
ኣብ ኤውሮጳዊት ሃገር እንተድኣ ተመዝጊብካ ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ኣለካ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ተርኣፐል ወይ ኣብ Schiphol ድሕሪ ምምዝጋብካ፣ ምስ IND 1 ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። እዚ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዘመልከትካዮ ዑቕባ ዝምልከት እዩ።
ኣብዚ ቃለ-መሕትት፣ IND ኣየነይቲ ሃገር ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ከተመስርሕ ከም ዘለዋ ንምንጻር ሕቶታት ክሓተካ እዩ።
ምልናባት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ኣቕሪብካ ትኸውን፣ እንተኾነ ግን IND ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ካልእ ሃገር ከተመስርሖ ኣለዋ ኢሉ ዝኣምነሉ ምኽንያታት ይህልዎ። እዚ ንኣብነት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ እንተድኣ ኣቲኻ እዩ። ስለዚ ድሕሪኡ IND ኣብ ካልእ ሃገር እንተድኣ ዘይተመዝገብካ ኮይንካ፣ ብኸመይ ናብ ኔዘርላንድ ከም ዝተጓዓዝካ ክፈልጥ ይደሊ።
ኣብ ካልእ ሃገር
ኣብ እዋን እቲ ምስ IND እትገብሮ ቃለ-መሕትት ሓደ ኣተርጓሚ ተረኺቡ ሕቶታት ናይቲ ሰራሕተኛ IND ክትርጉመልካ እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ንIND ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ድማ ክሕግዘካ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣተርጓሚ ገለልተኛ እዩ፣ ነቲ ናይ IND ሕቶታት ጥራይ እዩ ዝትርጉመልካ። ነቲ ኣተርጓሚ ብግቡእ ክትርድኦ እንተድኣ ዘይክኢልካ ኣብ ምጅማር እቲ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እዚ ንገር። ብንጹር ክትርድኦ ኣገዳሲ እዩ።
ደቅኻ ብደብዳቤ ርእይቶኦም ክገልጹ ወይ ናብቲ ቃለ-መሕትት ክመጽኡ ይኽእሉ
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ሒዝካ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ ልዕሊ 12 ዓመት እንተድኣ ኮይኖም፣ ንሳቶም እውን ብደብዳቤ ወይ ኣብቲ ምስ IND ዘለካ ቃለ-መሕትት ርእይቶኦም ክህቡ ይኽእሉ እዮም።
ንስኻ ንባዕልኻ ቆልዓ ዲኻ፣ ብዘይ ወለድኻ ወይ ኣላዪ ድማ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ ተጓዒዝካ? ስለዚ ጽቡቕ እንተድኣ ተሰሚዑካ ምስ IND ናይ ገዛእ-ርእስኻ ቃለ-መሕትት ክትገብር ኢኻ።
ጽማቕን ምቕዳሕን ናይቲ ቃለ-መሕትት
ኣብ መወዳእታ እቲ ቃለ-መሕትት፣ እቲ ሰራሕተኛ ናይ IND ጽማቕ ናይቲ ቃለ-መሕትት የንብብ። እቲ ኣተርጓሚ ድማ ነዚ ይትርጉሞ። ድሕሪኡ ብቕጽበት ጌጋታት ክትሕብርን ተወሳኺ ሓበሬታ ክትህብን ትኽእል ኢኻ። እቲ ምስ IND ዝተገብረ ቃለ-መሕትት ድምጹ ይቕዳሕ እውን እዩ። ጠበቓኻ እውን ተመሊሱ ክሰምዖ ይኽእል እዩ።