ምንጪ፡ Canva
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከተድምጽ ትኽእል?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/5/2025 6:31 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ምድማጽ መሰል ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት፣ ኣብ ከም በዓል ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ባይቶ ምምሕዳር ከተማ፣ ወይ ባይቶ ኤውሮጳ ዝኣመሰሉ ምርጫታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ምድማጽ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ደረጃ ብደረጃ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኩሉ ግዜ መድመጺ ካርድ የድልየካ

ከተድምጽ ዝፍቀደልካ እንተድኣ ኮይኑ፣ ቅድሚ እቲ ምርጫ መድመጺ ካርድ ናብ ኣድራሻኻ ክለኣኸልካ እዩ። ነዚ መድመጺ ካርድ ተጠቒምካ ድማ ኣብ ነቚጣ ምርጫ ከተድምጽ ትኽእል።

መድመጺ ካርድኻ ኣይተቐበልካን ዲኻ፣ ወይ ጠፊኡካ ድዩ? ስለዚ ምስ ምምሕዳር ከተማኻ ርክብ ብምግባር ሓድሽ ንኽወሃበካ ሕተት። ነዚ ብኢ-መይል ወይ ብተሌፎን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መድመጺ ካርድኻ እዚ ይርከብ

መድመጺ ካርድኻ ውልቃዊ ሓበሬታታትካ፣ ቁጽሪን ስም ምምሕዳር ከተማኻን ዝሓዘ እዩ። ዳሕረዋይ ሸነዂ ንኻልእ ሰብ ውክልና ምሃብ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። እዚ ማለት፣ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ድምጺ ንኽህብ ፍቓድ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ።

ኣብ ነቚጣ ምርጫ ኢኻ እተድምጽ

ነቚጣ ምርጫ ኣብ እዋን ምርጫ እትመርጸሉ ቦታ እዩ። ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ሓያሎ ነቚጣታት ምርጫ ኣለዋ። እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣብያተ-መጻሕፍቲ፣ ማእከላት ማሕበረሰብ ወይ ካልኦት ህዝባዊ ቦታታት ይርከቡ።

ኣበይ ከተድምጽ ከም እትኽእል ኣብዚ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ምምሕዳር ከተማ ከተድምጽ ኣይትኽእልን ዲኻ? ስለዚ ኣብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ እውን ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። መጀመርታ ካብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ምምሕዳር ከተማ መድመጺ ካርድ ንምርካብ ክትሓትት ኣለካ። ነዚ ብኢ-መይል ወይ ብተሌፎን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ብመድመጺ ካርድ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኔዘርላንድ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። መድመጺ ካርድ ብጽሑፍ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ቅድሚ እቲ ምርጫ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፣ ብቓል ድማ ክሳብ ሰዓት 12:00 ቅድሚ እቲ ምርጫ ካብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ምምሕዳር ከተማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ናብ ነቚጣ ምርጫ እዚ ዝስዕብ ሒዝካ ክትከይድ ኣለካ

  • መድመጺ ካርድኻ።

  • ሕጋዊ መለለዪ መንነት (ፓስፖርት፣ ወረቐት መንነት፣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና፣ ወይ መንበሪ ፍቓድ)።

ብዘይ መድመጺ ካርድ ወይ መለለዪ መንነት ከተድምጽ ኣይፍቀደልካን እዩ።

ኣብቲ ነቚጣ ምርጫ ብኸምዚ ድምጽኻ ትህብ

ኣብቲ ነቚጣ ምርጫ፣ መድመጺ ካርድኻ ተረክብ። እቶም ሰራሕተኛታት መለለዪ መንነትካ ይምርምሩ። ብድሕሪኡ መድመጺ ወረቐትን ቀይሕ እርሳስን ትቕበል። ኣብቲ መድመጺ ወረቐት ኩሎም ሰልፊታትን ሕጹያትን ተዘርዚሮም ይርከቡ። ናብቲ መድመጺ ኲርናዕ በይንኻ ትኸይድ። ድምጺ ምሃብ ምስጢራዊ እዩ፣ ንመን ከም እትመርጽ ማንም ሰብ ክርእይ ኣይፍቀደሉን እዩ። ኣብቲ መድመጺ ኲርናዕ፣ ኣብ ጎኒ ስም ናይቲ ክትመርጾ እትደልይ ሰብ ንእትርከብ ዓንኬል ቀያሕ ሕብሪ ትለኽያ። ምስ ወዳእካ ድማ ነቲ መድመጺ ወረቐት ኣብቲ ናይ ድምጺ ሳንዱቕ ተእትዎ።

