ምንጪ፡ Canva
ዓንቀጽ

መንግስቲ ኔዘርላንድ ብኸመይ ዝተዋደደ እዩ፣ ከምኡ እውን ሃገራዊ መንግስቲ፣ ኣውራጃታት፣ ምምሕዳራት ከተማታትን፣ ቦርድታት ማይን ብልክዕ እንታይ ይሰርሑ?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/22/2026 5:25 ድ.ቀ.

መንግስቲ ኔዘርላንድ ዝተፈላለየ ደረጃታት ምሕደራ ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ነፍስወከፎም ናይ ገዛእ-ርእሶም ሓላፍነት ኣለዎም። መንግስቲ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝውደብን፣ ሃገራዊ መንግስቲ፣ ኣውራጃታት፣ ምምሕዳራት ከተማታትን፣ ቦርድታት ማይን እንታይ ከም ዝገብሩን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣብሪህናዮ ኣለና።

ስለምንታይ ኣብ ኔዘርላንድ ምርጫ ምምሕዳር ከተማታት ይካየድ?

ኩሎም ሕግታት ኔዘርላንድ ብ

ወይ ብ
ኣብ ሄግ ዝተማህዙን ዝተሰርሑን ኣይኮኑን። መንግስቲ ኔዘርላንድ ብሓያሎ ደረጃታት ዝቖመ እዩ። ብዘይካ ማእከላይ መንግስቲ፣ ኣብ
፣ ምምሕዳራት ከተማታት፣ ከምኡ እውን
ምምሕዳራዊ ደረጃታት ኣለዉ። ነፍስወከፍ እዞም ክፋላት መንግስቲ ኔዘርላንድ ናይ ገዛእ-ርእሶም ዕማማት ኣለዎም።

ኔዘርላንድ ዲሞክራስያዊት ሃገር እያ። እዚ ማለት ስልጣን ኣብ ህዝቢ እዩ ዘሎ ማለት እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኔዘርላንድ መን ብስሙ ውሳነ ክወስድ ከም ዝኽእል ይመርጽ። ስለዚ፡ ኩለን ኣካላት መንግስቲ ኔዘርላንድ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ምርጫ የካይዳ። ምርጫ ባይቶ ምምሕዳር ከተማታት ኣብ ኔዘርላንድ ዳግማይ ንዕለት 18 መጋቢት 2026 ክካየድ እዩ።

ኣውራጃታት ብፍላይ ናይ ምውህሃድ ተራ ኣለወን

ኣውራጃታት ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ዞባአን ንብዙሕ ጉዳያት ይቆጻጸራ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፣ ውጥን ቦታ (እታ ኣውራጃ ጽርግያታት፣ ኣባይቲ፣ ተፈጥሮ ወይ ንግዳዊ ንጥፈታት ብዝምልከት ብኸመይ ከም ዝስራዕ)፣ ምክልኻል ኣከባቢ፡ ከምኡ እውን ህዝባዊ መጓዓዝያ። ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ኣውራጃአን ንዝርከባ ምምሕዳራት ከተማታት ይከታተላን፣ ኣብ መንጎ ምምሕዳራት ከተማታት ምትሕብባር ይውድባን።

ምምሕዳራት ከተማታት ነበርተን ዕለታዊ ዘድልዮም ነገራት የዋድዳ

ምምሕዳር ከተማ፣ ከም ዜጋ መጠን ዝያዳ እትግልገለሉ ኣካል መንግስቲ እዩ። ምምሕዳር ከተማ፣ ናይ መንግስቲን ናይ ኣውራጃን ሕግታትን ስርዓታትን የተግብር። ይኹን እምበር ምምሕዳር ከተማ፣ ኣብ ትሕቲኡ ንዝነብሩ ዜጋታት ዝኸውን ብዙሕ ጉዳያት እውን የመሓድር እዩ። እዚኣቶም ድማ ድሕነት፣ ትራፊክ፣ ህዝባዊ ስርዓት፣ ትምህርቲ፣ ስፖርትን ባህልን የጠቓልሉ።

ንኣብነት ንመሐንበሲታትን ኣብያተ-መጻሕፍትን ምወላ ይህብ፣ ከምኡ እውን ቀጻሊ ህላወኦም የረጋግጽ። ምምሕዳር ከተማ ብተወሳኺ ነበርቲ ይከታተልን፣ ከም ፓስፖርት፣ መንነት ወረቐትን ፍቓድ መዘወሪ መኪናን ዝኣመሰሉ ወግዓዊ ሰነዳት ይህብን። ካብዚ ሓሊፉ፣ ምምሕዳር ከተማ ጎደናታት፣ ጽርግያታት፣ ማርሻፔዲታትን መንገዲ ብሽክለታን ከም ዝህልዉን፣ ክንክን ከም ዝረኽቡን የረጋግጽ።

ነበርቲ ምምሕዳር ከተማ ፣ ቤት-ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ይመርጹ

ነበርቲ ምምሕዳር ከተማ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ይመርጹ። ቤት-ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ንነበርቲ እቲ ምምሕዳር ከተማ ወኪሉ ውሳነታት ዝህብ ኣካል እዩ።

ከም ነባሪ መጠን ግን ዝያዳ ጽልዋ ኣለካ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምይይጥ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። እቶም ኣባላት ቤት-ምኽሪ፣ ነበርቲ እንታይ ኣገዳሲ ኢሎም ከምዝሓስቡን፣ ስክፍታታቶም ክሰምዑን ብዙሕ ግዜ ምስ ነበርቲ ብቐረባ ይራኸቡ እዮም። ሓሳብ እንተሃልዩካ፣ ሕቶ ከተቕርብ ምስ እትደልይ፣ ወይ ርእይቶኻ ከተካፍል ምስ እትደልይ፣ ንስኻ ባዕልኻ እውን ምስ ቤት-ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ንኣባላት ቤት-ምኽሪ ብኢ-መይል ወይ ብተሌፎን ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ቆጸራ ንምግባር ክትሓት ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ኣባል ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ እንተድኣ ኮይንካ፣ ወይ ኣብ ኣኼባታት ሰልፊ ትሳተፍ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ጽልዋ ኣለካ።

ስፍሓት ቤት-ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ብዝሒ ነበርቲ ይምርኮስ። ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከባ ዝዓበያ ምምሕዳራት ከተማታት 45 ኣባላት ኣለወን። እዚኣተን ልዕሊ 200,000 ነበርቲ ዘለወን ምምሕዳራት ከተማታት እየን። እተን ዝነኣሳ ምምሕዳራት ከተማታት ድማ 9 ኣባላት ኣለወን። እዘን ምምሕዳራት ከተማታት ትሕቲ 3000 ነበርቲ ኣለወን።

ኣብ ኔዘርላንድ ክትመርጽ ብቑዕ ክትከውን፡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ክትከውን ኣለካ።

ኣብ ምምሕዳራት ከተማታት ዝነብሩ ዜጋታት ኔዘርላንድን ኤውሮጳን ኣብ ምርጫ ናይ ምምሕዳር ከተማ ድምጾም ክህቡ ይኽእሉ እዮም። ካብ ኤውሮጳ ዘይኮንካ፣ ግን ድማ ንኣብነት ስደተኛ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ 5 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝተቐመጥካ ምስ እትኸውን ጥራይ ኢኻ ክትመርጽ ትኽእል። እዚ ነቶም ኣብ ኔዘርላንድ ብመሰረት

፣ ሓለዋ ንዝረኸቡ ዩክሬናውያን ኣይምልከትን እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ንግዚኡ ኣብዚ ስለዘለዉ ናይ ምድማጽ መሰል የብሎምን። ስለዚ ኣብቲ ምሕዳር ከተማ ን5 ዓመት ዝተቐመጡ ምስ ዝኾኑ እውን ድምጾም ክህቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር