ምንጪ፡ Youssef Amakran
ዓንቀጽ

ምትላል ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 11/7/2025 4:45 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ገንዘብ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታ ንምርካብ ንኻልኦት ከታልሉ ዝፍትኑ ሰባት ኣለዉ። እዚ ድማ ምትላል ይበሃል። ዝኾነ ሰብ ግዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ሓድሽ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽአ ሰብ እውን። ስለዚ ምትላል ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፣ እንታይ ዓይነት ምትላላት ከምዘለዉን፣ እንተድኣ ኣጋጢሙካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ምትላል እንታይ እዩ?

ኣብ ምትላል ማለት ሓደ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘብካ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ክሰርቕ ይፍትን ማለት እዩ። እቲ ኣታላሊ እሙን መሲሉ ይቐርበካ፣ ንኣብነት ሸያጢ፣ ሰራሕተኛ ባንክ፣ ወይ ኣባል ስድራ-ቤት እውን ከይተረፈ። ናይ ብሓቂ ምዃኑ ንኽትኣምን ድማ ውሕሉል ብልሓት ይጥቀም። ሓደ ሓደ ግዜ ኣታለልቲ ኣዝዩ ሕያዋይ ብዝኾነን ብዘእምን ኣገባብ እዮም ዝዛረቡኻ። ክሕግዙኻ ከም ዝደልዩ ኣምሲሎም ይቐርቡኻ፣ እቲ ሓቂ ግን ገንዘብካ ወይ ሓበሬታ ክወስዱልካ እዮም ዝደልዩ።

ምትላል እንተድኣ ኣጋጢሙካ እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ምትላል ኣጋጢሙኒ እዩ ኢልካ እንተድኣ ሓሲብካ፣ ቀልጢፍካ ስጉምቲ ውሰድ። ቀልጢፍካ ግብረ-መልሲ ብዝገብርካ መጠን፣ ነቲ ጉድኣት ናይ ምንካይ ዕድልካ ይዛይድ። ነቲ ጉድኣት ንምንካይ ክትወስዶም ዘለካ ገለ ስጉምትታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  1. ምኽፋል ኣቋሪጽካ ብቕጽበት ናብ ባንክኻ ደውል፡ ምትላል ኣጋጢሙኒ ኢልካ ከም እትሓስብ ንገሮም። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ባንክ ነቲ ክፍሊት ደው ከብሎ፣ ወይ ነቲ ገንዘብ ክመልሶ ይኽእል እዩ።

  2. ኩሎም መርትዖታት ዓቅቦም፡ መልእኽትታት፣ ኢ-መይላት፣ ቁጽሪ ተሌፎናትን ቅብሊታት ክፍሊትን ዓቅቦም። እዚ ሓበሬታ ድማ ፖሊስ ወይ ባንክኻ ኣብ ዝገብርዎ መርመራ ይሕግዞም።

  3. ብዛዕብኡ ንፖሊስ ሓብር፡ ናብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ፖሊስ ኪድ፣ ወይ ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 0900-8844 ደውል። ዋላ ንሒደት ገንዘብ ዝምልከት ምስ ዝኸውን እውን ናብ ፖሊስ ጥርዓን ኣቕርብ። እዚ ድማ ፖሊስ ንኣታለልቲ ደልዩ ንምሓዝ ይሕግዞም።

  4. ናብ ናይ ምትላል ሰደቓ-ሓገዝ 'Fraudehelpdesk' ሓብር፡ ንሳቶም እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ብነጻ ምኽሪ ክህቡኻን፣ ተወሳኺ ጉድኣት ንኸይበጽሓካ ክሕግዙኻን እዮም።

  5. ንስድራ-ቤትካን ፈተውትኻን ንገር፡ ኣይትሕፈር። ምትላል ኣብ ዝኾነ ሰብ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ነዚ ተሞክሮ ብምክፋል፣ ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ጸገም ንኸየጋጥሞም ትሕግዞም።

ገዛእ-ርእስኻ ንምክልኻል ዝሕግዙ ምኽርታት

  • ኣብ ኢ-መይላት ወይ ናይ ተሌፎን ጽሑፍ መልእኽቲ ዝርከቡ ዘይትኣምኖም ሊንክታት ፈጺምካ ኣይትጠውቕ።

  • ፒንኮድካ፣ DigiD፣ ወይ ዝርዝር ሓበሬታታት ናይ ባንክኻ ንኻልእ ሰብ ፈጺምካ ኣይተካፈል።

  • ብመንገዲ ኣብቲ ሊንክ https:// ዝብል ዘለዎም ውሑሳት መርበባት-ሓበሬታ ጥራይ ክፈል።

  • ብዛዕባ ሓደ መልእኽቲ ወይ ሰብ ርግጸኛ ኣይኮንካን ዲኻ? ካብ ሓደ እትኣምኖ ሰብ ሓገዝ ሕተት።

  • ኩሉ ግዜ ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ፣ ወይ ቁጽሪ ተሌፎን ናይቲ እትረኽቦ ሰብ ተቖጻጸር።

  • ቅድሚ ምኽፋልካ ወይ ምጥዋቕካ ብጥንቃቐ ሕሰብ። ኣታለልቲ ቅልጡፍ መልሲ ክትህብ እዮም ዝደልዩኻ፣ እንተኾነ ግን ንስኻ ኩሉ ግዜ ሓደ ነገር ሕጋዊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ገለ ግዜ ውሰድ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር