ምንጪ፡ Canva
ዓንቀጽ

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተሰጒግካ ወይ ውዕልካ እንተድኣ ዘይተናዊሑ እንታይ መሰላት ኣለካ?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/15/2025 11:07 ቅ.ቀ.

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተባሪርካ ወይ ግዝያዊ ውዕልካ ከይተሓደሰ እንተድኣ ተዛዚሙ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተወሰኑ መሰላት ኣለዉኻ። እንታይ ክትረክብ መሰል ከምዘለካን፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ክትረክብ መሰል ኣለካ

ኣብ ኔዘርላንድ ውዕላት ስራሕ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ የጠቓልሉ እዮም። እቲ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ፣ ኣስራሒኻ ውዕልካ ደው ቅድሚ ምባሉ፣ ቅድሚ ክንደይ ግዜ ኣቐዲሙ ክነግረካ ከም ዘለዎ ዝሕብር እዩ። ንውሓት ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ኣብዚ ዝስዕብ ይምርኮስ፡

  • ስራሕ ካብ እትጅምር ክንደይ ግዜ ኣቑጺርካ ኣለኻ።

  • ገና ኣብ ናይ ፈተነ ግዜ ምህላውካን ዘይምህላውካን።

  • ኣብ ውዕልካ ወይ ኣብ

    ዝርከቡ ስምምዓት።

ንስኻ ባዕልኻ እውን ውዕልካ ክትስርዞ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ እቲ ኣብ ውዕልካ ተጠቒሱ ዝርከብ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ እውን ተፈጻምነት ኣለዎ። እቲ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ 2 ወርሒ እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ማለት ውዕልካ ድሕሪ ምስራዝካ ገና ን2 ወርሒ ክትሰርሕ ኣለካ ማለት እዩ።

ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ቀዋሚ ናይ ስራሕ ውዕል ምስ ዝህልወካ 

ቀዋሚ ውዕል ፣ ማለት 'ናይ ዘይተወሰነ ግዜ' ውዕል ድዩ ዘለካ? ስለዚ ኣስራሒኻ ነቲ ሕጋዊ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ከኽብር ኣለዎ። እዚ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡ 

  • ትሕቲ 5 ዓመት ተቖጺርካ እንተኾንካ እቲ ናይ ምፍላጥ ግዜ 1 ወርሒ እዩ።

  • ካብ 5 ክሳብ 10 ዓመት ተቖጺርካ እንተኾንካ እቲ ናይ ምፍላጥ 2 ወርሒ እዩ።

  • ካብ 5 ክሳብ 15 ዓመት ኣገልግሎት፡ ናይ 3 ወርሒ ናይ ምፍላጥ ግዜ ይምልከት።

  • ን15 ዓመትን ልዕሊኡን ተቖጺርካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣስራሒኻ ናይ 4 ወርሒ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ክጥቀም ይኽእል። 

ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ክነውሕ ይኽእል

ኣስራሒኻ ምሳኻ ከም ሰራሕተኛ ዝነውሐ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ንምግባር ክሰማማዕ ይኽእል እዩ፣ እዚ ግን ኣብ ውዕልካ ክግለጽ ኣለዎ።

ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ክሓጽር እውን ይኽእል

ዝሓጸረ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ዝፍቀድ ኣብቲ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ (cao) ዝርከብ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። እዚ ስምምዕ ኣብ ውዕልካ ብፍሉይ ክግለጽ ኣየድልይን እዩ።

ካብ

ጀሚሩ ኩሉ ግዜ ናይ 1 ወርሒ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ተፈጻምነት ኣለዎ።

ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ኣብ እዋን ናይ ፈተነ ግዜ

ገና ኣብ ናይ ፈተነ ግዜኻ ዲኻ እትርከብ? ስለዚ ንስኻን ኣስራሒኻን ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ምጥቃም ኣየድልየኩምን እዩ። ብቐጥታ ካብ ስራሕ ክትባረር ትኽእል ኢኻ፣ ንስኻ እውን ብቐጥታ ከተቋርጽ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ውዕላት ስራሕ ኣብ ሆኔዘርላንድ ዝያዳ ክትፈልጥ ትደልይ? ድሕሪኡ ነዚ ጽሑፍ ኣብ RefugeeHelp ኣንብብ።

ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ግዝያዊ ውዕል ምስ ዝህልወካ 

ግዝያዊ ውዕል ኣለካ ድዩ፣ ንኣብነት ናይ 6 ወርሒ ወይ 1 ዓመት? ስለዚ ውዕልካ ኣብቲ ዝውድኣሉ መዓልቲ ብኣውቶማቲክ ይውዳእ።

ስለዚ ሽዕኡ ኣስራሒኻ ናይ ምስራዝ ገደብ-ግዜ ምጥቃም ኣየድልዮን እዩ። ይኹን እምበር ነቲ ናይ ምልክታ ገደብ-ግዜ ክኽተል ኣለዎም፡ ውዕልካ ክናዋሕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ድማ እንተወሓደ 1 ወርሒ ኣቐዲሙ ክሕብረካ ኣለዎ።

ኣስራሒኻ ኣብ ግዚኡ እንተድኣ ዘይሓቢሩካ

ኣስራሒኻ ግዝያዊ ውዕልካ ክናዋሕ ወይ ክቋረጽ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ግዚኡ ኣይሓበረካን ድዩ? ስለዚ ካሕሳ ክኸፍለካ ኣለዎ። እዚ ድማ 'ናይ ምልክታ ካሕሳ' ይበሃል፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናይ 1 ወርሒ ደሞዝ እዩ።

ኣስራሒኻ ሓቢሩካ ድዩ፣ ግን ድማ ኣዝዩ ደንግዩ ድዩ ሓቢሩካ? ስለዚ ክንደይ መዓልታት ደንግዩ ከም ዝነበረ ምርኲስ ብምግባር ሓደ ክፋል ናይ ሓደ ወርሒ ደሞዝ ይኸፍለካ። ንኣብነት 1 ሰሙን እንተድኣ ደንግዩ፣ ናይ 1 ሰሙን ደሞዝ ትረክብ።

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ነዚ ካሕሳ ኣይትረኽቦን ኢኻ፣ እንተድኣ ኣስራሒኻ፡

  • ጠፊሹ

  • ናይ ክፍሊት ምንዋሕ ግዜ ምስ ዝህልዎ። 

  • ኣብ

    ምስ ዝህልዉ።

ሓደ ሓደ ግዜ ውዕልካ ኣቐዲሙ ደው ክብል ይኽእል 

ኣስራሒኻ ውዕልካ ብኣግኡ ከቋርጾ ዝኽእል ኣብ ውዕልካ ምስ ዝግለጽ ጥራይ እዩ። እንተዘይኮይኑ እቲ ውዕል ብኣግኡ ክቋረጽ ኣይክእልን እዩ።

ሽዑ ንሽዑ ካብ ስራሕ እንተተባሪርካ፡ ውዕልካ ብቕጽበት ይውዳእ። እዚ ብህጹጽ ምኽንያታት ጥራይ እዩ ዝፍቀድ፡ ከም ስርቂ ወይ ኣብ ስራሕ ቦታ ዝፍጸም ዓመጽ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ናይ ምፍላጥ ግዜ የለን፣ እቲ ውዕል ድማ ብኡንብኡ ይውዳእ።

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተሰጒግካ ወይ ውዕልካ እንተድኣ ዘይተናዊሑ ከምዚ ክትገብር እትኽእል

1. ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ሓገዝ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ተቐጻጸር፣ ከምኡ እውን ኣመልክት:

ካብ ስራሕ እንተተባሪርካ ወይ ውዕልካ እንተዘይተሓዲሱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ

ክትረክብ መሰል ኣለካ። ንናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ ብመንገዲ My UWV ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ
ከድልየካ እዩ።

እቲ መመልከቲ ካብ ቅድሚ ስራሕ ኣልቦ ምዃንካ ካብ 1 ሰሙን ጀሚሩ፣ ስራሕ ኣልቦ ምስ ኮንካ ድማ ካብ 1 ሰሙን ዘይውሕድ ግዜ ከተቕርቦ ትኽእል ኢኻ።

2. ካሕሳ ክትረክብ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ተቖጻጸር 

ተባሪርካ ዲኻ ወይስ ኣስራሒኻ ውዕልካ ኣየሐድሶን? መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምስግጋር ክፍሊት መሰል ኣለካ። እዚ ሓድሽ ስራሕ ንምርካብ ዝሕግዘካ ገንዘባዊ ካሕሳ እዩ።

ኣስራሒኻ ውዕልካ ከቋርጽ እንተድኣ ወሲኑ እዚ ካሕሳ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ንቐዋሚን ግዝያውን ውዕላት ዝምልከት እዩ። 

ኣስራሒኻ ገለ ጌጋ ስለ ዝገበረ ዲኻ ባዕልኻ ስራሕካ ለቂቕካ? ኣብ ገሊኦም ኣጋጣሚታት፣ መሰጋገሪ ካሕሳ ንኽትረክብ እውን ወሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ መንግስቲ ኔዘርላንድ ኣንብብ።

ነቲ ናይ መሰጋገሪ ካሕሳ ንቕማር፣ መቐመሪ ሓገዝ

ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ናይ መሰጋገሪ ካሕሳ ምናልባት በብኽፋል ክትረኽቦ ትኽእል  

ኣስራሒኻ ነቲ ናይ ምስግጋር ክፍሊት ብሓደ ግዜ ክኸፍል እንተዘይክኢሉ፡ ነቲ መጠን ገንዘብ ብኽፋል ክኸፍሎ ይኽእል እዩ፡ እንተበዝሐ ኣብ 6 ኣዋርሕ ተዘርጊሑ።

ኣስራሒኻ በብኽፋል ድዩ ዝኸፍለካ? ስለዚ ናይቲ ገና ዘይተቐበልካዮ ክፋል ሕጋዊ ወለድ እውን ክኸፍለካ ኣለዎ። 

ኣብ ገሊኦም ኩነታት ናይ መሰጋገሪ ክፍሊት ኣይትረክብን ኢኻ። እዚ ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ይምልከት፡ 

  • ከቢድ ጉድለት ስነ-ምግባር ስለዘርኣኻ ካብ ስራሕ እንተድኣ ተባሪርካ። 

  • ዕድመኻ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይኑ ኣብ ሰሙን ብማእከላይ ገምጋም ትሕቲ 12 ሰዓታት ትሰርሕ እንተድኣ ነይርካ። 

  • ናይ AOW ዕድመ ወይ ካልእ ናይ ጡረታ ዕድመ ስለ ዝበጻሕካ እንተድኣ ኮይንካ ተባሪርካ። 

  • ኣስራሒኻ ቅድሚ እቲ ናይ ቀደም ውዕልካ ምውድኡ ሓድሽ ግዝያዊ ውዕል ክህበካ እዩ፣ እቲ ሓድሽ ውዕል ድማ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ክጅምር እዩ።

  • ኣስራሒኻ ቅድሚ እቲ ሕጂ ዘለካ ውዕል ምውዳኡ፣ ሓድሽ ተመጣጣኒ ውዕል እንተድኣ ኣቕሪቡልካ ኮይኑ። 

  • ኣስራሒኻ ነቲ ግዝያዊ ውዕልካ ቅድሚ ምዝዛሙ ከናውሖ ምዃኑ ይገልጽ። ምቕባልካን ትቕበልን ዋላ ሓንቲ ቁምነገር የብሉን።

  • ኣስራሒኻ እንተድኣ ጠፊሹ፣ ናይ ክፍሊት ምንዋሕ ምስ ዝረክብ፣ ወይ ኣብ መስርሕ ዳግመ-ውደባ ዕዳ ዝርከብ ምስ ዝኸውን ።

ብቁጠባዊ ምኽንያት ካብ ስራሕ ኣብ እትስጎገሉ እዋን መተካእታ ካሕሳ ክትረክብ ትኽእል 

  • ኣስራሒኻ ብቁጠባዊ ምኽንያት ድዩ ካብ ስራሕ ኣባሪሩካ? ስለዚ cao፣ ኣብ ክንዲ ናይ መሰጋገሪ ክፍሊት ካልእ ዝተፈለየ ካሕሳ ከም እትረክብ ክውስን ይኽእል እዩ። እዚ ካሕሳ እዚ ኩሉ ግዜ ከምቲ ሕጋዊ ናይ መሰጋገሪ ክፍሊት ልዑል ኣይኮነን። 

  • እቲ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ(cao)፣ እቲ ካሕሳ ሓድሽ ስራሕ ብቕልጡፍ ንኽትረክብ ከም ዝሕግዘካ፣ ወይ ድማ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትረክብ ከም ዝሕግዘካ ገይሩ ከዋድድ ድማ ኣለዎ። 


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር