
ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ምርጫ ኣብ ኔዘርላንድ፡ ብኸመይ ዝሰማማዓካ መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ትመርጽ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሓት መደባት ትምህርቲ ኣለዉ። ስለዚ ጽቡቕ ምርጫ ንምግባር ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንዓኻ ዝሰማማዕ ስልጠና ወይ መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ብኸመይ ከም እትመርጽ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ደረጃ ብደረጃ ከተንብብ ኢኻ።
ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝሰማማዓካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብኸመይ ትፈልጥ?
ነፍስወከፍ ዓመት ብዙሓት ተማሃሮ ቀዳማይ ዓመት ትምህርቶም የቋርጹ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ መደብ ትምህርቲ ንዓኣቶም ዘይሰማምዖ ብሰንኪ ምዃኑ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣየናይ መደብ ምስ ድሌታትካ፣ ክእለትካን ኣገባብ ኣመሃህራኻን ዝሰማማዕ ምዃኑ ገና ብልክዕ ኣይትፈልጥን ኢኻ።
ስለዚ ብዙሓት መንእሰያት መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብ ዝመርጽሉ እዋን፣ ናይ ምምራጽ ጸቕጢ የጋጥሞም። ስለዚ ድማ እዩ መጀመርታ ንነብስኻ ብዝበለጸ ምፍላጥ ኣገዳሲ ዝኸውን። ሽዕኡ ጥራይ ኢኻ ኣየናይ መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ከም ዝሰማማዓካ ብዝበለጸ ክትድህስስ እትኽእል።
መደብ መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ እቲ ዛዕባ መሳጢ ኮይኑ ስለ ዝረኸብካዮ ጥራይ ምሳኻ ዝሰማማዕ እዩ ማለት ኣይኮነን። ነዞም ዝስዕቡ እውን ኣብ ግምት ከተእትዎም ኣለካ፡
ኣገባብ ኣመሃህራ
እቶም ዓውደ-ትምህርቲታት
እቲ ዘድልይ ደረጃ ቋንቋ
ድሒርካ ክትገብሮ እትኽእል ዓይነት ስራሕ።
ከምኡ እውን ኣብቲ ሞያ እኹል ስራሕ ዝርከብ ምዃኑን ዘይምዃኑን።
ኣብነት፡ ምናልባት ስነ-ልቦና መሳጢ ኮይኑ ረኺብካዮ ክትከውን ትኽእል። ናይ ስነ-ልቦና ዲግሪ ኣብ እትማሃረሉ እዋን ግን መብዛሕትኡ ግዜ መጽናዕቲ ክትገብር፣ ስታቲስቲክስ ክትመሃርን ብዙሕ ጽሑፋት ከተንብብን ኣለካ። ወይ ድማ ምናልባት ምህንድስና መሳጢ ኮይኑ ረኺብካዮ ክትከውን ትኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ዝያዳ ዝሰማማዓካ እንታይ ምዃኑ ኣብ ግምት ከተእቱው ኣለካ፡ ማለት ግብራዊ ህንጸት ወይ ብዛዕባ ክልሰ-ሓሳብን ሒሳብን ዝያዳ ምምሃር። ስለዚ ንዓኻ ዝሰማማዕ ላዕለዋይ ትምህርቲ ምስ ዝስዕብ ይሰማማዕ፡
ድልየታትካ
ስብእናኻ ማለት ሰብኣዊ መንነትካ
ኣገባብ ኣመሃህራኻ
ሕጂ ዘለካ ደረጃ ቋንቋ
ሓያል ጎድንታትካ
ናይ መጻኢ ባህጊታትካ
ብግቡእ ክትመሃረሉ እትኽእል ሃዋህው፡ ግብራዊ ወይ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ
ስለዚ 2 ነገራት ምምርማር ኣገዳሲ እዩ፡
ገዛእ-ርእስኻ፡ እንታይ ደስ ይብለካ? ኣብ ምንታይ ኢኻ ንፉዕ? ብኸመይ ኣገባብ ክትመሃር ትፈቱ?
እቲ መደብ ትምህርቲ፡ ኣየኖት ዓውዲታት-ትምህርቲ ክትወስድ ኢኻ? እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ይካየድ? ብዙሕ ከተንብብ፣ ብሓባር ክትሰርሕ፣ መጽናዕቲ ከተካይድ ወይ ብተግባር ክትሰርሕ ኣለካ ድዩ?
ስለዚ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ጽቡቕ ምርጫ ምግባር ማለት፡ “እዚ ዛዕባ እዚ ደስ ይብለኒ” ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ጽቡቕ ምርጫ ማለት፡ “እዚ መደብ እዚ ኣነ መን ምስ ምዃነይ፣ ብኸመይ ከም ዝመሃርን፣ ድሒረ እንታይ ክገብር ከም ዝደሊን ይሰማማዕ እዩ።” ማለት እዩ
ድልየታትካ ኣብ ምንታይ ምዃኖም ብኸመይ ትፈልጥ?
ብዙሓት ሰባት 1 ልዑል ፍናን ማለት ሓያል ድልየት ክትረክብ ከም ዘለካ ይሓስቡ። ኩሉ ግዜ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ተገዳስነት እውን ምስ ግዜ ክዓቢ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መጀመርታ ንሓደ ነገር ብዙሕ ኣይትፈትዎን ትኸውን፣ ብዛዕባኡ ዝያዳ እናፈለጥካ ምስ ከድካ ግን መሳጢ ኮይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ነገር ተገዳስነት ክህልወካ ዝኽእል በዚ ዝስዕብ ምኽንያት እዩ፡
ብዛዕባኡ ዝያዳ ስለ ዝተማሃርካ
ኣብኡ ዝሓሽካ እናኾንካ ስለዝኸድካ
ጽቡቕ ተመክሮ ስለ ዝረኸብካ
ብዛዕባኡ ክትፈልጥ እትህንጠይ ምዃንካ ስለ ዘስተብሃልካ።
ኣብ እትፈትዎ ነገር ጥራይ ኣቓልቦ ኣይትግበር። ነዞም ዝስዕቡ ኣብ እተስተውዕለሎም እዋን እውን ኣቓልቦ ግበር፡
ብናይ ባዕልኻ ተበግሶ ዝያዳ ሓበሬታ ክትደልይ እንከለኻ
ብዙሕ ሕቶታት ክትሓትት እንከለኻ
ግዜ ክሓልፈካ እንከሎ
ገለ ነገር ንኻልእ ሰብ ምግላጽ ክትፈቱ እንከለኻ
ሓደ ዛዕባ ከቢድ ኮይኑ እናሃለወ ክትርድኦ ክትደልይ እንከለኻ
ብዛዕባ እቲ ዛዕባ ብዙሕ ክትሓስብ እንከለኻ
ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ዓውደ-ትምህርቲ ኣብ ዝዛረበሉ እዋን ንምፍላጥ ክትህንጠይ እንከለኻ።
ሓደ ኣገዳሲ ምልክት ድማ፡ ቀጻሊ ናብቲ ዛዕባ ትምለስ ኢኻ። ገለ ነገር 1 ግዜ ጥራይ ዲኻ ፈቲኻዮ? ስለዚ እዚ ብኡንብኡ ቀዋሚ ተገዳስነት ማለት ኣይኮነን። ናብ ሓደ ዛዕባ ቀጻሊ እትምለስ እንተድኣ ኮይንካ ግን፣ ነዚ ብዝያዳ ምምርማሩ ኣገዳሲ እዩ።
ናብ ዛዕባታት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናብ ንጥፈታት እውን ጠምት
ሓደ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዓውዲ ክትመርጽ እንከለኻ፣ መብዛሕትኡ ግዜ መጀመርታ ንሓደ ዛዕባ ኢኻ እትርእዮ። ንኣብነት፡ ጋዜጠኝነት ወይ ሚድያ። እንተኾነ ግን ሓደ ዛዕባ ምሉእ ታሪኽ ኣይነግርን እዩ። ደሓር ከኣ ምስ ጋዜጠኝነትን ሚድያን ዝተኣሳሰሩ መደባት ትምህርቲ ብዙሓት እዮም። ንኣብነት ጋዜጠኝነት፣ ርክብ፣ ኣርትዖት ሚድያ፣ ድምጽን ስእልን ሚድያ፣ ፈጠራዊ ንግዲ፣ ወይ ሰነዳዊ ፊልም ምስራሕ። ስለዚ እንታይ ክትገብር ከም እትፈቱው ብልክዕ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ።
ምስ ጋዜጠኝነት ወይ ሚድያ ዝተሓሓዝ ነገር ክትሰርሕ ትደሊ ዲኻ? ስለዚ ንገዛእ-ርእስኻ ነዚ ዝስዕብ ሕተት፡
ዜና ክጽሕፍ ድየ ዝደልይ፣ ወይስ ምስ ሰባት ቃለ-መሕትት ከካይድ?
