጻ እዩ። ኣብ ኩነታትካ ይግባይ ንምቕራብ ገንዘብ ምኽፋል ዘድሊ ምዃንኑን ዘይምዃኑን ንጠበቓኻ ሕተት።
ብዛዕባ ካልኦት ኣማራጺታት ምስ ጠበቓኻ ወይ VluchtelingenWerk ተዘራረብ
ይግባይካ እንተድኣ ዘይተዓዊቱ፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ምስ ጠበቓኻ ወይ VluchtelingenWerk ተዘራረብ።
ሓደ ሓደ ግዜ ካልኦት ተኽእሎታት እውን ኣለዉ። ንኣብነት ምምላስ፣ ወይ ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ምቕራብ፣ ሓድሽ ሓቅታት ወይ ኩነታት ምስ ዝህሉ ጥራይ። ኩሉ ግዜ ሓድሽ መመልከቲ ቅድሚ ምቕራብካ ምኽሪ ሕተት።