ምንጪ፡ Shutterstock, Dutchmen Photography
ዓንቀጽ

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ወይ ኣብ ወደብ ዑቕባ ትሓትት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/20/2026 20:38

ብማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል፣ ካልእ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ከምኡ እውን ዑቕባ ክትሓትት ትደልይ ዲኻ፣ ግን ድማ ናብ ኔዘርላንድ ክትኣቱው ኣይፍቀደልካን ድዩ? ስለዚ ናብ Koninklijke Marechaussee (KMar) ሓብር፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ድማ ንገሮም።

ናብ Koninklijke Marechaussee ትሕብር

ማለት ወተሃደራዊ ፖሊስ ኔርዘላንድ ኣብ መዓርፎ ነፈርትን ወደባትን ይሰርሕ። ንኣብነት ኣብ Schiphol። KMar መን ናብ ኔዘርላንድ ክኣቱው ከም ዝፍቀደሉ ይምርምር።

ናብ KMar ድሕሪ ምሕባርካ፣ ንሳቶም ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ክምዝግብዎ እዮም። ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ድማ ካባኻ ይሓቱ፡

  • ስምካ፣ ዕለት ልደትካን ዜግነትካን

  • ስእልኻ

  • ኣሰር ኣጻብዕትኻ

  • KMar ክዳውንትኻን ሻንጣኻን ክምርምሩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ መንነትካ ንምርግጋጽ፣ ንመመልከቲ ዑቕባኻ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሰነዳት ንምርካብ፣ ወይ ምስ ውሕስነት ብዝተሓሓዝ ምኽንያት እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሰነዳትካ ወይ ንብረትካ ንግዚኡ ይውሰዱ። ኩሉ ግዜ ስለምንታይ እዚ ይፍጸም ከምዘሎ ሕተት፣ ከምኡ እውን KMar ሰነዳት ወይ ንብረት ካባኻ እንተድኣ ወሲዶም፣ ብጽሑፍ መርትዖ ሕተት። ነዚ ወረቐት ብግቡእ ኣቐምጦ። ነዞም ነገራት ድሒርካ ነቲ ወረቐት ከም መርትዖ ተጠቒምካ ክትወስዶም ትኽእል ኢኻ። KMar ትሕዝቶ ተሌፎንካ፣ ላፕቶፕካ ወይ ታብሌትካ ስቕ ኢሎም ብቀሊሉ ክፍተሽዎ ኣይክእሉን እዮም። ተሌፎንካ፣ ላፕቶፕካ ወይ ታብሌትካ ከተረክቦም እንተድኣ ተሓቲትካ፣ ከምኡ ክትገብር ትግደድ ምዃንካን ዘይምዃንካን ሕተት። ከምኡ እውን መጀመርታ ምስ ጠበቓኻ ወይ ምስ VluchtelingenWerk ክትዘራረብ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ሕተት።

  • KMar ብዛዕባ መንገዲ መገሻኻ፣ ከምኡ እውን ኣቀዲምካ ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ዘመልከትካ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ስድራ-ቤት ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ሕቶታት ይሓቱኻ።

KMar ነዚ ኩሉ ሓበሬታ ካባኻ ድሕሪ ምእካቡ፣ ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ትፍርመሉ። እዚ ድማ ቅጥዒ-M35H ይበሃል። ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ብወግዒ ኣመልኪትካ ኣለኻ ማለት እዩ።

ኣብ ዶብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ተመልክት ብምህላውካ ፍሉይ መስርሕ ዑቕባ ኢኻ እትኽተል

ድሕሪ ምምዝጋብካ፣

መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ኣብ ‘መስርሕ ዶብ’ ይግምግሞ። እዚ መስርሕ እዚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ ምስ በጽሑ ዑቕባ ንዝሓቱ ሰባት ዝዓለመ እዩ።

መስርሕ ዶብ ካብቲ ናብ ኔዘርላንድ ብመሬት ዝኣተኻ ምስ እትኸውን ዝካየድ መስርሕ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ተር ኣፐል ዲኻ ተመዝጊብካ? ስለዚ IND እቲ መመልከቲኻ ኣብ ስሩዕ መስርሕ ዑቕባ፣

ወይ ካልእ መስርሕ ዝምደብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይግምግም። ኣብ ዶብ ዲኻ ዑቕባ ትሓትት ዘለኻ? ስለዚ IND ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣብ ናይ ዶብ መስርሕ ክምስራሕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይግምግም።



