
ብገበን ትጥርጠር እንተድኣ ኮይንካ ዑቕባ ምሕታት (1F)
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንኽትረክብ፣ መበቆል ሃገርካ ንዓኻ ኣዝያ ሓደገኛ ምዃና ብመርትዖ ከተረጋግጽ ኣለካ። እንተኾነ ግን ዋላ ነዚ ብመርትዖ ከተረጋግጽ እንተኸኣልካ እውን፣ ገና ዑቕባ ንምርካብ ክትንጸግ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣብነት ብገበናት ኲናት፣ ግብረ-ሽበራ፣ ስቅያት ሰባት ወይ ብኻልኦት ኣንጻር ሰብኣውነት ገበናት እንተድኣ ትጥርጠር ኮይንካ እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድ ሓለዋ ንምርካብ ብርክት ዝበሉ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ
ኔዘርላንድ
ኣዝዩ ከቢድ ገበን እንተድኣ ፈጺምካ ሓለዋ ኣይክትረክብን ኢኻ
ኣዝዩ ከቢድ ገበን እንተድኣ ፈጺምካ፣ ዋላ ኣብ ሃገርካ ኣብ ሓደጋ ትርከብ ምስ እትኸውን እውን ሓለዋ ንኽትረክብ መሰል ከምዘይብልካ ኣብ ዓንቀጽ 1F ናይ ዋዕላ ስደተኛታት ተገሊጹ ይርከብ። ንኣብነት ገበናት ኲናት ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 1F ይምደቡ፣ እንተኾነ ግን ግብረ-ሽበራ፣ ስቅያት ሰባትን፣ ከም በዓል ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ካልኦት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን እውን ኣብ ትሕቲኡ ይምደቡ።
IND ንኩነታትካ ይምርምር
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ እንተድኣ ኣመልኪትካ፣
ነዞም ገበናት ዝፈጸምካ ገበነኛ ምዃንካ ንምግምጋም ሓያል መርትዖ ክህሉው ኣለዎ። እዚ ንኣብነት ኣብ ሃገርካ ኣብ ዝርከብ ንሰብኣዊ መሰላት ዝግህስ ውድብ ትሰርሕ ከም ዝነበርካን፣ ኣብዚ ኣበርክቶ ከም ዝገበርካን ዘመልክት ምልክታት ከጠቓልል ይኽእል። ስለዚ ነቲ ገበን ግድን ባዕልኻ ፈጺምካዮ ክትከውን ኣየድልይን እዩ፣ የግዳስ ኣብቲ ገበን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ምግባርካ ጥራይ እኹል ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትካ ንዝኾነ ሰብ ዘየሳቐኻ ክነስኻ፣ ኮይኑ ግን እሱራት ዝሳቐይሉ ምዃኑ ናብ እትፈልጦ ቦታ ወይ ክትፈልጦ እትኽእል ናብ ዝነበርካ ቦታ እንተድኣ ተብጽሕ ነይርካ፣ እዚ ንምንጻግ እኹል ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። IND፣ ገበናት ኲናት ወይ ካልኦት ኣዝዮም ከበድቲ ገበናት ብምፍጻምካ ገበነኛ ምዃንካ እንተድኣ ኣሚኑ፣ ኩሉ ግዜ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ እዩ።
ዑቕባ ንግዳያት እምበር ንገበነኛታት ኣይኮነን
IND መስርሕ ዑቕባኻ ቅድሚ ምጅማሩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ እቲ መስርሕ እናተኻየደ ወይ ድሕሪ ምዝዛሙ እውን ገበን ከም ዝፈጸምካ ምልክታት ክቕበል ይኽእል እዩ። ንኣብነት ግዳያት ወይ መሰኻኽር ናይዞም ገበናት ኣብ ኔዘርላንድ ስለዝነብሩን ስለዘለልዩኻን። IND ኩሉ ግዜ ነዞም ምልክታት ክምርምሮም እዩ።
እቶም ገበናት ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ኣዝዩ ኣብ ርሑቕ ዝተፈጸሙ ብሰንኪ ምዃኖም፣ መርመራታት-1F ኩሉ ግዜ ዝተሓላለኹ እዮም። IND ንስኻ ኣብዞም ገበናት ከም ዝተሳተፍካ ከጠርጥሩ ዝኽእሉ ከበድቲ ምኽንያታት ከምዘለዉ፣ Éከምኡ እውን እዞም ገበናት ብሰንኪ ባህሪኻ ከም ዝተፈጸሙ ትፈልጥ ምንባርካ ወይ ክትፈልጥ ዝግብኣካ ምንባሩ ብንጹር ከርእይ ኣለዎ። እቲ ናይ IND መርማሪ ጉጅለ ምሳኻ ክዘራረብ፣ ሓበሬታ ክእክብን፣ ካብ ውድባት ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ሃገርካ ሓበሬታ ክምርምርን እዩ።
IND ኩሉ ግዜ ንተግባራትካ ባዕልኻ ብውልቂ ተሓታቲ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይምርምር እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣይኮንካን፣ ንኣብነት ኣብ ሃገርካ ብዘሎ መንግስቲ ዝተዋህበ ትእዛዝ ንኽትፍጽም ግዴታ እንተድኣ ነይሩ፣ ወይ ብሓደ ሰብ እንተድኣ ተገዲድካ፣ ወይ ንነብሰ-ምክልኻል እንተድኣ ኮይንካ ተግባር ፈጺምካ። ኣብዚ IND መብዛሕትኡ ግዜ ጽኑዕ ኣገባብ እዩ ዝኽተል። ንኣብነት፡ ነቶም ገበናት ንምፍጻም ተገዲደ እየ እንተድኣ ኢልካ፣ IND (ኣቀዲምካ) ክትሃድም ትኽእል ዝነበርካ እንተኾንካ ክምርምር እዩ። ሓደ ትእዛዝ ንኣብነት ውጽኢቱ ብንጹር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ንጹህ ኣይገብረካን እዩ።
ናይ ዑቕባ ሕቶታትካ ክንጸግን፣ መንበሪ ፍቓድካ ተሳሒቡ ክስረዝን ይኽእል
ኩሎም ምልክታት ምስ ተመርመሩ፣ IND ውሳኔ ክህብ እዩ። IND ከበድቲ ገበናት ምፍጻምካ (ብሓባር) ተሓታቲ ኮይንካ እንተድኣ ረኺብዎ፣ ነቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ክነጽጎ እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ድሮ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ ድማ ተሳሒቡ ክስረዝ ይኽእል እዩ። እንተሃልዩካ፣ ዋላ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት እውን ክትስእኖ ትኽእል ኢኻ።
ኣንጻር ናይ IND ውሳኔ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ IND ነዚ ውሳኔ ምውሳዱ ቅኑዕ ዝነበረ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዳኛ ክምርምር እዩ። እቲ ዳኛ ንIND ዝድግፍ ውሳኔ እንተድኣ ሂቡ፣ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ። ንዓኻ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንካ፣ ኔዘርላንድ ክትመልሰካ ኣይትኽእልን እያ። ይኹን እምበር፣ መንበሪ ፍቓድ እውን ኣይክትረክብን ኢኻ።