ቪድዮታት ወይ ሰነዳዊ ፊልም ክሰርሕ ድየ ዝደሊ?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድየ ክሰርሕ ዝደሊ?
ብስእልን ድምጽን ዛንታታት ክነግር ድየ ዝደሊ?
ክምርምርን ሓቂ ከረጋግጽን ድየ ዝደሊ?
ንትካላት ወይ ውድባት ኣብ ርክባት ክሕግዝ ድየ ዝደሊ?
ምስ ነፍስወከፍ መልሲ፣ ዝተፈልየ መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ እዩ ዝሰማማዕ። ስለዚ ነቲ ዛዕባ ጥራይ ኣይትርኣይ። ነቲ ዘሐጉሰካ ንጥፈት እውን ረኣይ። ብኸምዚ ኣየናይ መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ከም ዚሰማማዓካ ብዝበለጸ ክትፈልጥ ኢኻ።
ብዛዕባ ክትመሃረሉ እትደልዮ ኣገባብ ሕሰብ
መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትመርጽ እንከለኻ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ንትሕዝቶ ናይ ሓደ መደብ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ኢኻ ትርኢ። ይኹን እምበር እቲ ኣገባብ ትምህርቲ እውን ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ 2 መደባት ትምህርቲ ሓደ ዓይነት ዛዕባ ስለ ዝሽፍን ተመሳሳሊ ይመስል። እንተኾነ ግና፣ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓደ መደብ ትምህርቲ፣ ብዙሕ ክልሰ-ሓሳብ፣ ብዙሕ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ንባብ፣ ወይ ብዓበይቲ ጉጅለታት ኮይንካ ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ካልእ መደብ ትምህርቲ ድማ፣ ብዙሕ ፕሮጀክትታት፣ ግብራዊ ዕዮታት፣ ልምምዳት ወይ ብንኣሽቱ ጉጅለታት ኮይንካ ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል። ስለዚ ድማ መደብ ትምህርቲ 'ሀ' ጽቡቕ ገይሩ ዘይሰማማዓካ ክኸውን እንከሎ፣ መደብ ትምህርቲ 'ለ' ግን ዋላ እቶም መደባት ሓደ ዓይነት ዛዕባ ዝሽፍኑ እንተኾኑ እውን ምሳኻ ዝሰማማዕ ክኸውን ይኽእል።
ስለዚ 2 ነገራት ተመልከት፡
እቲ ትሕዝቶ ምሳይ ዝሰማማዕ ድዩ? እቶም ዓውዲታት-ትምህርቲን ዛዕባታትን መሰጥቲ ኮይኖም ረኺበዮም ድየ?
እቲ ኣገባብ ኣመሃህራ ምሳይ ይሰማማዕ ድዩ? ካብ መጽሓፍትን ክልሰ-ሓሳብን ምምሃር ድዩ ደስ ዝብለኒ? ወይስ ልምምድ ብምግባር፣ ብሓባር ብምስራሕን ልምምድ ስራሕ ብምግባርን እየ ክመሃር ዝመርጽ?
