ምንጪ፡ Nancy Beijersbergen
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ብኸምዚ ኢኻ መመልከቲ ግብሪ እተቕርብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:26 ቅ.ቀ.

መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ዘለካ ምስ እትኸውን በዓል-መዚ ግብሪ መብዛሕትኡ ግዜ ደብዳቤ ይሰደልካ እዩ። እንተኾነ ግን ደብዳቤ ዘይተቐበልካ ምስ እትኸውን እውን መመልከቲ ግብሪ ምቕራብ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ መመልከቲ ግብሪ ከም እተቕርብን ኣየኖት ሰነዳት ከም ዘድልዩኻን ኣብዚ ኣንብብ።

መመልከቲ ግብሪ እንታይ እዩ?

ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ እትረኽቦ ደሞዝ፣ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ወይ ጡረታ ግብሪ ደሞዝን ኣበርክቶታት ማሕበራዊ ድሕነትን ትኸፍል። ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ድማ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት መመልከቲ ግብሪ ተቕርብ። ብኸምዚ

በዓል-መዚ ግብሪ
እቲ ዝኸፈልካዮ መጠን ግብሪ ደሞዝን ኣበርክቶታትን ቅኑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክቕምሮ ይኽእል። ብድሕሪኡ እዚ ሕሳብ ይወራረድ፣ ከምኡ እውን ገንዘብ ይምለሰልካ ወይ ተወሳኺ ገንዘብ ክትከፍል ትግደድ። ነዚ መስርሕ "መመልከቲ ግብሪ" ኢልና ንጽውዖ።

መመልከቲ ግብሪ ምቕራብ ብብዙሕ ምኽንያታት ኣገዳሲ እዩ። ኣዝዩ ብዙሕ ወይ ኣዝዩ ውሑድ ግብሪ ከም ዘይትኸፍል ተረጋግጽ። ኣዝዩ ብዙሕ ግብሪ እንተድኣ ከፊልካ፣ ገንዘብካ ክምለሰልካ ይኽእል እዩ። ከተቕርብ ዝግብኣካ ክነሱ መመልከቲ ግብሪ እንተድኣ ዘየቕረብካ ድማ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ መቕጻዕቲ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ።

መን መመልከቲ ግብሪ ከቕርብ ኣለዎ?

ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ መመልከቲ ግብሪ ከቕርብ ኣየድልዮን እዩ። መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት እዩ ዝምርኮስ፡

  • ኣታዊ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ሰሪሕካ ገንዘብ እንተድኣ ረኺብካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ። እዚ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ትቕበል ምስ እትኸውን እውን ይምልከት እዩ።

  • ርእሰ-ማል፡ ብዙሕ ውህሉል ገንዘብ ወይ ንብረት እንተሃልዩካ፣ ምናልባት እውን መመልከቲ ግብሪ ከተቐርብ ዘለካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ግብሪ ከይከፈልካ ክንደይ ክህልወካ ከም ዝኽእል ደረት ኣሎ።

  • ኣበላት፡ ናይ ክራይ ኣበል ወይ ናይ ጥዕና ኣበል ዝኣመሰሉ ኣበላት ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ፣ መብዛሕትኡ ግዜ መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ። እዚ ድማ በዓል-መዚ ግብሪ ቅኑዕ ኣበል ትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንኽቖጻጸር ይሕግዞ።

  • ደብዳቤ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ፡ ሓደ ሓደ ግዜ መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ከምዘለካ ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ በዓል መዚ ግብሪ ይመጽኣካ እዩ። ከምዚ ዝበለ ደብዳቤ ምስ እትቕበል ኩሉ ግዜ መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ።

መዓስ መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ?

በዓል-መዚ ግብሪ፣ መመልከቲ ግብሪ እተቕርበሎም ቀወምቲ እዋናት ኣለዎ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዓመታዊ መመልከቲ ግብሪ እዩ። እዚ ቅድሚ 1 ግንቦት ክትገብሮ ኣለካ። ንኣብነት ናይ 2023 መመልከቲ ግብሪ ኣብ መንጎ 1 መጋቢትን 1 ግንቦትን 2024 ተቕርብ። ቅድሚ 1 ግንቦት መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ኣይትኽእልን ዲኻ? ስለዚ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ ምንዋሕ ግዜ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ክሳብ 1 መስከረም ይወሃበካ።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ እውን መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ኣለካ፣ ንኣብነት ናብ ኔዘርላንድ እንተድኣ ግዒዝካ ወይ ካብታ ሃገር እንተወጺእካ። እዚ ማለት ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዝነበርካሉ እዋን መመልከቲ ግብሪ ተቕርብ ማለት እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር