
IND ኣብ ዝቐልጠፈ መስርሕ ውሳኔ ይወስድ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
IND ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ውሳነ ዝህብ ምሳኻ ብዝገበሮ ቃለ መሕትትን ዘቕረብካዮም ሰነዳትን ከምኡ እውን ብናይ ገዛእ ርእሱ መርመራን ሓበሬታን መሰረት እዩ።
IND ንመመልከቲኻ እንተድኣ ዘየጽደቖ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ
IND ቅድሚ ውሳነ ምሃቡ ተወሳኺ መርመራ ከምዘድሊ ይኣምን። ብድሕሪኡ እቲ IND ንመመልከቲኻ ብዝያዳ ብመሰረት ሓፈሻዊ ኣገባብ ዑቕባ ከሰላስሎ እዩ። ናብ ካልእ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ትሰጋገር ኣለኻ።
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ይነጽጎ። ስለዚ ኣሉታዊ ውሳኔ ትቅበል፣ ካብ ኔዘርላንድ ድማ ክትወጽእ ኣለካ። ጠበቓኻ ገና ኣብ ክንዳኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ። ሽዕኡ ቤት-ፍርዲ፣ IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ከምቲ ሕጊ ኔዘርላንድ ዝጠልቦ ብግቡእ ዘመስርሖ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክግምግም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንውሳኔ ቤት-ፍርዲ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበን፣ ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ምንባር ክትቅጽልን ትኽእል ኢኻ።
ቤት-ፍርዲ ምስ ውሳኔ ናይ IND ይሰማማዕ ድዩ?
ስለዚ ብቕጽበት ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ። ደጊም መዕቆቢ ክትረክብ መሰል የብልካን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናይ ምእታው እገዳ ይግበረልካ። እዚ ማለት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምውጻእካ፣ ደጊም ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትኣቱው ኣይፍቀደልካን ማለት እዩ። ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ድማ ናብ ሓደ ማእከል መዕቆቢ ትግዕዝ።
ቤት-ፍርዲ ምስ ውሳኔ ናይ IND ኣይሰማማዕን ድዩ?
ስለዚ IND ንመመልከቲኻ ብኻልእ መስርሕ እውን ከመስርሖ እዩ። ናብ ካልእ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ትሰጋገር፣ ከምኡ እውን IND ሓድሽ ውሳኔ ይወስድ።
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ የጽድቖ። ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትጸንሕ ድማ ይፍቀልደካ።
ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ከም ዝጸደቐ ዝገልጽ ደብዳበ ክመጸካ እዩ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ ካብታ ዑቕባ ዘመልከትካላ ዕለት ጀሚሩ ን3 ዓመት ዝጸንሕ እዩ። ድሕሪ 3 ዓመት መንበሪ ፍቓድካ ከተሐድሶ ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ውን ን3 ዓመት።