ኣብ ኔዘርላንድ እውን ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርቲ ኣለዉ
Mbo ማለት ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (middelbaar beroepsonderwijs) ማለት እዩ። ብቐንዱ ንግብራዊ ሞያ ኢኻ ትስልጥን። ንኣብነት፣ ኣላዪ፣ መካኒክ፣ ተሓጋጋዚ መምህር ወይ ሓላዊ ጸጥታ።
Hbo ማለት ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ (hoger beroepsonderwijs) ማለት እዩ። ንዝለዓለ ደረጃ ሞያ ድማ ትስልጥን። ንኣብነት ነርስ፣ መምህር፣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ኣማኻሪ ርክባት።
Wo ማለት ስነ-ፍልጠታዊ ትምህርቲ (wetenschappelijk onderwijs) ማለት እዩ። እዚ ኣብ ዝግበር ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ እዩ። ኣብኡ ዝያዳ ክልሰ-ሓሳብን መጽናዕትን ትመሃር። ንኣብነት ሕጊ፣ ሕክምና፣ ስነ-ልቦና ወይ ታሪኽ።
ሓደ ሓደ ግዜ መጀመርታ ንዓመታት ናብ ቤት-ትምህርቲ ጥራይ ምኻድ ኣየድልየካን እዩ። ኣብ ገሊኦም ሞያታት፣ ምስራሕን ምምሃርን ከተዋሃህድ ትኽእል ኢኻ።
ንዓኻ ዝሕግዙ ግብራዊ ስጉምትታት
1. ኣብ እሙናት መርበባት-ሓበሬታታት ሓበሬታ ድለይ
ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ምርጫ ኣብ እትገብረሉ እዋን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ጠቐምቲ መርበባት-ሓበሬታ ኣለዉ።
ንመደባት ትምህርቲ MBO ብዝምልከት ኣብ
ንናይ HBO ከምኡ እውን ናይ ዩኒቨርሲቲ መደባት ትምህርቲ ብዝምልከት፣ ኣብ
ኩሉ ግዜ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ-ሓበሬታ እውን ተመልከት። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብኡ ብዛዕባ እቲ መደብ ትምህርቲ፣ ዓውዲታት-ትምህርቲ፣ ወጻኢታትን ናይ መእተዊ ረቛሒታትን ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ይርከብ።
2. ናይ መደብ ትምህርቲ ምርጫ ፈተና ግበር
ናይ መደብ ትምህርቲ ምርጫ ፈተና ምግባር ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና፣ መደባት ትምህርቲ ወይ ሞያታት ምሳኻ ዝሰማምዑ ክኾኑ ዝኽእሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ሓሳባት ይህብ።
ግን ኣስተውዕል፡ እቲ ፈተና ንዓኻ ኣይመርጽን እዩ። ነቲ ውጽኢት ከም መበገሲ ተጠቀመሉ። ብድሕሪኡ እቲ መደብ ትምህርቲ ብሓቂ ምሳኻ ዝሰማማዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ባዕልኻ ብጥንቃቐ ገምግም።
3. ናብ ክፉት መዓልታት ኪድ
መደብ ትምህርትኻ ክትመርጽ እንከለኻ ናብ ክፉት መዓልቲ ምብጻሕ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ናብቲ ቤት-ትምህርቲ ብምኻድ ነቲ ሃዋህው ክትምኮሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ክፉት መዓልቲ ምስ መምህራንን ተማሃሮን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እቲ መደብ ትምህርቲ እውን ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ናብ ናይ ምልላይ መዓልቲ እውን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ነቲ መደብ ትምህርቲ ንምልላይ ሓደ መዓልቲ ወይ ገለ ክፋል ናይ መዓልቲ ኣብኡ ምስ ተማሃሮ ተሕልፎ። እዚ ድማ እቲ መደብ ትምህርቲ ዝያዳ ዝሰማማዓካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ይሕግዘካ።
ኣብ እዋን ክፉት መዓልቲ ብግቡእ ሕተት
ኣብ እዋን ክፉት መዓልቲ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ መደብ ትምህርቲ ብኣወንታ ክዛረቡ እዮም። ስለዚ እቲ መደብ ትምህርቲ ብሓቂ እንታይ ከም ዝመስል ብዝበለጸ ንኽትርዳእ ዝሕግዙኻ ሕቶታት ሕተት።
ግቡኣት ሕቶታት ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
ኣብ ቀዳመይቲ ዓመት ዝወሃብ ዕማም ከተርኢ ትኽእል' ዶ?