ሕጂ

ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ክግምግሞ እዩ። ነዚ ኣብ 'መስርሕ ዶብ' እዮም ዘካይድዎ። እዚ ስም ናይቲ ብነፋሪት ወይ ብባሕሪ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጻእካ ምስ እትኸውን ኣብ ዶብ ዝካየድ መስርሕ ዑቕባ እዩ። እዚ ካብቲ ናብ ኔዘርላንድ ብመሬት ዝመጻእካ ምስ እትኸውን ዝካየድ መስርሕ ዝተፈልየ እዩ። ናብ ኔዘርላንድ ብመሬት እንተድኣ መጺእካ ንቡር መስርሕ ኢኻ እትኽተል። እዚ ድማ ‘ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። 

ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ከምኡ እውን ንበይንኻ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ ናብ መስርሕ ዶብ ኣይትኣቱውን ኢኻ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ዘለዎ ስድራ-ቤት ሒዝካ ናብ ኔዘርላንድ እንተድኣ መጺእካ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል ዝካየድ መስርሕ ዶብ ኣይትኣቱውን ኢኻ። ከምኡ እውን IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ መስርሕ ዶብ ንምክያድ ኣዚኻ ተቓላዓይ ኢኻ ኢሉ ዝሓስብ ምስ ዝኸውን ኣብ መስርሕ ዶብ ኣይትኣቱውን ኢኻ። እዚ ድማ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ምስ ዝህልወካ፣ ወይ ግዳይ (ጾታዊ) ዓመጽ እንተድኣ ኮይንካ/ኪ ከምኡ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ ክግበረልካ እዩ፣ ናብቲ ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ድማ ክትውሰድ ኢኻ። 

መስርሕ ዶብ ካብቲ ኣብ ተር ኣፐል ዝካየድ መስርሕ ዝተፈልየ እዩ

ኣብ እዋን መስርሕ ዶብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዕጹው መዕቆቢ ቦታ ኢኻ ትጸንሕ። ኣብ Schiphol፣ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ Justitieel Complex Schiphol (JCS) እዩ። ካብዚ ቦታ ባዕልኻ ክትወጽእ ኣይፍቀደልካን እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ገና ናብ ኔዘርላንድ ክትኣትው ፍቓድ ስለ ዘይረኸብካ እዩ።

መስርሕ ዶብ ካብቲ ስሩዕ መስርሕ ዑቕባ ዝቐልጠፈ እዩ። IND ኣብ ውሽጢ 5 ሳምንታት ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ክውስን ኣለዎ።

IND ንመመልከቲኻ ነጺግዎ ድዩ? ስለዚ ይግባይ ክትብል 1 ሰሙን ኣለካ። ብድሕሪኡ ቤት-ፍርዲ ብዛዕባ ይግባይካ ውሳነ ንኽህብ 6 ሳምንታት ኣለዎ። ይግባይ እንተድኣ ኣቕሪብካ ድማ፣ እቲ መስርሕ ዶብ እንተበዝሐ 12 ሳምንታት ይወስድ።

እዚ ናይ ግዜ ገደባት ግዴታ እዩ። IND ኣብ ውሽጢ 5 ሳምንታት ውሳነ እንተድኣ ዘይሂቡ፣ እቲ መስርሕ ዶብ ደው ክብል ኣለዎ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ዕጹው መዕቆቢ ቦታ ክትጸንሕ ኣየድልየካን እዩ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ድማ ብምቕጻል ኣብ ካልእ መስርሕ ዑቕባ ክምስራሕ እዩ።

ቤት-ፍርዲ ኣብ ውሽጢ 6 ሳምንታት ብዛዕባ ይግባይካ እንተድኣ ዘይወሲኑ እውን፣ እቲ መስርሕ ዶብ ደው ክብል ኣለዎ።

እቲ መስርሕ ዶብ ቀልጢፉ ክካየድ ይኽእል

መስርሕ ዶብ ካብቲ ስሩዕ መስርሕ ዑቕባ ዝቐልጠፈ እዩ። ስለዚ ንዝመጸካ ደብዳቤታት ኣጸቢቕካ ክትከታተሎን፣ ሓደ ነገር እንተድኣ ዘይተረዲኡካ ቀልጢፍካ ሓገዝ ክትሓትትን ኣገዳሲ እዩ።

ካብ ምጅማር መስርሕ ዶብ ጀሚሩ ጠበቓ ክትምደበልካ እዩ። ብዛዕባ መስርሕካ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ፣ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ጠበቓኻ ወይ ምስ VluchtelingenWerk ተዘራረብ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር