ምንጪ፡ Shutterstock, Stockfoto www.hollandfoto.net
ዓንቀጽ

IND ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣብ መስርሕ ዶብ ዝካየድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይምርምር

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/20/2026 13:28

ኣብ ወተሃደራዊ ፖሊስ ኔዘርላንድ (Koninklijke Marechaussee) ምስ ተመዝገብካ፣ IND ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣብ መስርሕ ዶብ ክምስራሕ ምዃንኑን ዘይምዃኑን ይግምግም። IND እንታይ ከም ዝርእይ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ IND መዓስ ካልእ መስርሕ ዑቕባ ንኹነታትካ ዝያዳ ዝሰማማዕ ምዃኑ ክውስን ከም ዝኽእል እውን ከተንብብ ኢኻ።

IND ንኩነታትካ ይምርምር

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣብ መስርሕ ዶብ ዝካየድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይምርምር። IND ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ይርኢ፡

  • መን ምዃንካ፤

  • ዕድመኻ፤

  • በይንኻ ዲኻ መጺእካ ወይስ ምስ ስድራ-ቤትካ፤

  • ምሳኻ ዝተጓዓዙ ቆልዑት ኣለዉኻ ድዮም የብልካን፤

  • ጥዕናኻ፤

  • ተወሳኺ ደገፍ ዘድልየካ ምዃኑን ዘይምዃኑን፤

  • IND ንመመልከቲኻ ኣብ ውሽጢ መስርሕ ዶብ ከመስርሖ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን።

ሓደ ሓደ ግዜ መመልከቲኻ ኣብ መስርሕ ዶብ ይጸንሕ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ IND ዝተፈለየ መስርሕ ዑቕባ ዝያዳ ግቡእ ምዃኑ ይውስን።

መብዛሕትኡ ግዜ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ኣብቲ መስርሕ ዶብ ኣይኣትዉን እዮም

ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ፣ ከምኡ እውን ንበይንኻ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ናብቲ መስርሕ ዶብ ኣይትኣቱን ኢኻ።

ምስ ስድራኻ ዲኻ መጺእካ፣ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ድማ ኣለዉኻ ድዮም? ኣብ ከምኡ ኩነታት፣ IND መብዛሕትኡ ግዜ ንመመልከቲኻ ኣብ መስርሕ ዶብ ኣየመስርሖን እዩ። ስለዚ ድሕሪኡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ መዕቆቢ ቦታ ክትከይድ ኢኻ። ብድሕሪኡ IND ንመመልከቲኻ ኣብ ስሩዕ መስርሕ ዑቕባ ወይ

ዝኣመሰለ ዝተፈለየ መስርሕ ዑቕባ ከመስርሖ እዩ።

ከም ዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ሓደ ሓደ ግዜ IND ንመመልከቲታትኩም ኣብ ውሽጢ መስርሕ ዶብ የመስርሖም እዩ። ንኣብነት፣ IND ብሓቂ ነንሓድሕድኩም ስድራ-ቤት ኣይኮንኩምን ዝብል ጥርጣረ ምስ ዝህልዎ።

ተቓላዕቲ ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መስርሕ ዶብ ኣይጸንሑን እዮም

IND ኣዚኻ ተቓላዒ ማለት ተኣፋፊ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ መስርሕ ዶብ ንኸይትጸንሕ ክውስን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብሰንኪ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት፣ ሕክምናዊ ጸገማት ወይ ግዳይ ዓመጽ ስለ ዝኾንካ/ኪ።

ተወሳኺ ሓገዝ እንተድኣ ዘድልየካ ኮይኑ፣ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ንጠበቓኻ ወይ ንVluchtelingenWerk ንገር።

ኣብ መስርሕ ዶብ ዘይትጸንሕ እንተድኣ ኮይንካ

IND መመልከቲኻ ኣብ መስርሕ ዶብ ምምስራሕ ከም ዘይቕጽል ወሲኑ ድዩ? ስለዚ ድሕሪኡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ መዕቆቢ ቦታ ክትከይድ ኢኻ።

ብድሕሪኡ ብምቕጻል ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ብዝተፈልየ መስርሕ ዑቕባ ክምስራሕ እዩ። IND ኣየናይ መስርሕ ከም ዝምልከተካ ክሕብረካ እዩ።

እቲ መስርሕ እንተድኣ ዘይተረዲኡካ ሓገዝ ሕተት

ካብ መጀመርታ መስርሕ ዶብ ጀሚሩ ጠበቓ ክምደበልካ እዩ። ስለምንታይ ኣብ መስርሕ ዶብ ከም ዘለኻ ኣይተረድኣካን ድዩ? ወይ ንምንታይ ናብ ካልእ መስርሕ ትሰጋገር ከም ዘለኻ ኣይተረድኣካን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን፣ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ።

ካብ VluchtelingenWerk ሓገዝ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ምስ IND ዝግበር ቃለ-መሕትት ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ኣሎ

ሰራሕተኛ ናይ IND ነቶም ሕቶታት ብቋንቋ ኔዘርላንድ እዩ ዝሓትት። እቲ ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ሕቶታት ክትርጉመልካ እዩ። ንመልስታትካ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትርጉሞም እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ከምኡ እውን እቲ ኣተርጓሚ ናይ IND ሰራሕተኛ ኣይኮነን፣ ኣብቲ ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝግበር ውሳነ ድማ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን።

ሓደ ሓደ ግዜ ካልእ ላህጃ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ትረክብ። ንስኻን እቲ ተርጓሚን ብግቡእ ዘይትረዳድኡ እንተድኣ ኮይንኩም፣ ብቕልጡፍ ከምኡ በል። ንስኻን እቲ ኣተርጓሚን ብግቡእ ዘይትረዳድኡ ብሰንኪ ምዃንኩም፣ ዝኾነ ዘይምርድዳእ ከይፍጠር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ እዋን እዚ ቃለ-መሕትት ዝኾነ ጠበቓ የለን

እዚ 1ይ ቃለ-መሕትት ብዘይ ጠበቓ በይንኻ ኢኻ ምስ IND እትገብሮ። 2ይ ቃለ-መሕትት ክትገብር ቁሩብ ግዜ ምስ ተረፈካ ጥራይ እዩ ጠበቓ ዝምደበልካ።

ኣብቲ ምስ IND እትገብሮ 1ይ ቃለ-መሕትት ከምቲ ኣብ 2ይ ቃለ-መሕትት እትብሎ ክትነግር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቕንዕና ንገር። ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ IND ኣብዚ ቃለ-መሕትት ድሮ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝነገርካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ።

ኣብ ኩሎም ምስ IND እትገብሮም ኣፋዊ ዝርርባት ምሳኻ መዘኻኸሪ ጽሑፋት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ኣገደስቲ ዕለታት ንምዝካር ናይ ግዜ መስመር ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ። ዕለት ኣይትፈልጦን ዲኻ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንIND ብቕንዕና ንገር። ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ከተቕርብ ድማ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ሰነዳት ብኸምዚ ኢኻ ናብ IND እተረክብ

ኣብዚ ገጽ ኣየኖት ሰነዳት ናብ IND ከተረክብ ከም እትኽእል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከም እተረክቦም ድማ።



ኣብ ዝሓጸረ መስርሕ እትኣቱው ክትከውን ትኽእል ኢኻ

IND ካብ ውሑስ መበቆል ሃገር ከም ዝመጻእካ ይኣምን ድዩ? ሽዑ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ዘይትወሃበካ ጽቡቕ ዕድል ኣሎ። IND ንሕቶ ዑቕባኻ ብዝቐልጠፈ ኣገባብ የሰላስሎ። ምስ IND ሓደ ቃለ መሕትት ጥራይ እዩ ክህልወካ። ብድሕሪኡ IND ውሳነ ይወስድ። እዚ ድማ ቅልጡፍ ኣገባብ ዑቕባ ይበሃል።


IND ኣቀዲምካ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ኣመልኪትካ ነይርካ ኢሉ ድዩ ዝሓስብ? ወይ ናይ ካልእ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ኢሉ ድዩ ዝሓስብ? ስለዚ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ

እዩ ዘመስርሖ። ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ጥራይ ይህልወካ። ብድሕሪኡ ድማ IND ውሳኔ ይህብ። 



እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር