
ምስ IND ንዝግበር ቃለ-መሕትት ምድላው
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት፣ ስለምንታይ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ትሓትት ከም ዘለኻ ትገልጽ። IND ነዚ መስርሕ ምስማዕ ኢሉ እውን ይጽውዖ። ብኸመይ ከም እትዳሎው፣ ብኸመይ ታሪኽካ ብንጹር ከም እትነግርን፣ ኣየኖት ሰነዳት ኣገደስቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ከተንብብ ኢኻ።
ብዛዕባ ውልቃዊ ታሪኽካ ኣጸቢቕካ ብግቡእ ሕሰብ
ስለምንታይ ኢኻ ካብ ሃገርካ ወጺእካ?
ንዓኻ ብውልቂ እንታይ ኣጋጢሙካ?
ክትምለስ ዘለካ ምስ እትኸውን እንታይ የፍርሓካ?
መን ወይ እንታይ እዩ ዘስግኣካ?
ኣብ ሃገርካ ሓገዝ ሓቲትካ ዲኻ?
ስለምንታይ ኣብኡ ውሕስነት ማለት ድሕነት ኣይነበርካን?
ብኸመይ ናብ ኔዘርላንድ ተጓዒዝካ?
ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊ ሃገር ኣባላት ስድራ-ቤት ኣለዉኻ ድዮም?
ኣገደስቲ ፍጻመታት ንዓኻ ክኾነካ ጽሓፎም። ንኣብነት ኣስማት፣ ቦታታትን ዕለታትን። ዕለት ብልክዕ ኣይትፈልጦን ዲኻ? ስለዚ ብዛዕባኡ ብቕንዕና ተዛረብ።
ናይ ህድማ ታሪኽካ ጸሓፎ፣ ከምኡ እውን እትፈልጦ ብቕንዕና ንገር
ምስ IND ኣብ እትገብሮ 2ይ ቃለ-መሕትት ንምንታይ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ትሓትት ከምዘለኻ ትገልጽ ኢኻ። ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ ስለምንታይ ሓደገኛ ምዃኑ እውን። ሓደ ሓደ ግዜ ምስ IND 1ይ ቃለ-መሕትትካ ክሳብ ትገብር ነዊሕ ግዜ ይወስድ እዩ፣ ስለዚ ሽዑኡ ነገራት ክትርስዕ ወይ ብዝርዝር ብዙሕ ዘይትዝክሮም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኸይትርስዕ ንምርግጋጽ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ክትገብር ትኽእል፡
1. ናይ ህድማ ታሪኽካ ብዝርዝር ብቅኑዕ ቅደም ተኸተል ግዜ ጸሓፎ
ንኹሎም ካብ ሃገርካ ክትወጽእ ዘገደዱኻ ሓፈሻዊን ውልቃዊን ፍጻመታት ጸሓፎም። ዕለታት፣ ቦታታት፣ ኣብቲ ጉዳይ ናይ ዝተሳተፉ ሰባት ወይ ኣካላት ኣስማትን፣ ካልኦት ኣገደስቲ ዝርዝራትን ጸሓፍ።
2. ኣገደስቲ ዝርዝራት ምእንቲ ከይትርስዕ ንታሪኽካ ተመሊስካ ኣዘውቲርካ ኣንብብ
ምስ ምሕላፍ ግዜ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ልክዕ ቅደም ተኸተል ናይ ፍጻመታት ክትርስዖ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ወይ ድማ ንዓኻ ሒደት ኣገዳስነት ዘለዎም፣ ግን ድማ ንIND ኣገደስቲ ዝኾኑ ዝርዝራት ክትርስዕ ትኽእል። ነዚ ኣጸቢቕካ ክትዝክሮ ፈትን። ናብቲ ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት እንታይ ከተምጽእ ዝፍቀደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን፣ ንጠበቓኻ ወይ ንVluchtelingenWerk ሕተት።
3. ነቲ እትፈልጦ ብቕንዕና ንገር
ምስ IND ኣብ እትገብሮ ቃለ-መሕትት፣ እንታይ ከም ዘጋጠመ ክትገልጽ ኢኻ። ኩሉ ነገር ብልክዕ እንተድኣ ዘይፈሊጥካዮ ንቡር እዩ። ንኣብነት፣ ሓደ ነገር ቅድሚ ነዊሕ እዋን ስለ ዘጋጠመ፣ ብሰንኪ ዘጋጠመከ ብዙሕ ጸቕጢ፣ ወይ ብዛዕባ ተመኩሮኻ ክትዛረብ ስለ ዝኸብደካ። ኣብ እዋን እቲ ቃለ-መሕትት፣ ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ከምኡ በል፡
ሕቶ እንተድኣ ዘይተረዲኡካ፤
ነቲ ኣተርጓሚ ብግቡእ እንተድኣ ዘይተረዲእካዮ፤
ብዛዕባ ሓደ ነገር ርግጸኛ እንተድኣ ዘይኮንካ፤
ሓደ ነገር እንተድኣ ረሲዕካዮ፤
ዕረፍቲ ዘድልየካ እንተድኣ ኮይኑ፤
ብዛዕባ ሓደ ነገር ክትዛረብ ዝኸብደካ እንተድኣ ኮይኑ።
