ምንጪ፡ Pexels
ዓንቀጽ

ኣብኔዘርላንድ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮኻ ዝሕግዙኻ ውድባት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/3/2026 10:59

ናይ ኣእምሮ ደገፍ የድልየካ ድዩ? ኣእምሮኣዊ ደገፍን ስንባደ ዘስዕቡ ፍጻመታት ኣብ ምምስራሕን ሓገዝ ንምርካብ፣ ኣበይ ክትውከስ ከም እትኽእል ኣብዚ ገጽ እዚ ክትረኽቦ ኢኻ።

ብመንገዲ ሓኪምካ ሞያዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ

ምልክታትካ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እንተዘይሃሊዮም ወይ እንተገዲዶም ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ኣመልክት። ናብቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ወሃብቲ ክንክን ጥዕና፡ ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ፡ ሓጋዚ ልምምድ፡ ወይ ኣብ ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ ዝነጥፍ ነርስ ክውከሱኻ ይኽእሉ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ንኣእምሮኣዊ ጥርዓናትካ ንምፍታሕ ባዕሉ ክሕግዘካ ኣይክእልን እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ሓኪም ታሪኽካ ይሰምዕን፣ ኣየናይ ሓገዝ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዓካ ይውስንን። እቲ ሓኪም ብዛዕባ ድቃስን ኣመጋግባን ምኽሪ ይህበካ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ሓኪም ጽቡቕ ንኽትድቅስ ዝሕግዘካ ንገለ መዓልታት ዝኸውን መድሃኒት ይህበካ።

ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ክንክን ጥዕና ዝያዳ ከተንብብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ዝያዳ ኣብዚ ኣብ RefugeeHelp ኣንብብ።


ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ

ኣእምሮኣዊ ደገፍ የድልየካ ድዩ? ብዛዕባ ጸቕጢ፣ ጭንቀት፣ ወይ ስንባደ ዘስዕቡ ፍጻመታት ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ከተዛርቦም እትኽእል ዝተፈላለዩ ውድባት ኣለዉ።

Mind Hulplijn

ብመንገዲ መስመር ሓገዝ - MIND Hulplijn - ኣቢልካ ምስ ሞያውያን ኣማኸርቲ ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም ድማ ክሰምዑኻን ምኽሪ ክህቡኻን እዮም። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ MIND Hulplijn ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Wereld Psychologen

Wereld Psychologen ምስ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ብነጻ ብኢንተርነት ዝካየድ ምኽሪ የቕርብ። እቲ ደገፍ ንስደተኛታትን ምስ ስደተኛታት ንዝሰርሑ ሰባትን ዝዓለመ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ Wereld Psychologen

ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ንቆልዑት ዝኸውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ

ቆልዑት ብጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክሳቐዩ ይኽእሉ። ኲናት፣ ናብ ስደት ምህዳምን ሓድሽ ሃዋህውን ንኹሉ ሰብ ከቢድ እዩ፣ ብፍላይ ግን ንቆልዑት። ኣብ ታሕቲ ንቆልዑትን ወለዶምን ኣእምሮኣዊ ደገፍ፣ ግብራዊ ምኽርታትን ዘተኣማምን ሓበሬታን ብምሃብ ዝሕግዙ ውድባት ክትረክብ ኢኻ።

Alles Oké? መስመር ደገፍ፣ ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ደገፍ ይህብ።መንእሰያት ብዛዕባ ጸቕጢ፣ ጭንቀት ወይ ካልእ ከቢድ ስምዒታት ክዛረቡ ናብኡ ክውከሱ ይኽእሉ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ Alles Oké? መስመር ደገፍ፣ ዝያዳ ኣንብብ

ንLHBTQIA+ ሰባት ኣእምሮኣዊ ደገፍ ዝህባ ውድባት

Switchboard

ንማሕበረሰብ LHBTQIA+ ኣብ ኔዘርላንድ ዝወሃብ ናይ ሓበሬታን ደገፍን ኣገልግሎት እዩ። ንሳቶም ዝሰምዕ እዝኒ፣ ሓበሬታ ብዛዕባ ምግሃድ ጾታዊ መንነትካ፣ ናይ ጾታዊነት መንነት፣ ጾታዊ መንነት፣ ናይ LHBTQIA+ ባህላዊ፣ ማሕበራዊን ስፖርታዊን ክለባትን ፍጻሜታትን የቕርቡ። ግን ድማ ከም ጠበቓታት፣ ሓካይምን ቴራፒስትን ዝኣመሰሉ ወሃብቲ ኣገልግሎት እውን የቕርቡ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር