
ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕላት ስራሕ ኣለዉ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ስምምዕ ወይ ውዕል ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ወይ ትካላት ዝግበር ወግዓዊ ስምምዕ እዩ። እቲ ውዕል፣ እቶም ሰባት ወይ ትካላት እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎምን፣ መሰላት ነፍስወከፍ እንታይ ምዃኑን ዝጠቕስ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ስራሕ ይፍጽም ወይ ፍርያት የቕርብ፣ እቲ ካልእ ድማ ናይዚ ኣምሳያ ይኸፍሎ። ውዕል ስራሕ ወይ ስምምዕ ስራሕ እንታይ ምዃኑን፣ ኣየኖት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ከምዘለዉን ኣብዚ ዓንቀጽ ከነብርሆ ኢና።
ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕላት ስራሕ ኣለዉ
ናይ ውሱን ግዜ ውዕል ስራሕ (ግዝያዊ ውዕል)
ግዝያዊ ውዕል ንዝተወሰነ ግዜ ጥራይ እዩ። ኩሉ ግዜ ንጹር ናይ መወዳእታ ዕለት ኣለዎ።
ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት እንተበዝሐ 3 ግዝያዊ ውዕላት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ድሕሪ 3 ግዝያዊ ውዕላት ወይ ሓደ ናይ 3 ዓመት ግዝያዊ ውዕል ምስ ሓደ ኣስራሒ ቀዋሚ ውዕል ክትረክብ መሰል ኣለካ።
ኣብ መንጎ ክልተ ውዕላት ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ክፍተት እንተሃልዩ፡ እቲ ቁጽሪ ከም ብሓድሽ ይጅምር።
ናይ ዘይተወሰነ ግዜ ውዕል ስራሕ (ቀዋሚ ውዕል)
ቀዋሚ ውዕል ናይ መወዳእታ ዕለት የብሉን።
እዚ ዝያዳ ውሕስነት ይህበካ፣ ምኽንያቱ ውዕልካ መወዳእታ የብሉን፣ ኣስራሒኻ ድማ ከም ድላዩ ካብ ስራሕ ክሰጎካ ኣይክእልን እዩ።
ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ርጉእ ደሞዝ ትረክብ። እዚ ንኣብነት ሞርጌጅ ንኸተመልክት የኽእለካ።
ቀዋሚ ጡረታ ትሃንጽ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ እዋን ሕማም ወይ ስንክልና ተወሳኺ ውሕስነት ኣለካ።
ብመሰረት ሕጊ መሰላት ኣለካ፣ ከም ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ዝኣመሰሉ።
ውዕል ምስ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ
ምስ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ውዕል ስራሕ ዝገበርካ ምስ እትኸውን፣ ምስቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ውዕል ስራሕ ኣለካ ማለት እዩ። እቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ንግዚኡ ናብ ካልእ እትሰርሓሉ ትካል ብመልክዕ ክራይ ይሰደካ። እዚ ትካል ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ድማ ኣለቓሒ ይበሃል።
እቲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ከምቶም ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ናይቲ እትሰርሓሉ ትካል ክሕዘካ ኣለዎ።