ነቲ እትፈልጦ ብዝተኻእለ መጠን ብንጹር ንገር። ንሓደ ነገር ደጊም ብልክዕ ኣይትዝክሮን ዲኻ? ብዛዕብኡ ብቕንዕና ተዛረብ። ብዛዕባ እዚ ምስ ጠበቓኻ ወይ VluchtelingenWerk እውን ተዘራረብ።
4. ናይ ህድማ ታሪኽካ ዝድርዕ መርትዖ ኣክብ
ንታሪኽካ ዝድግፉ ሰነዳት ኣክብ። እዚኦም ስእልታት፣ ጸብጻባት ሕክምና፣ ወግዓዊ ሰነዳት፣ ዓንቀጻት ጋዜጣታት፣ ወይ ድማ ነቲ ታሪኽ ዘረጋግጹ ናይ መሰኻኽር መግለጺታት ክኾኑ ይኽእሉ። ኦርጅናል ሰነዳት ክህልወካ እውን ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ IND ንዕኦም ናይ ምእማን ተኽእሎኡ ዝለዓለ እዩ።
እዞም ሰነዳት እናሃለዉኻ፣ IND ሕጂ እውን ገና ንታሪኽካ ዘይኣምኖ ክኸውን፣ ወይ ድማ እቶም ሰነዳት እኹል መርትዖ ዘይኮኑ ክኾኑ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ስለዚ ሰነዳት ዘለካ ምዃን ማለት ዘመልከትካዮ ዑቕባ ብኣውቶማቲክ ይጸድቕ ማለት ኣይኮነን። ይኹን እምበር፣ ሰነዳት ታሪኽካ ንምርግጋጽ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ህድማ ታሪኽካ ብኸመይ ብዝርዝር ከም እትጽሕፎ ዘብርህ ኣብነት
ኣብታ ኣነ ዝመጻእኩላ ከተማ ካብ ዝርከብ ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ኣስታት ክልተ ሚእቲ ሜትሮ ርሒቕካ ሓደ መደበር ፖሊስ ኣሎ። ፖሊስ መዓልታዊ ኣብኡ ኮለል ይብሉ እዮም፣ ናብቲ ቤት-ጽሕፈት ንዝኸዱ ሰባት ድማ ይቖጻጸሩ። ከባቢ ሓደ ግዜ ኣብ ሰሙን ንበይነይ ተፈልየ ይውሰድ ነይረ፣ ኣባል ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምዃነይ ስለ ዝፈለጡ ድማ ምፍርራሕ ይበጽሓኒ ነይሩ። ሽዕኡ ንሳቶም፡ “ኣንታ ረሳሕ ክንቀትለካ ኢና፣ ብድሕሪኡ ድማ ካባኻ ነዕርፍ” በሉኒ። ከምኡ እውን፡ “ንስኻትኩም ነዚ ፖለቲካዊ መንገዲ እትኽተሉ ሰባት ክንውድኣኩም ኢና፣ ክንቀትለኩም ኢና።” በሉኒ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ፖሊስ ሽጉጡ ኣውጺኡ ንሓደ ኣነ ዝፈልጦ ሰብ ተኲሱ ኣውዲቕዎ። እቲ ፖሊስ ንገዛእ-ርእሱ ክከላኸል ከምኡ ከም ዝገበረ ተዛሪቡ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ እዋናት ይፈርሕ ነይረ፣ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ብዙሕ ግዜ የጋጥም ስለ ዝነበረ፣ ንዓኻ መዓስ ከምኡ ከጋጥመካ ከም ዝኽእል ድማ ኣይትፈልጥን ኢኻ።
ኣብነት ክትእክቦ እትኽእል ናይ ህድማ ታሪኽካ ዝድርዕ መርትዖ
ንናይ ህድማ ታሪኽካ ዝኸውን መርትዖ ናይ ምእካብ ኣብነት
ካብ ኣሕዋተይ ሓደ ብጥይት ተሃሪሙ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ተቐቲሉ። ስለምንታይ ከም ዝተቐትለ ብልክዕ ኣይፈልጥን እየ፣ ግን ልክዕ ከማይ ኣባል ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ስለ ዝነበረ ይመስለኒ። ስለዚ እየ ድማ ናይ ሓወይ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ንIND ዘረክብ ዘለኹ። ብተወሳኺ ኣባላት ናይቲ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ዝነበርና እውን መርትዖ ኣለኒ። ብዛዕባ ቅትለት ናይ ሓወይ ዝገልጽ ዓንቀጽ እውን ኣብ ጋዜጣ ተጻሒፉ ነይሩ እዩ። ድሕሪ እቲ ቅትለት፣ ብዛዕባ ኣብቲ ውድብ ዘለኒ ኣባልነት ሕቶታት ክሓቱ ሰባት ናብ ገዛይ መጺኦም ነይሮም። ድሒሮም ድማ ናይ ምፍርራሕ ደብዳቤ ሰዲዶምለይ። ንዓኣ ኸኣ ዓቂበያ ጸኒሐ።
ናይ ህድማ ታሪኽካ ወይ መስርሕ ዑቕባኻ ንምድራዕ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
