
ጠበቓ ይግበረልካ፣ ምስ IND ንእትገብሮ ቃለ-መሕትት ድማ ትዳሎ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ኣሰራርሓ ዶብ ብቕጽበት ጠበቓ ይምደበልካ። ጠበቓኻ ምስ IND ንዝገበርካዮ ቃለ መሕትት ክትዳሎ ይሕግዘካ። እዚ ቃለ መሕትት እዚ ሰማዒ ይበሃል። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንቃለ-መጠይቕካ ብኸመይ ከም እትዳሎን ምስ ጠበቓኻ እንታይ ክትዛተየሉ ከም እትኽእልን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ብቐጥታ ጠበቓ ትረክብ
ኣብ መስርሕ ዶብ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ጠበቓ ይምደበልካ እዩ። ጠበቓኻ ብዛዕባ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ውልቃዊ ሕጋዊ ምኽሪ ይህበካ።
ንመመልከቲኻ እንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ከምኡ እውን ገለ ነገር እንተድኣ ዘይተረዲኡካ፣ ወይ ብዛዕባ መስርሕ ዶብ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ንጠበቓኻ ንገር።
ምስ IND ንእትገብሮ ቃለ-መሕትት ምድላው
ምስ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት፣ ንምንታይ ዑቕባ ትሓትት ከምዘለኻ ትገልጽ። ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ ንምንታይ ንዓኻ ሓደገኛ ምዃኑ እውን ትገልጽ።
ነዚ ቃለ-መሕትት ምስ ጠበቓኻ ብምዃን ጽቡቕ ገይርካ ተዳሎ። ጠበቓኻ እንታይ ክትብል ኣገዳሲ ምዃኑን፣ ኣየኖት ሰነዳት ክሕግዙ ከም ዝኽእሉን ክገልጸልካ ይኽእል እዩ።
ናይ ህድማ ታሪኽካ ጽሓፎ
ናይ ህድማ ታሪኽካ ንባዕልኻ ክኾነካ ምስ እትጽሕፎ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። እንታይ ከም ዘጋጠመን፣ ብኣየናይ ቅደም ተኸተልን ጽሓፎ። ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ጽሓፍ፤
ስለምንታይ ካብ ሃገርካ ወጺእካ፤
ንዓኻ ብውልቂ እንታይ ኣጋጢሙካ፤
ክትምለስ ዘለካ ምስ እትኸውን እንታይ የፍርሓካ፤
መን ወይ እንታይ የስግኣካ፤
ኣብ ሃገርካ ሓገዝ ሓቲትካ ዲኻ፤
ስለምንታይ ኣብኡ ውሕስነት ማለት ድሕነት ኣይነበርካን፤
ብኸመይ ናብ ኔዘርላንድ ከም ዝተጓዓዝካ።
ኣስማት፣ ቦታታትን ዕለታትን እንተድኣ ትፈልጦም ኮይንካ እውን ጽሓፎም። ልክዕ ዕለቱ ኣይትፈልጦን ዲኻ? ብዛዕባኡ ብቕንዕና ተዛረብ። ብዛዕባ ታሪኽካ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ። ከምኡ እውን ምስ IND ናብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት እንታይ ክትማላእ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ሕተቶ።
ኣገደስቲ ሰነዳት ኣክብ
ሰነዳት ንታሪኽካ ንጹር ንኽኸውን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሰነዳት ኣክብ። ንኣብነት፡
ፓስፖርትኻ ወይ ናይ መንነትካ መረጋገጺ፤
ብዛዕባ መገሻኻ ዝምልከቱ ሰነዳት፤
ብዛዕባ ስድራ-ቤትካ ዝምልከቱ ሰነዳት፤
ብዛዕባ ምፍርራሕ ወይ ጎነጽ ዝምልከቱ ሰነዳት፤
ሕክምናዊ ሰነዳት፤
ንታሪኽካ ዝድግፉ ስእልታት፣ መልእኽትታት ወይ ካልኦት መርትዖታት።
ዝኾነ ሰነድ የብልካን ድዩ? ስለዚ ንጠበቓኻ ከምኡ እውን IND ንምንታይ ሰነዳት ከምዘይብልካ ንገሮም።
ተወሳኺ ደገፍ ዘድልየካ እንተድኣ ኮይኑ ንገር
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ተወሳኺ ደገፍ የድልየካ/ኪ እዩ። ንኣብነት ብሰንኪ ጥዕናኻ፣ ስንባደ ኣእምሮ፣ ጥንሲ፣ ስንክልና፣ ወይ ጸገማት ስነ-ኣእምሮ።
ብዛዕባ እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ንጠበቓኻ ንገር። ንVluchtelingenWerk ወይ ንIND እውን ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ።
ብድሕሪኡ ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትትካን፣ ኣብ ዝተረፈ ናይቲ መስርሕን እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምዘድልየካ ክረኣይ ይኽእል።
መስርሕ ዶብ ቅልጡፍ ስለዝኾነ ሓደ ነገር እንተድኣ ዘይተረዲኡካ ቀልጢፍካ ሓገዝ ሕተት
መስርሕ ዶብ ካብቲ ስሩዕ መስርሕ ዑቕባ ንላዕሊ ዝያዳ ዝቐልጠፈ እዩ። ስለዚ ሓደ ነገር እንተድኣ ዘይተረዲኡካ ቀልጢፍካ ሓገዝ ክትሓትት ኣገዳሲ እዩ።
ብዛዕባ ቃለ-መሕትትካ፣ ሰነዳትካ፡ ወይ ኣብ እዋን መስርሕ ዶብ ዘለካ ጻንሖት ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ፣ ምስ ጠበቓኻ ወይ VluchtelingenWerk ተዘራረብ።