ሓደ ሓደ ግዜ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ኣቢልካ ስራሕ ረኺብካ፣ ብኸምኡ ስራሕ ምጅማር ዝያዳ ዝቐለለ እዩ።
እዚ ተዓጻጻፍነት ይህብ፣ ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ክትሰርሕ ስለ እትኽእል።
መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ርግጸኛነት ኣይህልወካን።
ኣብቲ ምስ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ እትረኽቦ ዓይነት ውዕል ስራሕ ኢኻ እትምርኮስ።
ውዕላት ጻውዒት
3 ዓይነታት ውዕላት ጻውዒት ኣለዉ፡
1. ኣብ ጻውዒት ውዕል ምስ መባእታዊ ስምምዕ፤
ብናይ ጻውዒት ዝምርኮስ ውዕል፡ ኣስራሒኻ ምስ ደወለልካ ክትሰርሕ ድዩ ኣይክትሰርሕን ኢኻ ትውስን። ስራሕ ምስ ጀመርካ ጥራይ እዩ እቲ ውዕል ዝጅምር፣ በቲ ኣቐዲምካ ኣብ
ድሕሪ ሰለስተ ተኸታተልቲ ውዕላት ቀዋሚ ውዕል ክትረክብ ኢኻ። እዞም ሰለስተ ውዕላት ካብቲ ዝሓለፈ ውዕሊ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ክፍፀሙ ኣለዎም።
min-max contract ኣብ ዝተሓተን ዝበዝሐን ቁጽሪ ሰዓታት ስምምዓት ዘለዎ ኣብ ጻውዒት ዝግበር ውዕል እዩ።
ቅድመ-ኩነታት ናይ ስራሕ ውዕል
ውዕል ስራሕ እንተሃልዩካ፣ ሒደት መሰረታዊ ሕግታት ተፈጻምነት ኣለዎም፡
ብኣስራሒኻ ተቖጺርካ ኢኻ እትሰርሕ። ኣስራሒኻ ዕማማት ዕዮ ክህበካን እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትሰርሕ ክውስንን ይኽእል።
ንስራሕካ ደሞዝ ትረክብ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘባዊ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ክፋል ደሞዝካ፣ ከም መግቢ ወይ ክፍልን መግብን ብዝኣመሰለ ብዓይነት እትረኽቦ ክኸውን ይኽእል እዩ ። እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።
ነቲ ክትሰርሖ ዝተቖጸርካዮ ስራሕ ባዕልኻ ኢኻ ትሰርሖ።
እዚ ኣብ ውዕል ስራሕካ ተገሊጹ ይርከብ
ውዕል ስራሕ (ናይ ስራሕ ኮንትራክት) ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣስራሒኻን ዝተገብሩ ስምምዓት ዝሓዘ እዩ። ተቖጺርካ እትሰርሕን ደሞዝ እትቕበልን ምስ እኸውን፣ ናይ ስራሕ ውዕል ኣለካ። እዚ ድማ ተቖጺርካ ምስራሕ ይበሃል።
እቲ ውዕል መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ዝስዕቡ ዝሓዘ እዩ፡
ናትካን ናይ ኣስራሒኻን ስምን መንበሪ ቦታን።
እትሰርሓሉ ቦታ(ታት)።
ናይ ስራሕ ዕማምካ ወይ ዓይነት እትሰርሖ ስራሕ።
ስራሕ ዝጀመርካሉ ዕለት።
ንውሓት ግዜ ናይቲ ውዕል (ግዝያዊ ውዕል ምስ ዝኸውን)።
ክንደይ ሰዓታት ከም እትሰርሕ (ኣብ መዓልቲ ወይ ኣብ ሰሙን)።
ደሞዝካን መዓስ ከም እትቕበሎን።
ንውሓት ግዜ (ምናልባት) ክህልወካ ዝኽእል ናይ ፈተነ ግዜ።
መጠን ናይቲ እትረኽቦ ናይ ዕረፍቲ ኣበል።
ብዝሒ መዓልታት ዕረፍቲ።
ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ (ክሳብ ክንደይ ኣቐዲምካ ደው ከተብል ከም ዘለካ፣ ወይ ኣስራሒኻ ደው ከብሎ ከም ይፍቀደሉ)።
(ክህሉው ዝኽእል) ደንቢ ጡረታኻ።
(ክህሉው ዝኽእል) ዓንቀጽ ኣንጻር-ተወዳዳሪ (ብቐጥታ ምስ ሓደ ተወዳዳሪ ትካል ከም ዘይትሰርሕ ዝገልጽ ስምምዓት)።
Cao (ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ)፣ ኣብ ስራሕካ ተፈጻምነት ምስ ዝህልዎ።