ካብ ጠበቓታት ወይ ካብ VluchtelingenWerk Nederland ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ሕጋዊ ምኽሪ ክህቡኻ ወይ ድማ ታሪኽካ ንምድራዕን ንምሕያልን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ሽዕኡ VluchtelingenWerk Nederland ምሳኻ ብሓባር ብምዃን
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ተወሳኺ ሓገዝ የድልየካ እዩ። ንኣብነት ብሰንኪ ጥዕናኻ፣ ዕድመኻ፣ ዘለካ/ኪ ስንባደ፣ ጥንሲ፣ ስንክልና፣ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገማት። ብዛዕባ እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ንIND፣ ጠበቓኻ ወይ VluchtelingenWerk ንገር። ስለዚ ድሕሪኡ እንታይ ሓገዝ ከም ዘድልየካ ክግምግሙ ይኽእሉ።
ኣብ ቅልጡፍ መስርሕ ዑቕባ እንተሃሊኻ ኣቓልቦ ግበር
ኣብ
ስለዚ ሓደ ነገር እንተድኣ ዘይተረዲኡካ፣ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ካብ ጠበቓኻ ወይ VluchtelingenWerk ሓገዝ ሕተት።
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ መሰላት ኣለዉኻ
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ እንተድኣ ሓቲትካ መሰላት ኣለዉኻ። ዝኾነ ካብዞም መሰላት ዝተጣሕሰ ኣሎ ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንጠበቓኻ፣ ወይ ኣብ ቦታኻ ንዝርከብ VluchtelingenWerk ሓብር። እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ክትፈልጦም ዘለካ ዝያዳ ኣገደስቲ እዮም፡
መሰል ሕጋዊ ሓገዝ
መሰል ሕጋዊ ሓገዝ
ብነጻ ጠበቓ ክትረክብ መሰል ኣለካ።
መሰል ኣተርጓሚ
ቋንቋኻ ዝዛረብ ኣተርጓሚ ክትረክብ መሰል ኣለካ። እንተኾነ ግን እዚ እንተዘይተረኺቡን፣ ካልእ ቋንቋ ወይ ላህጃ ትዛረብ ምስ እትኸውንን፣ ቃለ-መሕትታት በቲ ካልእ ቋንቋ ዝካየዱ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
መሰል ሓበሬታ
ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባን ኣካይዳኡን ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እዚ ማለት ኣየኖት ውድባት ተራ ከም ዘለወንን፣ ናይቲ መስርሕ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ኣየኖም ምዃኖምን ብዝምልከት መብርሂ ትረክብ ማለት እዩ። ኣብ እዋን እቲ መስርሕ ካባኻ እንታይ ትጽቢት ከምዝግበር ብዝምልከት እውን። እዚ ሓበሬታ ካብ VluchtelingenWerk Nederland ኢኻ እትረኽቦ።
መሰል ብሕትና
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ናይ ብሕትናን ምስጢራዊነትን መሰል ኣለካ። እዚ ማለት እቲ ንIND ከምኡ እውን ጠበቓኻ እትህቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ መንግስቲ ምስ ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣካላት ኣይካፈልን ማለት እዩ።
መሰል ርትዓዊ ኣተሓሕዛ
ብIND ጥንቁቕን ውልቃዊ ዝኾነን ገምጋም ንኽግበረልካ መሰል ኣለካ። IND ብመሰረት ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ጾታ፣ ዜግነት፣ ጾታዊ ምርጫ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ካልኦት ረቛሒታት ኣድልዎ ክገብር ኣይፍቀደሉን እዩ።
ናይ ይግባይ መሰል
ናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተድኣ ተነጺጉ፣ ኣንጻር እቲ ውሳኔ ይግባይ ናይ ምቕራብ መሰል ኣለካ። ነዚ ውሳኔ ኣብ ቤት-ፍርዲ ንኽትምጒቶ ሕጋዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።