ተመሃሮ ቀዳማይ ዓመት መብዛሕትኡ ግዜ ኣየኖት ዓውዲታት-ትምህርቲ እዮም ኣጸገምቲ ኮይኖም ዝረኽብዎም?
ስለምንታይ እዮም ገለ ተማሃሮ ካብዚ መደብ ትምህርቲ ዘቋርጹ?
ንቡር ናይ ትምህርቲ መዓልቲ እንታይ ይመስል?
ኣብ ሰሙን ክንደይ ሰዓታት ትምህርቲ ትከታተል?
ክንደይ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ክትመሃር ኣለካ?
ክንደይ ዝኣክል ናይ ጉጅለ ስራሕ ኣሎ?
ቅድሚ ምጅማርካ እንታይ ክትፈልጥ ምደለኻ ነይርካ?
ድሮ ኣብ 2ይ ወይ 3ይ ዓመት ንዝርከቡ ተማሃሮ ምዝርራብካ እውን ኣረጋግጽ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ መደብ ትምህርቲ ብሓቂ ከመይ ከም ዝመስል ንሳቶም ጽቡቕ ገይሮም ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም።
4. ኣብ ሓቀኛ ዓለም ንምርኣይ እውን ኪድ
ኣብ መርበባት-ሓበሬታ ዝርከብ ሓበሬታ ጥራይ ኣይተንብብ። ሓደ ሞያ ኣብ ሓቀኛ ህይወት ከመይ ከም ዝመስል እውን ክትርእይ ኪድ።
ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ብምብጻሕ
ምስቲ ስራሕ ንምልላይ ምስ ሓደ ነቲ ስራሕ ዝሰርሕ ሰብ ሓደ መዓልቲ ብምሕላፍ
ናብ ዕዳጋ ዕዮ ማለት ምርኢት ስራሕ ወይ ምርኢት ሞያ ብምኻድ
ድሮ ነቲ ሞያ ምስ ዘለዎም ሰባት ብምዝርራብ።
እዚ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ሓደ መደብ ትምህርቲ ሓደ ሓደ ግዜ ካብቲ ኣብ ክውንነት ዝርከብ ዝተፈልየ ክመስል ስለ ዝኽእል። ስለዚ ድማ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓደ መደብ ትምህርቲ ንምልላይ ምኻድ ብዛዕባኡ ካብ ምንባብ ንላዕሊ ዋጋ ዘለዎ።
ኣብ ሓደ ትካል ምምሃር
ገሊኦም ትካላትን ውድባትን እውን ናይ ገዛእ-ርእሰን ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕን-ትምህርቲን መደባት ኣለወን። ንኣብነት
ገሊአን ናይ ጋራጅ ትካላት ኣብ ውሽጣዊ ናይ ስልጠና መደባት እውን ይህባ እየን። ኣብኡ ንኣብነት መካኒክ መኪና ምዃን ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ትካላት ክንክን ጥዕና እውን ናይ ስራሕን-ትምህርቲን መደባት ኣለወን። ስለዚ ድማ ኣብ ጽላት ክንክን ጥዕና ክትሰርሕን ክትመሃርን ትኽእል።
መደብ ትምህርቲ ምምራጽ ግዜ ይወስድ እዩ
መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ምምራጽ ግዜ ይወስድ እዩ። እዚ ንቡር እዩ። ካብ ድሌታትካ ጀምር። ድሕሪኡ ኣንፈት ምረጽ። መደባት ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣነጻጽር። ነቲ ናይ ምእታው ረቛሒታት ብደቂቕ ተመልከት። ኣብ ክፉት መዓልታት ተሳተፍ። ርግጸኛ እንተድኣ ዘይኮንካ ድማ ሓገዝ ሕተት። ብኸምዚ ድማ ደረጃ ብደረጃ ምሳኻ ብዝያዳ ዝሰማማዕ ምርጫ ክትገብር ኢኻ። ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ እዋኑ ምምልካትካ እውን ኣረጋግጽ።