
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝያዳ ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባ ኣጽዲቑ፣ ሕጂ ሰኔት ክውስን ኣለዎ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ 'ሕጊ ህጹጽ ስጉምትታት ዑቕባ' ከምኡ እውን 'ሕጊ ምትእትታው ክልተ ደረጃታት' ኣጽዲቚ። እዞም ሕግታት እንታይ ማለት ምዃኖምን፣ ሰኔት እንተድኣ ኣጽዲቑዎም እንታይ ሳዕቤናት ከም ዘለዎምን ኣንብብ። ሰኔት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2026 ብዛዕባ እቲ ሕጊ ድምጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ዝወደቐ መንግስቲ እዩ ነቶም ጽኑዓት ሕጊታት ዑቕባ ኣውጺኡ
'ሕጊ ህጹጽ ስጉምትታት ዑቕባ'፣ ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝምልከቱ ሕግታት ዝያዳ ጽኑዓት ንምግባሮም ዝዓለመ እዩ። እዚ ናይ ሕጊ እማመ፣ ምስቲ 'ስርዓት ክልተ ደረጃታት' ዝብል ናይ ሕጊ እማመ ብሓባር ብሚኒስተር ዑቕባ ነበር ወይዘሮ ፋበር ካብ PVV ዝተዳለወ እዩ። እቲ ዕላማ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምርካብ ዝያዳ ከቢድ ከም ዝኸውንን፣ ሰባት ኣብ ኔዘርላንድ ነዊሕ ክጸንሑ ከም ዘይክእሉን ንምግባር እዩ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ሕጊ ድምጺ ድሕሪ ምሃብ ኣጽዲቑዎ ኣሎ። ሓያሎ እማመታትን ምምሕያሻትን እውን ተቐባልነት ረኺቦም ኣብቲ ሕጊ ተወሲኾም ኣለዉ፡
ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝርከባ ሰልፊታት፣ እንታይ ከም ዝሓስባ ወይ እንታይ ከም ዝደልያ ብመንገዲ እማመታት ይገልጻ። ስለዚ ርእይቶአን ወይ ድልየትን ይገልጻ። ባይቶ ንሓደ እማመ እንተድኣ ኣጽዲቑ፣ ካቢነ ሚኒስተራት ነዚ ኩሉ ግዜ ከተግብሮ ግዴታ የብሉን። ስለዚ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ካቢነ ሚኒስተራት ንምንታይ ከም ዘይትግብሮ ዝገልጽ ደብዳቤ ይልእኽ።
ምምሕያሽ፣ ኣብ ሕጊ ዝግበር ለውጢ ወይ መመላእታ እዩ። ምምሕያሽ ብሓቂ ነቲ ሕጊ ይቕይሮ እዩ። ስለዚ ካብ እማመ ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ።
መብዛሕትኦም እቶም ተቐባልነት ዝረኸቡ እማመታት፣ ነቲ ሕጊ ዝያዳ ጽኑዕ ዝገብሩ እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምንባርን፣ ከምኡ እውን ብዘይሕጋዊ ንዝነብሩ ሰባት ምሕጋዝን ብሕጊ ዘቕጽዕ ከም ዝኸውን ምግባር ዝብል እማመ።
ድሕሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ሕጂ ሰኔት እውን ብዛዕባ እቲ ሕጊ ድምጺ ክህብ ኣለዎ። ኣባላት ሰኔት ደጊም ነቲ ሕጊ ከማሓይሽዎ ኣይክእሉን እዮም። ነቲ ሕጊ ከጽድቕዎ ወይ ክነጽግዎ ጥራይ እዮም ዝኽእሉ። ሰኔት እውን ነቲ ሕጊ እንተድኣ ኣጽዲቑዎ ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።
እቲ 'ሕጊ ህጹጽ ስጉምትታት ዑቕባ' ኣብ ሰኔት እውን እንተድኣ ጸዲቑ እንታይ ማለት እዩ?
ሰኔት ክሳብ ድሕሪ ክረምታዊ ዕረፍቲ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ድምጺ ኣይህብን እዩ። ፈለማ ሰኔት ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብዝያዳ ክዛተይ እዩ። ሽዕኡ ገና ምሃብ ድምጺ ኣይክካየድን እዩ። ሰኔት ብድሕሪኡ እውን ገና ብዛዕባ እቲ ዝተኣመመ ሕጊ ዝያዳ ሓበሬታ ንክህቡ ክኢላታት ክዕድም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣባላት ሰኔት ብዛዕባ እቲ ዝተኣመመ ሕጊ ቅድሚ ምዝታዮምን ድምጺ ምሃቦምን ዝያዳ ምእንቲ ክፈልጡ እዩ። ኣባላት ሰኔት ብዛዕባ እቲ ሕጊ ገና ብጽሑፍ ሕቶታት ከቕርቡ እውን ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ ሰኔት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምንባር ብሕጊ ዘቕጽዕ ንምግባር ብዝምልከትን፣ ብዛዕባ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ሓገዝ ምሃብን፣ ካብ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ገና ምኽሪ ክጽበይ እዩ።
ሰኔት ነቲ ሕጊ እንተድኣ ኣጽዲቕዎ፣ ብቕጽበት ኣብ ግብሪ ኣይውዕልን እዩ። ብድሕሪኡ ካቢነ ሚኒስተራት እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ዕለት ዝሓዘ ደብዳቤ ክሰድድ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ዕለት ድሕሪ እቲ ምሃብ ድምጺ ኣብ ዘሎ ሓጺር ግዜ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሰኔት እውን 'ንሕጊ ህጹጽ ስጉምትታት ዑቕባ' እንተድኣ ኣጽዲቕዎ፣ እቲ ሓድሽ ሕግታት ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ እዚ ዝስዕብ ይኸውን ማለት እዩ፡
ሽዕኡ ናይ ዑቕባ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እንተበዝሐ ን3 ዓመት ክኸውን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ እዚ ን5 ዓመት እዩ ዘሎ። ድሕሪ እተን 3 ዓመታት ድማ ዳግማይ ናይ 3 ዓመት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከም ብሓድሽ ይግምገም።
ድሕሪ ደጊም ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣይክወሃብን እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዘለዎ/ዋ መጻምድቶም ዘይተመርዓዉ ድሒሮም ዝመጽኡ መጻምድቲ ድሕሪ ደጊም ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣይክረኽቡን እዮም። ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቆም እውን ድሕሪ ደጊም ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣይክረኽቡን እዮም።
ድሕሪ ደጊም ሰባት ካልኣይ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ብቐሊሉ ከቕርቡ ኣይክእሉን እዮም። ንኻልኣይ ግዜ (ወይ ልዕሊኡ) ናይ ዑቕባ መመልከቲ ንዘቕርቡ ሰባት ‘ናይ ተሓታትነት መርመራ’ ክህሉው እዩ።
፣ ንካልኣይ ናይ ዑቕባ መመልከቲኻ ምኽንያት ወይ ዝተወሰኑ ሰነዳት ንምንታይ ድሮ ኣብቲ ቀዳማይ ግዜ ከምዘይነገርካ ወይ ከምዘየርኣኻ ክምርምር እዩ። ነቲ ምኽንያት ኣብቲ ቀዳማይ ግዜ ከተቕርብ ትኽእል ዝነበርካ ምስ እትኸውን፣ መመልከቲኻ ኣይክምስራሕን እዩ።INDብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝጸንሑ ሰባት ክቕየዱ ይኽእሉ፣ ከምኡ እውን ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክወሃቦም ይኽእል።
‘ኣሰራርሓ ክውሰድ ዝሕሰብ ውሳኔ’ ካብ መስርሕ ዑቕባ ክእለይ እዩ። እዚ ማለት፣ ድሕሪ ደጊም IND ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ንኽነጽግዎ ሓሳብ ከምዘለዎም ንስደተኛታት ክሕብሩ ኣየድልዮምን ማለት እዩ። ኣብቲ ክውሰድ ዝሕሰብ ውሳኔ፣ ነቲ ናይ ዑቕባ መመልከቲ ንምንጻግ ጠንቂ ዝኾኑ ምኽንያታት እዮም ዝህቡ። እዚ ማለት ድማ እቲ ስደተኛ ድሕሪ ደጊም ብዛዕባ እቲ ምንጻግ ርእይቶኡ ክህብ ኣይክእልን ማለት እዩ።
ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ሕቶታት ስለዘለኩም፣ ገለ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ነጥብታት ከነብርሆም ኢና
እቲ ሕጊ እንተድኣ ጸዲቚ፣ ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ዝኾኑ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ነፍስወከፍ 3 ዓመት ናይ ዑቕባ ፍቓድ ንምርካብ መመልከቲ ክቐርቡ ኣለዎም። IND ንኹሎም ፍቓዳት ከም ብሓድሽ ንምግምጋም ዝኸውን ግዜ የብሉን። IND ከምኡ ዝገብር ፍቓድካ ንምግምጋም ፍሉይ ምኽንያት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። እዚ ንኣብነት ኣብ ሃገርካ ዘሎ ኩነታት ንሓዋሩ እንተድኣ ተመሓይሹ እዩ። ስለዚ IND ንፍቓድካ ከም ብሓድሽ ክግምግሞ ምኽንያት እንተዘይሃልዩ ስቕ ኢሉ ከናውሖ እዩ። ስለዚ ሓድሽ ቃለ-መሕትት ኣይክህሉን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ 5 ዓመት መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ፣ እቲ ሕጊ እንተድኣ ጸዲቑ ኣብ መጀምርታ ንዓኻ ዝቕየር ነገር የለን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ መንበሪ ፍቓድካ፣ እዚ ክሳብ መዓስ ከም ዘገልግል ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ ዕለት እቲ ከም ቀደሙ ክቅጽል እዩ። እቲ ፍቓድካ ድሕሪ እተን 5 ዓመታት ዕለቱ ምስ ወደቐ ጥራይ እዩ፣ ሓድሽ ናይ 3 ዓመት ፍቓድ ዝወሃበካ። ኩሎም ዝወሃቡ ሓደስቲ ፍቓዳትን ዝናውሑ ፍቓዳትን ን3 ዓመት ዘገልግሉ እዮም ክኾኑ።
ሰኔት ንሕጊ ህጹጽ ስጉምትታት ዑቕባ እንተድኣ ኣጽዲቕዎ፣ መንግስቲ ኔዘርላንድ ድሕሪ ደጊም ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ኣይክህብን እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ግዜ ናይ 3 ዓመት ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ እዩ ማለት እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ደጊም ናይ ኔዘርላንድ ዜጋ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ድማ ዝኾነ ኔዘርላንዳዊ ክኸውን ዝደልይ ሰብ መጀመርታ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክህልዎ ስለዘለዎ እዩ። ፍሉያት ኩነታት ግን ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ሃገር-ኣልቦ ሰባት ኣብ ኔዘርላንድ ን3 ዓመት ጥራይ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዜግነት ኔዘርላንድ ንምርካብ ከመልክቱ ይፍቀደሎም እዩ። እዚ ድማ ከምኡ ኮይኑ ክቕጽል እዩ። IND እዩ ነዚ መመልከቲ ዝግምግም። መንግስቲ ድሕሪ ደጊም ቀዋሚን ናይ 5 ዓመትን መንበሪ ፍቓዳት ዘይህብ ምዃኑ ነዚ ኣይቅይሮን እዩ።
ኣብቲ እማመ ሕጊ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ጥራይ ከምዝፍቀድ ተደንጊጉ ይርከብ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ መሰጋገሪ ግዜ ኣየቐመጠን። ስለዚ ሰኔት ነቲ ሕጊ እንተድኣ ኣጽዲቕዎ፣ እዚ ንድሕሪት ተመሊሱ ተግባራዊ ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ፣ እቲ ሕጊ ኣብቶም ድሮ ሰባት ኣቕሪቦሞም ዝርከቡ መመልከቲታት እውን ተፈጻምነት ክህልዎ እዩ ማለት እዩ። እቲ ሕጊ ድሮ ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ቆልዑትን መጻምድትን ኣይምልከትን እዩ።
'ሕጊ ምትእትታው ስርዓት ክልተ ደረጃታት' እንተድኣ ጸዲቑ እንታይ ማለት እዩ?
እቲ ዝወደቐ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ክልተ ደረጃታት ዘለዎ ስርዓት ከተኣታቱውን፣ ስዒቡ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዛዕባ ዝግበር መገሻታት ዝምልከቱ ሕግታት ዝያዳ ጽኑዓት ክገብሮምን እዩ ዝደልይ። ብመንገዲ እቲ ክልተ ደረጃታት ዘለዎ ስርዓት ድማ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ መንጎ እዞም ዝስዕቡ ፍልልይ ክገብር ይደልይ፡
ደረጃ-A፡ ብሰንኪ መበቆሎም፣ ጾታዊ ዝንባለኦም ወይ ሃይማኖቶም ኣብ ሓደጋ ስለዝወደቑ ዝሃድሙ ሰባት፣ ከምኡ እውን
ደረጃ-B፡ ካብ ኲናትን (ተፈጥሮኣዊ) ጎነጽን ዝሃድሙ ሰባት።
ዘለኒ ህሉው ደረጃ ዳሕራይ ክቕየር እዩ ኢልካ ምጭናቕ ኣየድልየካን እዩ። ምኽንያቱ ሕጂ እውን ድሮ ክልተ ደረጃታት ዘለዎ ስርዓት እዩ ዘሎ። ኣብቲ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ምስ ተፈቕደልካ ዝተቀበልካዮ ውሳኔ፣ ደረጃ-A (ዋዕላ ስደተኛታት) ወይ ደረጃ-B ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ከምዘለካ ድሮ ተጠቂሱ ይርከብ። ስለዚ እዚ ኣብ መንጎ ደረጃ-A ከምኡ እውን ደረጃ-B ዘሎ ፍልልይ ድሮ ሕጂ እውን ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ንወነንቲ ክልቲኦም ደረጃታት ዘለዎም መሰላት ሓደ ዓይነት እዩ።
እንታይ ክቕየር እዩ
ሰኔት እውን ነቲ ሕጊ እንተድኣ ኣጽዲቑዎ፣ ደረጃ-B እንተሃልዩካ፣ ካብ ደረጃ-A ዘለዎ ሰብ ዝወሓደ መሰላት ክህልወካ እዩ። ንኣብነት ኩነታት ሃገርካ እንተድኣ ተመሓይሹ ቀልጢፍካ ናብ ሃገርካ ንኽትምለስ ክትግደድ ኢኻ።
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኹሎም ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ዝኾኑ ሰባት ማለት ንወነንቲ ክልቲኡ ደረጃታት ዝያዳ ከቢድ ክኸውን እዩ። እቲ 'ሕጊ ምትእትታው ስርዓተ ክልተ ደረጃታት' ብሰኔት እውን እንተድኣ ጸዲቑ፣ ኣባኻ ጸግዕተኛታት ዝኾኑ ልዕሊ ዕድመ ደቅኻ፣ ተናበይቲ ቆልዑትን ዘይተመርዓኻያ መጻምድትኻን ድሕሪ ደጊም ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ከምኡ እውን ደረጃ-B እንተሃልዩካ፣ ካብዚ ዝኸበደ ጠለባት ኣባኻ ተፈጻምነት ኣለዎ። ስለዚ ሽዕኡ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣዝዩ ከቢድ ወይ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ክኸውን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ደረጃ-B እንተሃልዩካን፣ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ገና ተመልክት ዘለኻን እንተድኣ ኮይንካን፣ ሰኔት እውን ነቲ ሓድሽ ሕጊ እንተድኣ ኣጽዲቕዎ፣ እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣባኻ ተፈጻምነት ክህልዎ እዩ።
እቶም ሓደስቲ ሕግታት ንድሕሪት ተመሊሶም ተፈጻምነት ክህልዎም ምዃኑን ዘይምዃኑን ንጹር ኣይኮነን።
እዚ ማለት፣ እቶም ሓደስቲ ሕግታት ንሓደስቲ መመልከቲታትን ፍቓዳትን ጥራይ ዝምልከቱ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ንጹር ኣይኮነን ማለት እዩ። እቶም ሕግታት ንድሕሪት ተመሊሶም ተፈጻምነት ዘለዎም እንተድኣ ኮይኖም፣ ኣብቶም ድሮ ዝቐረቡ መመልከቲታትን ኣብቶም ዘለዉ ፍቓዳትን እውን ክትግበሩ እዮም ማለት እዩ። መሰጋገሪ ግዜ ንኽግበር ኩሎም ብኣባላት ባይቶ ዝቐረቡ እማመታት ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተነጺጎም እዮም። ስለዚ እቶም ሕግታት ኣብ ኩሎም መመልከቲታትን ፍቓዳትን ተግባራዊ ክኾኑ እዮም ዝብል ትርጒም ምሃቡ ስነ-መጎታዊ ይመስል። ይኹን እምበር እታ ሚኒስተር 'ሕጊ ምትእትታው ስርዓተ ክልተ ደረጃታት' ብዝምልከት፣ እዚ ብመድረኻት ክኸውን ከምዝኽእል ኣቀዲማ ገሊጻ ነይራ እያ፣ ስለዚ ኣብ መጀመርታ ንንእሽቶ ጉጅለ። እዚ ብጭቡጥ ክኸውን ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብዚ እዋን ንጹር ኣይኮነን። እዚ ኣብ ክልቲኦም ሕግታት ንዘለዉ ሕጋጋት ዝምልከት ምዃኑን ዘይምዃኑን እውን ንጹር ኣይኮነን። ስለዚ እቶም ሓደስቲ ሕግታት ንድሕሪት ተመሊሶም ተፈጻምነት ክህልዎም ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣይፈልጥናን ኣለና።