ምንጪ፡ PXhere
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ወናኒ ትካል ምስ እትኸውን ግብሪ ምኽፋል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/9/2025 2:26 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ወናኒ ትካል እንተድኣ ኮይንካ ግብሪ ክትከፍል ኣለካ። ኣብ ነፍስወከፍ 3 ኣዋርሕ መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ። ከም ወናኒ ትካል መጠን ድማ ካብ መኽሰብካን ካብ ድምር መሸጣኻን ግብሪ ትኸፍል።

ቀረጽ መሸጣ ናብ በዓል-መዚ ግብሪ ትኸፍል

ወናኒ ትካል ከም ምዃንካ መጠን ቀረጽ መሸጣ ክትከፍል ግዴታ ኣለካ። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ

ይበሃል። ነዚ ቀረጽ ምስ ዋጋ ናይቲ እትሸጦ ፍርያት ወይ ኣገልግሎት ትቕምሮ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ርእሲ እቲ ዋጋ ናይ ፍርያትካ ዝውሰኽ 9 ወይ 21 ሚእታዊት ቀረጽ መሸጣ ዝምልከት እዩ። ነቲ ካብ ዓማዊልካ እትቕበሎ ቀረጽ መሸጣ ድማ ናብ
ክትከፍሎ ኣለካ።

ባዕልኻ ንኣቕረብቲ ዝኸፈልካዮ ቀረጽ መሸጣ ካብኡ ክትቅንሶ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ዋጋ ዕድጊኻን (ወጻኢታት ሓዊስካ) ዋጋ መሸጣኻን ዘሎ ፍልልይ ቀረጽ መሸጣ ትኸፍል።

ነፍስወከፍ 3 ኣዋርሕ መመልከቲ ግብሪ ተቕርብ

ኣብ ነፍስወከፍ 3 ኣዋርሕ መመልከቲ ግብሪ ናብ በዓል-መዚ ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ። ነዚ ብመንገዲ እቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታኦም ዝርከብ ናይ ግብሪ ባብ ኣቢልካ ትገብሮ። ብኸመይ ከም እትኣቱው ድማ ኣብ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ፡

  • ርእስኻ ዝኸኣልካ በዓል ዋኒን (zzp'er) ኢኻ፡

    ተጠቒምካ ትኣቱው።

  • ሕጋዊ ህላወ ዘለዎ ትካል ኣለካ፣ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ብሕታዊ ኩባንያ ዝኣመሰለ፡ ንምእታው

    ማለት ኤሌክትሮኒካዊ መለለዪ መንነት ትጥቀም።

ናይ ቀረጽ መሸጣ መመልከቲ ግብሪ ንኽገብረልካ ንሰራሕተኛ ሕሳብ ወይ ንተሓዚ መዝገብ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ዝኸውን ወጻኢታት ብዝምልከት ድማ ኣቐዲምካ ምስቲ ሰራሕተኛ ሕሳብ ወይ ተሓዚ መዝገብ ትሰማማዕ።

ኣብ ነፍስወከፍ 3 ኣዋርሕ መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ግዴታ እዩ፣ ዋላ ኣታዊኻ € 0,- እውን እንተኾነ። መመልከቲ ግብሪ እንተድኣ ዘየቕረብካ፣ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ ልዑል ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ሽዕኡ በዓል-መዚ ግብሪ ባዕሉ ኣታዊኻን ክትከፍሎ ዘለካ ግብሪን ብዝምልከት ገምጋማዊ ግምት ክገብር እዩ።

ነፍስወከፍ ዓመት ክንደይ መኽሰብ ከም ዝረኸብካ ትሕብር

ከም ወናኒ ትካል መጠን መኽሰብ ናይ ትካልካ ብዝምልከት ነፍስወከፍ ዓመት መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ። ብድሕሪኡ በዓል-መዚ ግብሪ ክንደይ

፣ ከምኡ እውን
ክትከፍል ከም ዘለካ ክቕምሮ እዩ። ነዚ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ትኸፍሎ። መመልከቲ ግብሪ ብመንገዲ ናይ ግብሪ ባብ ኣቢልካ ኢኻ እተቕርብ፣ ኣብኡ ድማ ብDigiD ትኣቱው።

እቲ

ብሰንኪ ዘለዉ ብዙሓት ሕግታት ግብሪ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ መመልከቲ ግብሪ ብግቡእ እንተድኣ ዘይመሊእካዮ ብሰንኩ ጸገማት ከጋጥመካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እኹል ግብሪ ኣይትኸፍልን ወይ ኣዝዩ ብዙሕ ክትከፍል ትኽእል። 

ናይ ዓመት መመልከቲ ግብሪ ንኽገብረልካ ንሓደ ሰራሕተኛ ሕሳብ ወይ ተሓዚ መዝገብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ናይዚ ኣገልግሎት ክንደይ ከም እትኸፍል ድማ ኣቐዲምካ ከም እትሰማማዕ ኣረጋግጽ።

ከም ወናኒ ትካል ዘለካ ስራሕ፣ ከም ሰራሕተኛ ተቖጺርካ ምስ ምስራሕ ክትጽንብሮ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ሓደ እዋን ከም ሰራሕተኛ ተቖጺርካ ክትሰርሕን ከም በዓል ዋኒን ናይ ባዕልኻ ትካል ክህልወካን ይከኣል እዩ። ስለዚ ድማ ናይ ትካልካን ደሞዝ ናይ ዝኽፈሎ ስራሕካን ናይ ክልቲኡ መመልከቲ ግብሪ ከተቐርብ ኣለካ።

ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ግብሪኻ ዝተወሰኑ ወጻኢታት ክትቅንስ ምእንቲ ክትክእል ኣብ ዓመት እንተወሓደ 1,225 ሰዓታት ኣብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ክትሰርሕ ኣለካ። እዚኦም ተቐነስቲ ግብሪ ዝበሃሉ እዮም። 1,225 ሰዓታት ከም ዝሰራሕካ ድማ ከተረጋግጽ ክትክእል ኣለካ።

እዚ ምስ ዘይትገብር ብዙሕ ፋይናንሳዊ ረብሓታት ክትስእን ኢኻ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ምስ ተሌፎን-ግብሪ ርክብ ግበር። ወይ ድማ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ነቚጣ ሓበሬታ-ግብሪ ኪድ። ንሰራሕተኛ ሕሳብ ወይ ተሓዝ መዝገብ ክትውከስ እውን ትኽእል ኢኻ።

በዓል-መዚ ግብሪ

ብዛዕባ ዋኒን ትካል ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ በዓል-መዚ ግብሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር