ምንጪ፡ Okbatsion Siem: Unsplash
ዜና

ኣብ ሰራዊት ስለ ዝነበርካ ወይ ክትህሉው ስለ ዝነበረካ ካብ ኤርትራ ሃዲምካ? ስለዚ ሕጂ ደረጃ-A ናይ ምርካብ ዕድል ኣሎካ

ዝተሓትመሉ ዕለት: 4/9/2026 12:00 ቅ.ቀ.

ንኤርትራ ዝምልከት ፖሊሲ ዑቕባ ክቕየር ኢዩ። ሚኒስተር ዑቕባን ፍልሰትን፣ ነዚ ብዕለት 1 ሚያዝያ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳቤ ኣፍሊጣ። ካብ ሕጂ ንደሓር ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ወይ ካብ ሰራዊት ዝሃደሙ ሰባት ብመሰረት ባይታ-A ናይ ዑቕባ ፍቓድ ክወሃቦም እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብመሰረት ባይታ-B እዮም ዝረኽቡ ነይሮም።

ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ካብ ሃገር ምህዳም ከም ክሕደት ይርእይዎ

ብመሰረት

ናይ ታሕሳስ 2025፣ ፕረዚደንት ኤርትራን መንግስትን፣ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክትገብረሉ ኣብ ዘለካ ዕድመ ካብታ ሃገር ምውጻእ ከም ክሕደት ሃገር እዮም ዝርእይዎ። ካብ ሰራዊት ዝሃደሙ ወይ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘምለጡ ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እንተድኣ ተገዲዶም ሓደጋ የጋጥሞም እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ከም ዝሳደዱ ጉጅለ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ክንዲ
ክወሃቦም እዩ።

ምትዕርራይ ፖሊሲ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት እውን ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ

እዚ ጉጅለ ኤርትራውያን ካብ ሕጂ ንደሓር ደረጃ-A ክረክብ ምዃኑ፣ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት እውን ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ኔዘርላንድ

ክህሉው ዝብል እማመ እንተድኣ ተግባራዊ ዝኸውን ኮይኑ፣ ደረጃ-B ዘለዎም ሰባት ስድራ-ቤቶም ናብ ኔዘርላንድ ንምምጻእ ዝያዳ ከጸግሞም እዩ። ኣብ ዕለት 14 ሚያዝያ 2026፣
ናይ ሚኒስተር ፋበር ሕጊ ዑቕባ ክጸድቕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። እቲ ክልተ ደረጃ ዘለዎ ስርዓት ዝብል እማመ ኣካል ናይዚ እዩ። ብዛዕባ ሕግታት ዑቕባ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር