
ካብ IND ዝመጽእ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ተጠንቀቑ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ IND (ኢሚግሬሽንን ናቹራላይዜሽንን ኣገልግሎት) ዝመፅእ ናይ ሓሶት መልእኽትታት እንደገና ይዝርጋሕ ኣሎ። ኣብ መስርሕ ዑቕባ ዝርከቡ ገለ ሰባት ኣብ ቴለፎኖም ካብ IND ዝመጹ ዝመስሉ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ይመጹ ኣለዉ፡ እዚ መልእኽትታት ግን ካብ IND ኣይኮነን። መልእኽቲ እንተመጺኡካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።
ኣብቲ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝወስድ ሊንክ ኣይትጠውቕ ብርግጽ ድማ ዝኾነ ዳታ ኣይትሃብ
እቶም ናይ ሓሶት መልእኽትታት፣ ውልቃዊ ሓበሬታታትካ (ስም፣ ዕለት ልደት፣ ናይ ባንክ ሓበሬታታት) ብቕልጡፍ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ
እቲ ዘደናግር ነገር IND እውን ሓደ ሓደ ግዜ ብመንገዲ ተሌፎን መልእኽቲ (sms) ዝሰድድ ምዃኑ እዩ። ስለዚ እዚኦም ናይ ሓቂ መልእኽትታት እዮም፣ ንኣብነት ብዛዕባ ናይ ካልኣይ ቃለ-መሕትት ዕለት። እንተኾነ ግን IND ኣብዞም ብመንገዲ sms ዝሰዶም ናይ ሓቂ መልእኽትታት፣ ክትጥውቖም ዘለካ ናብ ሓደ መርበብ-ሓበሬታ ዝወስድ መተሓላለፊ ሊንክ፣ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታታት ንኽትሓድግ ዝጠልብ ሕቶ ፈጺሙ ኣየጠቓልልን እዩ።
ኣብቲ ሊንክ ኣይትጠውቕ፣ ከምኡ እውን ነቲ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ደምስሶ
ናይ ሓሶት ናይ ተሌፎን መልእኽቲ ( sms) እውን ክመጸካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብቲ ሊንክ ኣይትጠውቕ፣ ከምኡ እውን ነቲ መልእኽቲ ካብ ተሌፎንካ ደምስሶ። ነቲ ናብቲ መርበብ-ሓበሬታ ዝወስድ ሊንክ ድማ ኣይትኽፈቶ። ከምኡ እውን ብርግጽ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይትሃብ።
ነቲ ሊንክ እንተድኣ ጠዊቕካዮን፣ እቲ መልእኽቲ ካብ IND ዝመጽአ ምዃኑ ርግጸኛ እንተድኣ ዘይኮንካን፣ ናይ ሓሶት ድዩ ወይስ ሓቀኛ ንምፍላጥ ክትገብሮም እትኽእል ሒደት ነገራት ኣለዉ።
እቲ ናይ IND መርበብ ሓበሬታ ከምዘይኮነ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል?
እታ ናይ ሓሶት መርበብ ሓበሬታ (እዚ መልእኽቲ ዘለዎ ስእሊ ርአ) ንናይ IND መርበብ ሓበሬታ ክትመስል ትኽእል እያ፡ ግን ከምኡ ኣይኮነን። እቲ ናይ ሓሶት መርበብ ሓበሬታ MijnOverheid (MyGovernment)ን ኣርማ INDን ዝሓዘ እዩ። ይኹን እምበር "ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ናቹራላይዜሽንን (IND)" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ጎኒ ኣርማ IND ኣይኮነን።
ሕጂ እውን ርግጸኛታት እንተዘይኮይንኩም፡ ናብቲ ናይ ምምኽኻር ሰዓታት