ናብ ነቚጣ ምርጫ ምሳኻ ሓደ ሰብ ክትማላእ ትኽእል ኢኻ

ናብቲ ነቚጣ ምርጫ ሓደ ክሕግዘካ ዝኽእል ሰብ ምሳኻ ክትማላእ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንምንባብ ወይ ምጽሓፍ ትጽገም እንተድኣ ኮይንካ።

ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ፣ ንኣሽቱ ቆልዑት ወይ ናይ ሓገዝ ከልቢ እውን ምሳኻ ክመጽኡ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ከድምጽ ውክልና ክትህብ ትኽእል ኢኻ

ባዕልኻ ከተድምጽ ኣይትኽእልን ዲኻ? ስለዚ እዚ ካልእ ሰብ ክገብረልካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ምሃብ ውክልና ይበሃል።

  • ዳሕረዋይ ሸነኽ ናይ መድመጺ ካርድኻ ምልኣዮ።

  • ስምን ኣድራሻን ናይቲ ውክልና እትህቦ ሰብ ጽሓፍ።

  • ንስኻን እቲ ዝተወከለ ሰብን ክልተኹም ክታምኩም ከተንብሩ ኣለኩም።

ምርጫ ክትገብር እንተድኣ ዘይደሊኻ ባዶ ድምጺ ሃብ

ባዶ ድምጺ ንምሃብ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ኣብቲ ሳጹን ቀይሕ ምልክት ከይመላእካ መድመጺ ወረቐትካ ተረክብ ማለት እዩ።

ባዶ ድምጺ ኣብ ጠቕላላ ድምር ድምጺ ይቑጸር እዩ፣ እንተኾነ ግን ናብ ሓደ ሰልፊ ወይ ሕጹይ ኣይከይድን እዩ።

ኣብ እዋን ምድማጽ እዚ ክትገብር ኣይፍቀደልካን

ኣብቲ መድመጺ ወረቐት ንሓደ ሳጹን ጥራይ ኢኻ ቀይሕ ምልክት ክትገብረሉ እትኽእል። ንዝያዳ ሳጹናት ቀይሕ ምልክት እንተድኣ ገይርካሉ፣ ወይ ኣብቲ መድመጺ ወረቐት ዝኾነ ነገር እንተድኣ ጽሒፍካ ወይ ስኢልካ፣ ድምጽኻ ብቚዕ ኣይከውንን። ዘይብቚዕ ድምጺ ሰልፊ ወይ ሕጹይ ንምምራጽ ዘይኮነስ፣ ድምጺ ንምሃብ ምምጻእካ ጥራይ እዩ ዝቑጸር።

ብወዝቢ ጌጋ ፈጺምካ ዲኻ? ስለዚ ሓደ ግዜ ካብ ሰራሕተኛታት ናይቲ ነቚጣ ምርጫ ሓድሽ መድመጺ ወረቐት ንምርካብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ነቚጣ ምርጫ ሰላማዊ ሰልፊ ወይ ተቓውሞ ምግባር እውን ኣይፍቀድን እዩ።

ካብ ወጻኢ ሃገራት እውን ከተድምጽ ትኽእል

ኣብ ኔዘርላንድ ኣይኮንካን ዲኻ ትብነር፣ ግን ድማ ኣብ ምርጫታት ኔዘርላንድ ድምጽኻ ክትህብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ሓደ ግዜ ከም መራጺ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ደን ሃኽ ክትምዝገብ ኣለካ።

ካብ ወጻኢ ሃገር ነዚ ዝስዕብ ድምጺ ክትህብ ትኽእል ኢኻ፡

  • ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ።

  • ባይቶ ኤውሮጳ።

  • ንሰኔት ዝኸውን ናይ ዘይነበርቲ ምርጫ ኮሌጅ።

ብመንገዲ እዚ መርበብ-ሓበሬታ ብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ከም መራጺ ክትምዝገ ትኽእል ኢኻ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር